ኩዕሶ እግሪ፡ መሓመድ ሳላሕ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዝበዝሓ ጎል ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ

መሓመድ ሳላሕ

ትማሊ ሊቨርፒል ንማንቸስተር ዩናይትድ፡ ኣብ ሜዳ ኦል ትራፎልድ 5 ብ 0 ኣብ ዝደሃኸትሉ ሰለስተ ጎል ዘመዝገበ ኣጥቃዓይ ክለብ ሊቨርፑል ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ፡ ኣብ ታሪኽ ፕሪሜርሊግ ዝበዝሓ ጎል ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ።

ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ፡ ቅድሚ ናይ ትማሊ ጸወታ፡ ምስቲ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ 104 ሸቶታት ዘመዝገበ ኣይቮርያዊ ዲደር ድሮግባ ማዕረ ሸቶታት እየን ነይረነኦ።

እንተኾነ መሓመድ ሳላሕ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ቅድሚ ዕረፍቲ ክልተ ድሕሪ ዕረፍቲ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ቁጽሪ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዘመዝገቦ ሸቶታት ናብ 107 ክብ ብምባል፡ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዝበዝሓ ሸቶ ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሊ ኣሎ።

ወዲ 29 ዓመት ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ፡ ኣብ 2017 ካብ ክለብ ሮማ ናይ ዓዲ ጣልያን ናብ ክለብ ሊቨርፑል ምስ ተሰጋገረ ሓደ ካብ ሓያላት ኣጥቃዕቲ ፕሪሜርሊግ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደን።

ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ነበርን ኣብ ፕሪሜርሊግ 95 ሸቶታት ዘመዝገበን ያኩቡ፡ ኣብ ፕሪሜርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሸቶ ከመዝግብ ዝኽእል ኣጥቃዓይ ኣብ ካልእ ሊግ ከይዱ ሸቶ ከመዝግብ ዝቐለለ እዩ ብምባል ንክብደት ፕሪሜር ሊግን ንብቕዓት መሓመድ ሳላሕን ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ።

መሓመድ ሳላሕ ኣብ 2017 ናብ ሊቨርፑል ምስ መጽአ ኣብ መጀመርታ ወቕቲ ናይ ጸወትኡ 32 ሸቶታት ምስ ኣመዝገብ ንብዙሓት ኣገሪሙን ብዙሕ ኣድናቖት ረኺቡን'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክለብ ሪቨርፑል ተዓዋቲት ፕሪሜር ሊግ ኣብ ዝኾነትሉ መሓመድ ሻላሕ 19 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ነይሩ።

መሓመድ ሳላሕ፡ ክልተ ግዜ ናይ ካፍን ናይ ቢቢሲን ዝበለጽ ኣፍሪቃዉ ተጻዋታይ ክብሃል እንከሎ፤ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ሊቨርፔል ኣብ ዝጸንሓሉ ዓመታዊ ልዕሊ 15 ሸቶታት እዩ ከመዝግብ ጸኒሑ።

ኣብ ክለብ ሊቨርፑል ብጻዩ ዝኾነ ሰኔጋላዊ ሳድዮ ማነ'ውን ክሳብ ሕጂ 100 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

ናይጀርያዊ ያኩቡ ብዛዕባ ብቅዓት መሓመድ ሳላሕ ኣብ ዝተሓተተሉ "ኣዝኡ ትኩር'ዩ፡ ምንቅስቃሱ ማራኺ እዩ፡ ካብ የማናይ ክንፊ እናመጽአ'ዩ ሸቶታት ዘመዝግብ። ኣበይ ኮይኑ ንኵዕሶ ይጽበያን ምዓስ ኵዕሲ ሑዙ ይጎይን ኣጸቢቑ ይፈልጥ'ዩ" ኢሉ።

ብምስዓብ "ኣብዚ ዘመናዊ ኵዕሶ እግሪ፡ ከም መሓመድ ሳልሕ ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ኣዝዮም ውሑዳት'ዮም፡ ሓቂ ንምዝራብ መሓመድ ሳላሕ ኣዝዩ ዝተፈለየ ድንቂ ዝኾነ ብቕዓት ዘለዎ ኣጥቃዓይ'ዩ፤ ባርሲሎና ብሜሲ እያ ትፍለጥ፡ ሊቨርፑል ኸኣ ብመሓመድ ሳላሕ እያ ትፍለጥ" ኢሉ።