እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ 'ዘይብዳህ ሰራዊት' ክትሃንጽ ምዃና ኪም ጆንግ-ኡን ሓቢሩ
መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ-ኡን ሃገሩ "ዘይብዳህ ሰራዊት" ክትሃንጽ ምዃና ቃል ኣትዩ ክብል መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺቡ።
ኪም ጆንግ-ኡን ነቲ መግለጺ ዝሃበ ኣብቲ ሳሕቲ ዝርአ ወተሃደራዊ ምርኢት ኮይኑ፡ ነቲ ካብ ኣመሪካ ዝነቅል ተጻብኦ ንምክልኻል እምበር ኲናት ንምጅማር ዝዓለመ ከምዘይኮነ ጠቒሱ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን ፈተነ 'ሃይፐርሶኒክን' ጸረ ካብ ነፈርቲ ዝትኮስ ሚሳይልን ምዃኑ ዝገለጸቶ ሚሳይል ኣካዪዳ እያ።
ደቡብ ኮርያ ብወገና ካብ ሳብማሪን ናይ ዝትኮስ ሚሳይል ፈተነ ኣካዪዳ ኣላ።
ኪም ጆንግ ኡን ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ፒዮንግያንግ ዝተኻየደ ምርኢት 'ርእሰ ምክልኻል 2021' ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝህነጽ ዘሎ ሰራዊት ክዛረብ እንከሎ፡ ሰሜን ኮርያ ምስ ጎረቤታ ደቡብ ኮርያ ክትዋጋእ ከም ዘይትደሊ ተዛሪቡ።
ብብዙሕ ታንክታት ዝርከብዎ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ተኸቢቡ መደረ ዘስምዐ እቲ መራሒ፡ ኣመሪካ ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ወጥሪ ንምስዋር ትጽዕር ኣላ ክብል ከሲሱ።
ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ተጻባኢት ኣይኮነትን ኢልካ ንምእማን ዘኽእል ባይታ ከም ዘየሎ'ውን ሓቢሩ።
ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ሃገሩ ምስ ሰሜን ኮርያ ንምዝርራብ ፍቓደኛ ምዃና ብተደጋጋሚ እኳ እንተገለጸ፤ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክዘልቕ ፒዮንግያን ግነቲ ናይ ኒኩለራዊ ኣጽዋራት መደባታ ክተቋርጽ ክጠልብ ጸኒሑ እዩ። ሰሜን ኮርያ ነዚ ዛጊት ኣይተቐበለቶን።