እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ፡ ፖሊሲ ምምሕዳር ባይደን ኣብ መደብ ኑክሌር፡ 'ጽልኢ ዝጽሕትር’ዩ' ኢላቶ
ሰሜን ኮርያ፡ ኣመሪካ ንጉዳይ መደብ ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ኣመልኪታ ስትራተጂ ኣብ እትቐርጸሉ እዋን፡ ምምሕዳር ባይደን ዝኽተሎ ፖሊሲ ኣብ "ቅርሕንትን ጽልእን ዝተደረኸ እዩ" ክትብል ነቒፋ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ዋሺንግተን ዝንጸባረቑ ዘለዉ ርእይቶታት፡ ምምሕዳር ባይደን ክንደየናይ ዝኣክል ኣብ 'ጽልእን ቅርሕንትን' ዝተመርኮሰ ፖሊሲ ከምዝኽተል መርአያ እዩ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ባይይደን ፡ ንመደብ ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ መደብ ኑክሌር እታ ሃገርን ኢራንን፡ ንዓለምለኸ ድሕነት ሓደገኛታት ኢልወን።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ምስ መሓዝቱ ኾይኑ ኣዝዩ ዝተመኸረሉ ናይ ለበማት መገዲ ንምኽታል ትልሚ ከምዘለዎ ድማ ተዛሪቡ።
ወሃቢት ቃል፡ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ጄን ፕሳኪ፡ ሓድሽ ምምሕዳር ባይደን ናይቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ኣመሪካ ዝተኸተልዎ ፖሊሲ ከምዝግምግምን፡ መደብ ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ጠጠው ከብልሉ ዘይከኣሉ ምኽንያት ከምዘጽንዖን ተዛሪባ።
ንሳ ከምዝበለቶ፡ ባይደን ካብ ውድቀት ፖሊስ'ቶም ዝሓለፉ ምምሕዳራት ተማሂሩ ነቲ መደብ ምምዕባል ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ዝገትእ ፖሊሲ ክኽተል እዩ።
"ፖሊሲና ዓብዪ ድርድር ኣብ ምግባር ዝተመርኮሰ ኣይኮነን፤ ዓቕሊ ዝበዝሖ'ውን ኣይክኸውንን" ኢላ።
ንሳ፡ ኣብ ክንድኡ፡ "ምስ ሰሜን ኮርያ ተዓጻጻፊ ዲፕሎማስን ንዕኡ ክፉት ብዝኾነን ምኩርን ተግባራውን ፖሊሲ እዩ ክኽተል" ኢላ።
ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብ ምምሕያሽ ግብራዊ ውጽኢት ከምዝህልዎ ድማ ኣተስፍያ።
እቲ ዝተገብረ ግምገማ ብዝምልከት፡ ኣመሪካ ኣማኸርቲ ሃገራዊ ድሕነት ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ተቐቢላ ዝርርብ ከምእትገብረሉ ተፈሊጡ።
ሰሜን ኮርያኸ እንታይ እያ ኢላ?
ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሐን ዝወጽአ መግለጺ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ፡ ጆ ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኣባላት ኮንግረስ ዝተዛረቦ፡ 'ዘይንጻወሮ ዓብዪ ጌጋ' ኢልዎ።
ኣብ'ቲ ሚኒስትሪ፡ ሓላፊ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ክዎን ጆንግ-ጋን፡ "እቲ መግለጺኡ ኣብ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝተኸተለቶ ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ዝተመርኮሰ ፖሊሲ ከምእትቅጽሎ ዘርኢ እዩ"
ካልእ ካብቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተውሃበ መግለጺ ድማ፡ እቲ ካብ ኣመሪካ ክወሃቡ ዝጸንሑ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰበኣዊ መሰላት ሰሜን ኮርያ ድማ፡ ንመራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን ጸርፊ እዩ ብምባል፡ ሕዚ ግን ንግጥም ትዳሎ ከምዘላ ዘርኢ እዩ ይብል።
ኣመሪካ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ሰሜን ኮርያ ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሰሜን ኮርያ ክትልእኽ ትዳሎ ከምዘላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዝተውሃበ ርእይቶ ግን ንኣየናይ መግለጺ ዝምልከት ከምዝኾነ ኣይተፈልጠን።
ንፕረዚደንት ባይደን ኣፍልጦ ዘይሃበት ሃገር
ሰሜን ኮርያ፡ ዛጊድ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ከም ፕረዚደንት ኣመሪካ ገይሩ ኣፍልጦ ኣይሃበትን ኣላ።
ባይደን ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ፡ ንፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን 'ጽሉል' ክብል ምጽራፉ ዝዝከር እዩ።
ኪም ብወገኑ ድማ፡ ፕረዚደንት ባይደን ናብ ቤተ መንግስቲ ቅድሚ ምእኣታዉ ኣብ ዝተዛረቦ፡ ኣመሪካ እታ ዝዓበየት ኣንጻር ሃገሩ 'ቀንዲ ጸላኢት' ከምዝኾነትን፡ መደብ ምልሓም ኑክሌር ኣበርቲዑ ከምዝቕጽለሉን ተዛሪቡ ነይሩ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ንፕረዚደንት ኪም ብቐጥታ ብምርካብ ፈላማይ ፕረዚደንት እንትኸውን፡ ሰለስተ ግዜ ብኣካል እንተተራኸቡ'ኳ፡ ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ መደብ ኑክሌር ኮነ ኣብ ምልዓል እገዳታት ኣብ ሓደ ዝኾነ ሰምምዕ ክበጽሑ አይከኣሉን።