እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ ዘራኽባ ቀጥታዊ መስመር ስልኪ ዳግም ከፊታ
ሰሜን ኮርያ ንኣዋርሕ ዓጽያቶ ዝጸንሐት ዶብ ተሳጋሪ ቀጥታዊ ስልኪ ዳግም ብምኽፋት መስመራት ርክብ ናብ ዝነበሮ መሊሳ።
እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን ከም ምልክት ሰላም ንመስመር ርክብ ክመልሶ ምዃኑ ካብ ዝገልጽ ድሕሪ መዓልታት’ዩ።
እንተኾነ ምሕዝነት ክልቲኤን ሃገራት “ኣብ ኣራኣእያ ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ” ዝተመስረተ ከምዝኸውን ሰሜን ኮርያ ኣፍሊጣ’ላ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ እዋን ፈተነታት ወታሃደራዊ ኣጽዋራት ከምዘካየደት ይዝከር።
ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ኣርባዕተ ሚሳይላት ዝተኮሰት ኮይና፤ እዚ ድማ ኣብ ምምዕባል ኣጽዋር እትገብሮ ንጥፈታት ክተዝሕሎ ድልየት ከምዘይብላ ከምዘመልክት ይግለጽ።
ሰበስልጣን ክልቲኤን ኮርያ ካብ ወርሒ ነሓሰ ንደሓር ንፈለማ እዋን ስልኪ ክደዋወሉ ከምዝኸኣሉ ሚንስትሪ ሓድነት ደቡብ ኮሪያ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
መስመራት ስልኪ ደቡብ ኮርያ ናብ ኣገልግሎት ክምለስ ምኽኣሉ ድማ፡ መንግስቱ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ዝህሉ ምሕዝነት ንምምሕያሽ መሰረት ዘንጽፍ ምዃኑ ከምዝኣምን ሓቢሩ።
ንሰበስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ዘራኽብ ቀጥታዊ መስመር ስልኪ ንብዙሕ እዋናት ክቋረጽን መሊሱ ናብ ኣገልግሎት ክበቅዕን ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብ 2020 ኣብ ሞንጎ ሰበስልጣን ሰሜንን ደቡብን ዝተሓሰበ ጉባኤ ምፍሻሉ፤ ሰሜን ኮሪያ ነቲ ንመራኸብታት ከጠናኽር ተሓሲቡ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዝተሃነጸ ቤት ጽሕፈት ኣፍሪሳቶ ነይራ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት’ውን መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራትን ዝራኸቡሉ ቀጥታዊ መስመር ስልክን ወተሃደራዊ መራኸብታትን ዝርከብዎም ኩሎም መራኸብታት ክቋረጹ ምግባራ ይዝከር።
ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ብድሕሪ እቲ ኣብ 1953 ዘብቅዐ ኲናት ናብ ሰላማዊ ስምምዕ ብዘይምምጽአን ሎሚ’ውን ኣብ ሃዋህው ኲናት ከምዘለዋ ይቑጸር።
ሰሜን ኮርያ ንደቡብ ኮርያ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ምስሉይ ብህርያት ኣለዋ ብዝብል ትኸሳ።
ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ምምዕባል ኒኩሌራዊ ኣጽዋራት ደው ክተብል ብተደጋጋሚ ጻውዒት ክተቕርበላ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ሎሚ’ውን ምስ ምምሕዳር ባይደን ዘሎ ርክብ ብወጥሪ ዝተዓጀበ ኮይኑ ቀጺሉ’ሎ።
መንግስቲ ኪም ጆንግ-ኡን ንሃገሩ ንክከላኸኅ ሓደሽቲ ኣጽዋራት ምምዕባል ከምዝቕጽለሉ ይገልጽ።