ፖሊስ ናይጀርያ ኣብ ማእኸል መሳቐዪ ንዝነበሩ ሰባት ኣድሒኑ

ፖሊስ ናይጀርያ ኣብ ማእኸል መሳቐይ ንዝነበሩ ሰባት ኣድሕኑ

ምንጪ ስእሊ, kano police

እቲ ኣብ ከተማ ካኖ ዝተረኸበ ቦታ ናይ ተሃድሶ ማእኸል ክኸውን'ዩ ትጽቢት ዝግበሮ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብናይ ውልቀ ሰባት ዝመሓደር ማእኸል ኮይኑ ወለዲ ብወልፊ ዝዓወኑን ገበን ናይ ምፍጻም ባህሪ ዘርእዩን ደቆም ንተሃድሶ ኢሎም ዝሰድሉ ቦታ እዩ።

እንተኾነ ግን ፖሊስ ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ነቲ ማእኸል ኣብ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተወ 47 ሰባት ዝረኸበ ኮይኑ ኣብ ክሊ ዕድመ 14 ክሳብ 35 ዝርከቡ መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ እዮም። ኣብ ነብሶም ማህረምቲ ከምዘጋጠሞም'ውን ንፖሊስ ኣርእዮም።

በዓል ዋናን ኣካያዲ ስራሕን እቲ ማእኸል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝኣተወን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርብን ወሃቢ ቃል ፖሊስ ዓብዱላሂ ሃሩና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም ናይ ተሃድሶ ማእኸላት ተባሂሎም ዝጽውዑ ትካላት ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ብክልላዊ መንግስቲ ተኣጊዶም እዮም። ምኽንያቱ ድማ ፖሊስ ሃንደበታዊ ተፍቲሽ ኣብ ዝገብረሉ ግዜ ናይ መንከላበቲ ማእኸላት ኮይኖም የገልግሉ ስለዝነበሩ እዩ።

እንተኾነ ግን ገሊኦም ማእኸላት ብሕቡእ ሎሚ እውን ስራሕቶም የካይዱ ከምዘለዉ'ዩ ዝግለጽ።

ወለድን መቕርባትን ደቆም ናብቶም ማእኸላት ክልእኹ ዝግደዱ ዘለዉ ሕጽረት መንግስታዊ ማእኸላት ተሃድሶ ስለዘሎ'ዩ ክብሉ ሓቢሮም።

እቶም ፖሊስ ናይጀርያ ሓራ ዘውጽኦም ግዳያት ማህረምቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ይግበረሎም'ሎ።