ናይጄሪያ፡ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ጥቃ ቀላይ ጫድ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ኣካይዳ

ወተሃደራዊት ንፋሪት

ምንጪ ስእሊ, AFP

ወተሃደራዊት ነፋሪት ናይጄሪያ፡ ኣብቲ ናይጄሪያ ምስ ሰለስተ ሃገራት [ጫድ፣ ካሜሮንን ኒጀርን] ዘዳውብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ዝርከብ ቀላይ ጫድ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ንምቕታል ብዘካደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብርክት ዝበሉ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ተባሂሉ።

እቲ ብሰንበት ሰላማውያን ሰባት ዝሞትሉ ቦታ ክዋንታን ዳባን ማሳራ ዝብሃል ኮይኑ፡ ቁጽሪ ምውታትን ዝሰዓብ ዕንወትን ብወግዒ ኣይተሓበረን ዘሎ።

ቅድሚ ሰሙን'ውን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጄሪያ ናብ እስላማውያን ዕጡቃት ዝተሓስበ ደብዳብ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሞት ከም ዘስዓበ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ብሰንኪ እቲ ደብዳብ ናይ ነፋሪት ክንደይ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሞቱ ገና ኣይተሓበረን ዘሎ።

እቶም ሰላማውያን ሰባት ምስቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ እስላዊት ሃገር ንምምስራት ዝቃለስ ኢስዋኦፕ [Islamic State West Africa Province (Iswap)] ዝብሃል ጉጅል ርክብ ኣለዎም ድዩ ዘይብሎምን'ውን መንግስቲ ናይጄሪያ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ብውሕዱ 20 ገፈፍቲ ዓሳ በቲ ደብዳብ ነፋሪት ከም ዝተቐተሉ ገሊጹ።

ሮይተርስ ብወገኑ፡ ንሓደ ነባሪ እቲ ከባብን ንሓደ በቲ ደብዳብ ዝተሃረመን ሰብ ብምጥቃስ፡ በቲ ደብዳብ ነፋሪት ብውሕዱ 50 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ ኣቃሊሑ።

ጸብጻብ ስለያ ናይጄሪያ"በቲ ደብዳብ ሓደ ገፋፊ ዓሳ ተቐቲሉ ሽዱሽተ ኸኣ ቖሲሎም" ዝብል ጽሑፍ ከም ዝርከቦ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ሓይሊ ኣየር ናይጀርያ ብዛዕባ እቲ ደብዳብ ኣመልኪቱ ወግዓዊ መግለጺ ከውጽእ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ከባቢ ቀላይ ጫድ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ኢስዋፕ ሰባት ኣብቲ ቀላይ ገንዘብ እናኸፈሉ ዓሳ ክገፉ ፈቒዱ ይርከብ።

መንግስቲ ግን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ካብቶም ከፈፍቲ ዓሳ ዝረኽቦ ገንዘብ ኣብ ግብረሽበራዊ ተግባራት የውዕሎ ኣሎ ብምባል፡ ዝኾነ ሰብ ኣብቲ ቀላይ ዓሳ ከይገፍፍ ምኽልካሉ ይዝከር።