ሓድሽ ክታበት ሕማም ዓሶ መዓዝ’ዩ ኣብ ረብሓ ክውዕል?

ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት ውድብ ጥዕና ዓለም ፈላማይ ክታበት ዓሶ ኣብ ረብሓ ንክውዕል ምስ ኣጽደቖ ተመራመርትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ልዕሊ ኹሉ ተሓጒሶም።

ዓመታዊ፡ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ልዕሊ 260 ሽሕ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ብሕማም ዓሶ ይሞቱ።

እቲ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ ምዕባለ ክታበት ድማ ህይወት ዓሰርታት ኣሽሓት ከድሕን ተስፋ ከም ዝተገብረሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ኣንጻር እዚ ጥንታውን ሓደገኛን ሕማም ዝኸውን ውጽኢታዊ ክታበት ንምርካብ ንዘመናት ክጽበዮ ዝጸናሕኹ እዩ። ታሪኻዊ'ዩ" ብምባል እቲ ትካል እዚ ፈላማይ ክታበት ዓሶ ብሰፊሑ ኣብ ረብሓ ክውዕል ይምዕድ ኢሉ።

እዚ ኣርቲኤስ - ኤስ ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ክታበት መዓዝ’ዩ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ።

ካብዚ ብምብጋስ ነቶም ዓበይቲ ሕቶታት ከምዚ ዝስዕብ ዳህሲስናዮም ኣለና።

ክንደይ ዝኣክል ውጽኢታውን ውሑሱን’ዩ?

እቲ ክታበት፡ 40 ሚኢታዊት ሕማም ዓሶን 30 ሚኢታዊት ከቢድ ሳዕቤንን ብምክልኻል ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት’ዩ ውጽኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ካብ 2019 ጀሚሩ ተመራመርቲ ኣብ ጋና፣ ኬንያን ማላውን ሰፊሕ ናይ ፈተነ ፕሮግራማት ከካይዱ ጸኒሖም።

ልዕሊ 800 ሽሕ ህጻናት ብውሑድ ሓደ ግዜ እቲ ክታበት ከም ዝወሰዱን ውሕስነቱ ከም ዘየስግእን ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ብተዛማዲ ትሑት እንተኾይኑኸ?

ዝለዓለ እንተዝኸውን ይምረጽ፤ ግን ድማ ብዙሓት ዝርግሐ እቲ ጸገም ምሕሳብ እዩ ክቕድም ዘለዎ ይብሉ።

ኣማኢት ሚሊዮናት ብዓሶ ኣብ ዝልከፍሉ ኩነታት 40 ሚኢታዊት ምንካይ እንተተኻኢሉ ልዑል ቑጽሪ ዘለዎ ህይወት ምድሓን ከም ዝኾነ ይኣምኑ።

“እቲ ክታበት ብማእኸላይ ውጽኢታዊ’ዩ . . . ግን ድማ ክሳብ 30 ሚኢታዊት መልከፍቲ ምውጋድ፣ ህይወት ምድሓንን ምክልኻልን ዓብዪ ነገር’ዩ” ኢሉ ሰራሕተኛ ውድብ ጥዕና ዓለም ኦድሮ ኣሎንሶ።

ሰብ መዚ ጥዕና፡ ኣብ ክሊ እቲ ዝርግሐ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ዝውሰዱ ስጉምታት እዚ ክታበት ዓብዪ እታወት’ዩ ኢሎም ይካትዑ።

እቲ ክታበት ከመይ’ዩ ዝሰርሕ?

ዓሶ፡ ንዋህዮታት ደም ዘዕኑን ዝወርርን ኮይኑ ደም ብእትማጺ ተናኻሲት ጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም’ዩ።

እቲ ክታበት ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ልሙድ ዝኾነን ሓደገኛን ዓሶ ፕላዝሞዲያም ፍላሲፓረም ዝተባህለ ዓሶ ዒላማ ይገብር።

በዚ መሰረት፡ እቲ ክታበት ሓደ ግዳይ ምስ ተነኽሰ ናብ ደሙ ዝኣቱ ጽግዕተኛ ሕማም ንምክልኻል ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ብኸፊል ናብቶም ዋህዮታት ሰባት ንከይኣትው ብምዕጋት ሕማም ከም ዝከላኸል ዶክተር ኣሎንሶ ገሊጹ።

እዚ ውጽኢታዊ ንክኸውን ኣርባዕተ ግዜ ክውሰድ ኣለዎ።

እቶም ናይ መጀመርታ ሰለስተ ንቖልዑ ሓሙሽተ ዓመት ብናይ ሓደ ወርሒ ኣፈላላይ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተን ሸውዓተ ወርሕን ዝወሃብ ኮይኑ እቲ ናይ መወዳእታ ኣብ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ይውሰድ።

ህጻናት፡ ቐልጢፎም ዓርሶም ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ስለ ዘየጥርዩ ብዓሶ ናይ ምሟት ዕድሎም ዝለዓለ’ዩ።

ዋግኡ ክንደይ’ዩ? መንኸ ይኸፍሎ?

እቲ ክታበት ብፋብሪካ መድሃኒት ጂኤስኬይ ዝፈረየ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ዋጋ’ኳ እንተዘይኣውጽአሉ እቲ ክታበት ናብ ዕዳጋ ኣብ ዘቕርበሉ ሓሙሽተ ሚኢታዊት ዋጋ ፍርያት ከም ዝውስኸሉ ተሓቢሩ።

ምዕዳግ ዝምልከት ነተን ጠለብ ዘለወን ሃገራትን ገንዘብ ዘተኣላልሹ ለገስትን ዝምልከት እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኬንያ መብዛሕትኡ ንኽታበት ዝወጽእ ገንዘብ ካብ ከም ዓለምለኻዊ ጥምረት ክታበትን ፋውንዴሽን ቢል ኤንድ ሜሊንዳ ጌትስን ዝበሉ ለገስቲ ትካላት ዝርከብ ምዃኑ ይፍለጥ።

መዓዝ’ዩ ክከፋፈል?

እቲ ኣብ ጋና፣ ኬንያን ማላውን ዝጸንሐ ናይ ፈተነ ፕሮግራም ክቕጽል’ዩ።

ጂኤስኬይ፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ መጽናዕቲ 10 ሚሊዮን ክታበት ከም ዝለገሰን ርብሒ ናይዚ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓለን ገሊጹ።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ዓመት 10 ሚሊዮን ክታበት ክልግስ ወሲኑ ኣሎ።

ገንዘብ እንተተረኺቡ ኣብ መወዳእታ 2022 ወይ መጀመርታ 2023 ብሰፊሑ ኣብ ዕዳጋ ክውዕል ከም ዝኽእል ድማ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ እዚ ቑጽሪ እኹል ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ መወዳእታ ዓሰርተ ዓመት ዓመታዊ ኣስታት 100 ሚሊዮን ክታበት ከድሊ ይኽእል ተባሂሉ ይግመት።

እቲ ክታበት ንህጻናት ትሕቲ ክልተ ዓመት’ውን ንክወሃብ ዝዓለመ ኮይኑ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕትን ንሰብ ሞያ ጥዕና ንምስልጣንን ዘኽእሉ ትሕተ ቕርጺ ክማልኡ ኣለዎም።

ኣብቲ ናይ ፈተነ ፕሮግራም፡ ኣብ ኬንያ ልዕሊ 200 ሽሕ ህጻናት ክኽተቡ እንከለው፡ መብዛሕትኡ ኣብ ገጠራትን ራሕቒ ዘለዎም ከባቢታት ዘለው ዓድታትን’ዩ ተዋሂቡ።

ካልኦት ዝማዕበሉ ክታበታት

ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዘማዕበሎ ሓደ ክታበት፡ ኣብ መጀመርታ ናይ ፈተነ ምዕራፋት 77 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ተገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ዓሶ ንኣብነት ካብ ኮሮናቫይረስ ንላዕሊ ኣዝያ ዝተሓላለኸት ስለ ዝኾነት ክታበት ንምምዕባል ኣዝዩ ነዊሕ መስርሕ ዝሓትት’ዩ።

ኣርቲኤስ- ኤስ ኩሎም መስርሓት ፈተነ ዝሓለፈ ናይ መጀመርታ ክታበት ዓሶ’ዩ።