ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ዳግም ንክምረጽ ጀርመን ከም ዝደገፈቶ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዳግም ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ነቲ ትካል ንክመርሕ ጀርመን ከም ዝደገፈቶ ተገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ጀንስ ሳፕሃን ሃገሩ ንምምራጽ ዶክተር ቴድሮስ ዘለዋ ድጋፍ ብምግላጽ ካልኦት ሃገራት'ውን ክጽምበርኣ ሓቲቱ።
"መሓዙት ሃገራት ንቴድሮስ ንክሓጽያ ንዕድም" ክብል ንማዕኸን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ተዛሪቡ።
ዶክተር ቴድሮስ ካብተን ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝለዓለ ገንዘብ ዝህባ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ጀርመን ድጋፍ ምርካቡ ዳግም ናይ ምምራጽ ዕድሉ ሓፍ ከም ዘብሎ ይግመት።
ዶክተር ቴድሮስ፡ ዋላ'ውን ብወግዒ ንኻልኣይ ግዜ ከም ዝወዳደር እንተዘይገለጸ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሮይተርስ ቴድሮስ እቲ ትካል ንምምራሕ ብዘይተቓውሞ ሕጹይ ኮይኑ ከም ዝቐረበ ነቲ ጉዳይ ቐረባ ካብ ዝኾኑ ምንጪታት ሰሚዐ ክብል ጸብጺቡ ነይሩ።
ሃገራት ኣብ ቐጻሊ ነቲ ትካል ዝመርሕ ሕጹይ ሰብ ዝጥቁማሉ ግዜ ኣብዚ ሰሙን ክኣክል'ዩ።
መንግስቲ ጀርመን ዶክተር ቴድሮስ ንኻልኣይ ግዜ ንክምረጽ ዘለዎ ድጋፍ እንተኣርኣየ'ውን፡ ቅድም ኢሉ ወኪላ ካብ ዘቕረበቶ ኢትዮጵያ ግን ተቓውሞታት ክገጥሞ ጸኒሑ'ዩ።
ኢታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ሓደ እዋን " . . . ኣባል ህወሓት ዝኾነ ገበነኛ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ንሱ፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ዓለም ዘለዎ ናይ ልኡኽ ዕድላት ተጠቒሙ ንህወሓት ንምሕጋዝ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ ክብል ከሲሱዎ'ዩ።
ዶክተር ቴድሮስ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ከም ዘተሓሳሰቦ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።።
ኣብ ምዝዛም ዓመተ 2020 ኣብ ዘስምዖ ዘረባ "ኮቪድ ከይኣኽለኒ ሕጂ ድማ ብውልቀይ ዝጸልወኒ ሕማም ኣሎ፤ ኩነታት ሃገረይ የጨንቐኒ'ዩ" ምባሉ ይዝከር።
"ሃገረይ ኢትዮጵያ ኣብ ጸገም ኣላ፤ ኣብቲ ዝተወለድኹሉ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክኣ የጨንቐኒ። ንእሽቶ ሓወይ ሓዊሱ ድሃይ ካልኦት ኣባላት ስድራይ የብለይን። . . . ግን ክኣ ብዛዕባ መላእ ሃገር'የ ዝጭነቕ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ኤድስ ሄልዝኬር ፋውንዴሽን (ኤኤችኤፍ) ዝተባህለ ኣብ ጉዳያት ኤድስ ዝሰርሕ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ንኻልኣይ ግዜ ትካል ጥዕና ዓለም ንምምራሕ ክምረጽ የብሉን ክብል ተቓዊሙ ነይሩ።
እቲ ንሱ ዝመርሖ ትካል ኮቪድ-19 ሓደጋ ህዝቢ ብምባል ቐልጢፉ ኣይኣወጀን ከምኡ'ውን "ለበዳ" ኢሉ ንምእዋጅ ዘንጊዑ ክብል ነቒፉዎ'ዩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ካብኡ ድማ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶክተር ቴድሮስ ብ2017 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] እዩ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ተመሪጹ።
ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ጽባሕ [23 መስከረም 2021] ሕጹያተን ናብ ቦርድ ፈጻሚ ስራሕ ውድብ ጥዕና ዓለም ከቕርባ እየን።
ድሕሪኡ እቲ ቦርድ ካብ ዝቐረብሉ ሕጹያት ዝሓረዮም ሓሙሽተ ውልቀሰባት ሰለስተ ንምምራጽ ምስ ኣቕረቦም ውድድር ምስ ተኻየደ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2022 ድማ እቲ ትካል ዝመርሕ ውልቀሰብ ብወግዒ ክፍለጥ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







