እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣፍጋኒስታን፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ገዛኽን ከፍ በላ ተባሂለን
ሓድሽ ከንቲባ ካቡል ምምሕዳር ጣሊባን ሰራሕተኛታት ቤት ማዘጋጃ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዝአን ከፍ ክብላ ኣዚዙ።
እቲ መምርሒ እቶም ናይ ስራሕ መደባት ብደቂ ተባዕትዮ ዘይምልኡ እንተኾይኖም ጥራይ ናብ ስራሕ ክትመጽኣ ትኽእላ ኢኽን ይብል።
ከንቲባ ሃምዱላህ ነሜኒ ጣሊባን "ንዝተወሰነ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ጠጠው ከብላ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺቡዎ ኣሎ" ኢሉ።
እዚ በቲ ሓድሽ እስላማዊ መንግስቲ ኣፍጋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተነብረ ሓድሽ እገዳ እዩ።
ቅድም ኢሉ ኣብ 1990ታት ኣብ ዝነበረ ምሕደራ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስራሕን ትምህርትን ተኣጊደን ነይረን።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንመላእ እታ ሃገር ዝተቖጻጸረ ጣሊባን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ "ኣብ ትሕቲ እስላማዊ ሕጊ" ክሕለው እዮም ኢሉ።
ይኹን'ምበር ጣሊባን ምምሕዳር ሕጊ ሸሪዓ ዝመረጸ'ዩ ዝመስል።
ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝቆጻጸር ኣትሒዙ ስራሕ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገር ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ገዝአን ከፍ ክብላ ተኣዚዘን እየን።
ኣንጻር እቲ ብደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝተመልአ ናይ ስግግር መንግስቲ ጣሊባን ዝተቓወማ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተቐጥቂጠን።
ጣሊባን ሚኒስትሪ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከፍርሶ እንከሎ ኣብ ክንድኡ ሃይማኖታዊ መምርሒታት ተኸቢሮም'ዶ ኣይተኸበሩን ዝብል ዝቆጻጸር ሚኒስትሪ ኣጣይሹ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈቱ እንከለው፡ ደቂ ተባዕትዮ ተመሃሮን ደቂ ተባዕትዮ መምሃራንን ጥራሕ ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ተፈቒዱሎም።
ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ኾና መምሃራን ግን ንግዝኡ ኣብ ገዝአን ክጸንሓ ኣለወን ተባሂሉ ኣሎ።
ከም ሓበሬታ ከንቲባ እታ ከተማ እንተኾይኑ ሰለስተ ሚኢታዊት ሰለስተ ሽሕ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት መዘጋጃ ደቂ ኣንስትዮ'የን። ካብዚን ገሊአን ክሰርሓ ክፍቀደለን ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።
"ንኣብነት ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሽቓቕ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ስርሐን ክቕጽላ ይክእላ እየን፤ እዚ ደቂ ተባዕትዮ ክሰርሑዎ ስለ ዘይክእሉ ኣብዚ ናይ ስራሕ መደብ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ስርሓ ክትቕጽል ትኽእል እያ፤ ደሞዝ'ውን ክኽፈላ'ዩ" ኢሉ።