ግብጺ ንኽልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይትጥርዝ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Amnesty International
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ግብጺ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ናብ ኤርትራ ከይትጥርዝ ጸዊዑ።
ክብሮም ኣድሓኖምን ኣለም ተስፋይን ኣብ ግብጺ ንዓመታት ተኣሲሮም ከምዝጸንሑ ዝግለጽ ኮይኑ፤ ኣብ ቀረባ ግብጺ ናብ ሃገሮም ክትጥርዞም ምዃና ዝገልጹ ሓበሬታታት ይወጽኡ ኣለዉ።
ክልቲኦም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ኮይኖም፤ ኣለም ኣብ 2012 ከምኡ’ውን ክብሮም 2014 ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይግለጽ።
እንተኾነ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዘየለ ንጉዳዮም ዝከታተሉ ተጣበቕቲ መሰላት ይዛረቡ።
“ግብጺ ነዚ ኣብ ቀረባ ክትፍጽሙ ዝሓበት ምጥራዝ ደው ክተብሎ ኣለዋ” ዝበለ መግለጺ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ክፍትሑን ብቕልጡፍ ብመስርሕ ሓተትቲ ዕቑባ ክተኣናገዱን ኣተሓሳሲቡ።
“ናብቲ ስቅያት ዝጽበዮም ኤርትራ ኣገዲድካ ክምሉ ምግባር ንዓለምለኸ ሕጊ ምጥሓስ’ዩ” ክብል’ውን ወሲኹ ኣብ መግለጺኡ ኣረዲኡ።
ኣምነስቲ ከምዝብሎ፤ እቶም ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝግበሩ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቑባ ምልካዊ ማእሰርትን ብዘይክሲ ዝፍጸም ዘይውሱን ማእሰርትን’ዩ ዝጽበዮም።
ንኽትቕመጠሉ ኣብ ዘይምችዉ ኩነታት ከምዝተሓዙ ዝሓበረ እቲ ተጣባቒ መሰላት ስቅያትን ካልእ ሕሱም ኣተሓሕዛን ከምዘጋጥሞም ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ክብሮምን ኣለምን ብግዱድ ጥረዛ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከይግበርን ነጻ ክወጽኡን ዝጽውዕ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







