ቀዳማይ ሚኒስተር ሄይቲ፡ ንቕትለት ፕሬዚዳንት ኣመልኪቱ ቃሉ ክህብ ተሓቲቱ

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሄይቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር አሪኤል ሄንሪን ምስ ጥርጡር ቀታሊ ፕሬዚዳንት ጆቬኔል ሞይሴ ዘለዎ ርክብ ኣመልኪቱ መብርሂ ክህብ ሓቲቱ።

ፕረዚደንት ሄይቲ ጆቬኔል ሞይሴ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዕጡቓት ናብ ገዝኡ ከይዶም ማዕጾ ሰይሮም ተዂሶም ከምዝቐተልዎ ይዝከር።

ዋና ዓቃቤ ሕጊ ቤድፎርድ ክላውድ ከምዘረደኦ፡ እቲ ፕሬዚዳንት ምስ ተቐትለ ሒደት ሰዓታት፡ አሪኤል ሄንሪ ምስ’ቲ ቀንዲ ጥርጡር እቲ ገበን ዝኾነ ጆሴፍ ፊሊክስ ባዲዮ፡ ተደጋጋሚ ብስልኪ ተዘራሪቡ ተባሂሉ።

ኣኽገበርቲ ሕጊ ከምዝብልዎ፡ ኣብ’ቲ እዋን ክልቲኦም፡ ብውሕዱ ክልተ ግዜ ምድውዋሎም ሰነዳት ኩባንያ ቴሌኮም ኣረጋጊጾም።

ዓቃቤ ህጊ ቤድፎርድ ንቀዳማይ ሚኒስተር ብዕሊ ናይ ምእዛዝ ስልጣን ስለዘይብሉ፡ ‘ክርከቡ ተዓዲሞም’ ዝብል ጻውዒት ገይርሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣበይ ከምዘሎ ዘይተፈልጠ ጥርጡር እቲ ገበን፡ ኣብ እዋን ቅትለት እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ከምዝተረኽበ መረዳእታት ይሕብሩ።

እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝጸሐፎ ደብዳበ፡ እቲ ዝተገብረሉ ዕድመ፤ ሓደ ኣማራጺ ከምዝኾነን፡ ነታ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምስ ምዃኑ ርትዓዊ ከምዝኾነን ገሊጹ።

እቲ መጋባእያ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ‘ፖርት ኦው ፕሪንስ’ መጻኢ ሰሉስ ክካየድ ቆጸሮ ተታሒዙሉ’ሎ።