ፕረዚደንት ሄይቲ ብናይ ደገ ሓይልታት ከምዝተቐትለ ተገሊጹ

ፕረዚደንት ሄይቲ፡ ብሓደ ዝበዝሑ ኣባላቱ ኮሎምብያውያን ወተሃደራት ዝኾኑ ናይ ወጻኢ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝተቐትለ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጢ።

ጆቨነል ሞይስ ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን እዩ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተቐቲሉ።

እቲ ጉጅለ፡ 26 ኮሎምብያውያንን ክልተ ናይ ሄይቲ መበቆል ዘለዎም ኣመሪካውያንን ከም ዝርከብዎ ኣዛዚ ፖሊስ ሊዮን ቻርለስ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ሸሞንተ ካብቶም ጥርጡራት ጌና ተሰዊሮም ክህልው እንከለው፡ ክልተ ኣመሪካውያን ዝርከብዎ 17 ዕጡቓት ወተሃደራት ኣብ ቀይዲ ኣቲዮም ኣለው።

እቶም ዝተረፉ ጥርጡራት ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት-ኣው-ፕሪንስ ምስ ፖሊስ ዝነበረ ናይ ተኵሲ ምልውዋጥ ተቐቲሎም።

ረቡዕ ወጋሕታ ገለ ዕጡቓት ናብ ውልቃዊ መንበሪ ገዛ እቲ ፕረዚደንት ብምእታው ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ እንከለው፤ በዓልቲ ቤት እቲ ፕረዚደንት ብኸቢድ ቆሲላ ንሕክምና ናብ ፍሎሪዳ ኣመሪካ ተወሲዳ። ኣብኡ ኣብ ደሓን ኩነታት ከም ዘላ ይግለጽ።

ነቲ መጥቃዕቲ መን ከም ዘዋደዶን ካብ ምንታይ ዝነቐለ ከም ዝኾነን ዛጊት ዝተነጸረ ነገር የሎን።

መሰጋገሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ሄይቲ ክላውደ ጆሴፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግና እቲ ወዲ 53 ዓመት ፕረዚደንት፡ ስልጣን ንዝብሕቱ ንዝደልዩ ጉጅለ ይቃለስ ብምንባሩ ግዳይ ኮይኑ ክኸውን ከም ዝኽእልን ተዛሪቡ።

ፖሊስ ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ገለ ካብቶም ጥርጡራት ምስቲ ሒዘምዎ ዝነበሩ ዕጥቅታት፡ ፓስፖርት፡ ወተሃደራት ኮሎምብያ ነበርን ካልእ ጭብጥታትን ንመራኸቢ ብዙሓን ኣርእዩ።

ሚስተር ቻርለስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ወጻእተኛታት ነቲ ፕረዚደንት ክቐትሉ ናብ ሃገርና መጺኦም" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "ነቶም ሸሞንተ ንምሓዝ ነቲ ናይ መርመራ ብልሓትና ክነሕይሎ ኢና" ኢሉ።

መንግስቲ ኮሎምብያ ካብ ኣባላት እታ ኣጥቃዒ ዝተባለት ጉጅለ እንተወሓደ እቶም ሽዱሽተ ካብ ሰራዊት ኮሎምብያ ብጡረታ ዝተፋነው ምዃኖም ገሊጹ። ኣብቲ ሄይቲ እተካይዶ መርመራ ንምሕጋዝ ድልውነቱ'ውን ኣረጋጊጹ።

ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብወገኑ ካብ ዜጋታቱ ዝተኣሰረ ሰብ እንተሎ ከረጋግጽ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ።

ሄይቲ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ እትርከብ ሓንቲ ካብተን ድኻታት ሃገራት ክትከውን እንከላ፡ ንሃንደስቲ ናይቲ ኣብታ ሃገር ህዝባዊ ዘይምርግጋእ ፈጢሩ ዘሎ ቅትለት ንምጽራይ መርመራታት ጌና ይቕጽል እዩ ዘሎ።

ዝተቖጥዑ ሰባት፡ ብሓሙስ ነቲ ፖሊስ ዘካይዶ ዘሎ ስርሒት ንምዕዛብ ኣብ ርእሰ ከተማ ፖርት-ኣው-ፕሪንስ ክእከቡ እንከለው፤ ገለ መካይን ተቓጺለን እየን።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተተግቢሩ ኣሎ።