ፕረዝደንት ሄይቲ ኣብ ገዝኡ መንነቶምብ ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ተቐቲሉ

ፕረዝደንት ሄይቲ ጆቬለን ሞይስ ኣብ መንበሪ ገዝኡ እንከሎ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተለ ተገሊፁ።

እቲ ፕረዝደንት ኣብ ዝተቐተለሉ መጥቃዕቲ፡ ብዓልቲ ቤቱ ማርቲን ሞይስ'ውን ከምዝቖሰለትን ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ክላውድ ጆሴፍ ኣፍሊጡ።

መንነቶም ዘይተፈለጡ ሰባት ኣብ መንበሪ ገዛ እቲ ፕረዝደንት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃም እቲ ፕረዝደንት ከምዝተቐተለ ኣሶሲየትድ ፕረስ ፀብፂቡ።

እታ ቀዳመይቲ እመቤት ድማ ጉድኣት በፂሕዋ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰደት ተሓቢሩ።

ግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ካሪብያናዊት ሃገር ክላውድ ጆሴፍ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዝደንት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ "ሰብኣውነት ዝጎደሎ ተግባር" ብምባል ኮኒንዎ።

ፖሊስን ሰብመዝን እታ ሃገር ነዚ ጉዳይ ኣብ ቁፅፅሮም ከምዘውዓልዎ ብምግላፅ፡ ህዝቢ ክረጋጋእ ፀዊዑ።

ወዲ 53 ዓመት ጆቫኔል ሞይስ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ እዩ ንሄይቲ ክመርሓ ፀኒሑ።