እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቡርኲናፋሶ: ፕረዚደንት ነበር ካምፓኦረ ምስ ቅትለት ቶማስ ሳንካራ ብዝተኣሳሰር ክሲ ቀሪብሉ
ንነዊሕ እዋን ፕረዚደንት ሃገረ ቡርኲናፋሶ ዝነበረ ብሌዝ ካምፓኦረ፡ ብቅትለት ናይቲ ኣብ 1987 ብዕልዋ ካብ ስልጣኑ ዝኣለዮ ቶማስ ሳንካራ ከምዝሕተት ተገሊጹ።
እቲ ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ካምፓኦረ፡ ዘመነ ስልጣኑ ንምንዋሕ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ክገብር ኣብ ዝፈተነሉ ብዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ 2014 ካብ ሃገሩ ክወጽእ ከምዝተገደደ ይዝከር።
ኣብ 2015 ድማ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ወጺኡ ነይሩ።
ሎሚ ሰሉስ ድማ፡ ሓደ ወተሃደራዊ መጋባእያ ፍርዲ፡ "ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ጸጥታ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ኣብ ቅትለትን ሬሳ ኣብ ምሕባእን ብምትሕብባር" ዝብል ክሲ ኣቕሪብሉ ኣሎ።
ካልኦት 13 ሰባት'ውን ተመሳሳሊ ክስታት ቀሪብሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።
እቲ ኣፍሪቃዊ ቸ ጔቬራ ተባሂሉ ዝጽዋእ፡ ኣዝዩ ግኑን መራሒ ቡርኲናፋሶ ዝነበረ ኮይኑ፡ ከምሓደ መለኮታዊ ባእታ ዝውሰድ ኣፍሪቃዊ'ዩ።
ኣብ 1983 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ዝጨበጠ ሳንካራ፡ ነታ 'ኣፐር ቮልታ' ዝብል መግዛእታዊ መጸዊዒ ዝነበራ ሃገሩ፡ ቡርኲናፋሶ (ምድሪ ቅኑዓት ሰባት) ዝብል ስም ዝሃበ ምዃኑ ታሪክ'ታ ሃገር ይሕብር።
ኣብተን ኣብ ስልጣን ዝነበረለን ዓመታት፡ በቲ ኣንጻር ሃጸይነት ዝነበሮ ተቓውሞታት፡ ብማሕበርነታዊ ስነሓሳብ ዝተቓነየ ቁጠባዊ ፖሊሲታቱን፡ ምቕሉልነቱን'ዩ ዝፍለጥ ነይሩ።
ኣብ 1987 ግን ኣብ መበል 37 ዓመቱ፡ ክሳብ ሕጂ ንጹር ብዘይኮነ ኣገባብ፡ ብወተሃደራት ተቐቲሉ።
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ሓያል ሓድጊ ዝገደፈ ምዃኑ ይፍለጥ። ገለ ግን፡ ንሱ'ውን ብዕልዋ ናብ ስልጣን ምድያቡ ካብ ካልኦት ምልካውያን ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ዝፈልዮ የለን ክብሉ ይነቕፍዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብቲ ዝተቐንጸለሉ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኡጋዱጉ ዝርከብ ቦታ፡ ንኽብሩ ብምስሉ ሓወልቲ ተሰሪሑሉ ይርከብ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ እታ ሃገር ፖለቲካዊ ምርግጋእ ተሓሪምዋ፡ ግዳይ ቀጻሊ መጥቃዕትታት እስላማውያን ዕጡቓት ኮይና ከምዘላ ይፍለጥ።