ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይቮሪኮስት ነበር፡ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣይቮሲኮስት ኮይኑ ዘገልገለ ቻርለስ ኮናን ባኒ

ምንጪ ስእሊ, @AOuattara_PRCI

ካብ 2005 ክሳብ 2007 ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣይቮሲኮስት ኮይኑ ዘገልገለ ቻርለስ ኮናን ባኒ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞተ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቻርለስ ኮናን ባኒ፡ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ሓገዝ ክረክብ ምሰ ቀነየ ከም ዝዓረፈ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣላሳን ኦታራ ነቲ ወዲ 78 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር “ሓወይን መሳርሕተይን” ክብል ሓዘኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብታ ኣይቮሪኮስት ሃገራዊ ዕርቂ ኣብ ምፍጣር ዕዙዝ ግደ ዝተጻወተ ምንባሩ ተዛሪቡ።

ሚስተር ኮናን ባኒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይቮሪኮስት ብምዃን ካብ ምግልጋሉ ብተወሳኺ፡ ኣብታ ሃገር ንዝተኻየደ መረጻ 2010 ስዒቡ ዝተፈጥረ ናዕብን ቅልውላውን ዝምርምር ኮሚሽን ልዝብ፣ ሓቅን ዕርቅን ከምዝመርሐ ኣዘኻኺሩ።

ሕዚ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ፡ ካልእ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበር ጉሉሜ ሶሮ ብወገኑ፡ “ብዛዕባ ፖለቲካ ኣይቮሪኮስትን ተሳተፍቱን ዝነበረኒ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ክቕይር ዝገበረኒ ንሱ እዩ ነይሩ” ክብል ናእድኡ ገሊጹ።