ኣፍጋኒስታን፡ ጉጅለ ጣሊባን ግዝያዊ መንግስቲ ከምዝመስረቱ ብወግዒ ኣፍሊጦም

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንኣፍጋኒስታን ዝተቖጻጸሩ ዕጡቓት ጣሊባን ግዝያዊ መንግስቲ ከምዝመስረቱ ብወግዒ ኣፍሊጦም።

ካብ ሕጂ ንደሓር እታ ሃገር "እስላማዊት ኢማራት" ከምዝኾነት'ውን እቶም ዕጡቓት ኣዊጆም ኣለዉ።

ሓደ ካብ መስረቲ ጉጅለ ጣሊባን ዝኾነ ሙላህ መሓመድ ሓሰን ኣኩንድ ነቲ መንግስቲ ክመርሕ ተመዚዙ'ሎ።

ብፈደራላዊ ትካል መርመራ ኣመሪካ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ክድለ ዝጸንሐ መራሒ ሓደ ሃቃኒ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ ድማ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኮይኑ ከምዝተሾመ ተፈሊጡ።

ዕጡቓት ጣሊባን፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ መንግስቲ ብምእላይ ንመላእ እታ ሃገር ምቁጽጻሮም ይዝከር።

ምምዛዝ ናይቲ ግዝያዊ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ምቛም መንግስቲ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ይግለጽ።

"ህዝቢ ሃገርና ንምቛም መንግስቲ ክጽበ ምጽንሑ ንፈልጥ ኢና" ዝበለ ኣፈኛ ናይቲ ጉጅለ ዛቢሁላህ ሙጃሂድ፡ ንድልየት ህዝቢ ከምዝመለሱ ተዛሪቡ።

እቲ ግዝያዊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብምዃን ተመዚዙ ዘሎ ሳራጁዲን ሃቃኒ፡ መራሒ ናይቲ ብመርበብ ሃቃኒ ዝፍለጥ እስላማዊ ጉጅለ ኮይኑ፡ ኣብቲ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ደማዊ መጥቃዕትታት ክፍጽም ምጽንሑ ይንገር።

እቲ ጉጅለ፡ ኣብ መዝገብ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣመሪካ ዝኣተወ ምዃኑ ይፍለጥ። ጣሊባን ብሓፈሽኡ ግን ኣብቲ መዝገብ የለን።

እቶም ካልኦት ሓደስቲ ግዝያዊ ሚኒስተራት ድማ፡ ሙላህ ያቁብ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ኣሚር ክሃን ሙጣቂ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኖም።

ሓደ ካብ መስረቲ ጣሊባን ዝኾነ ሙላህ ዓብዱል ጋኒ ባራዳርን ሙላህ ዓብዱል ሳላም ሓናፊን ድማ ምክትላት መራሒ መንግስቲ ኮይኖም ኣለዉ።

ያቁብ፡ ወዱ ንቀንዲ መስራቲ ጣሊባን ዝኾነ ኣቐዲሙ ዝሞተ ሙላህ ዖማር ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ሓደ ካብ ምክትላት ኮይኑ ዘሎ ባራረር ድማ፡ ሓላፊ ናይቲ ኣብ ቐጠር ዝነበረ ፖለቲካዊ ክንፊ ጣሊባን ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ጉዳይ ምውጻእ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ልዝባት ዝሳተፍ ዝነበረ'ዩ።

ስለምንታይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብቲ ካቢነ ዘይኣተዋ ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ወኪል ኮሚሽን ባህሊ ዝኾነ ኣሕመዱላህ ዋሲቅ፡ እቲ ናይ ካቢነ ምምዛዝ ዛጊት ከምዘይተዛዘመ ተዛሪቡ።

ጉጅለ ጣሊባን ድሮ፡ ኣንጻሮም ህዝባዊ ሰላማዊ ተቓውሞታት ተጢምዎም ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይገልጹ።

ኣንጻር ምምሕዳር እቲ ጉጅለ ብምቅዋም ኣብ ርእሰከተማ ካቡል ተቓውሞታቶም ንምስማዕ ኣብ ጎደናታት ዝወጹኡ ናዕበኛታት ንምብታን ዕጡቓት ጣሊባን ናይ መጠንቀቕታ ጠያይት ተኲሶም።

እቶም ናዕበኛታት፡ ንምምሕዳር ጣሊባን ብምኹናን መሰላት ደቂ-ኣንስትዮ ክኽበር ጠሊቦም።

ኣንጻር'ታ ንጉጅለ ጣሊባን ትሕግዝያ ዝብሉዋ ፓኪስታን ዝቐንዐ ጭርሖታት'ውን ኣስሚዖም።

እቲ ንሓደ ሰሙን ብደቂ-ኣንስትዮ ክካየድ ዝቐነየ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ደቂ-ተባዕትዮ ከምዝተጸንበርዎ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።