እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ስለምንታይ'ያ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ዜጋታታ 2% ግብሪ ክኸፍሉ እትሓትት?
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ብኦል ፓርላሜንታሪ ግሩፕ (ኤፒፒጂ) ፎር ኤርትራ ዝፍለጥ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2021፡ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኤርትራውያን ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ዝወስዶ 'ዳያስፖራ ታክስ' ወይ 2% ዝፍለጥ ግብሪ ክምርምር ናብ ኤርትራውያን ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይፍለጥ።
እቲ ጻውዒት ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብቲ ኮሚቴ ቀሪቦም ምስክርነቶም ክህቡ ዝጽውዕ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልቲ'ውን ኦል ፓርላሜንታሪ ግሩፕ (ኤፒፒጂ) ፎር ኤርትራ ብመገዲ ትዊተር እቲ ጻውዒት ገና ክፉት ከም ዘሎን፡ ኣብ ብሪጣንያ ዘለው ኤርትራውያን ቀሪቦም ክሕግዝዎም ዳግም ጻውዒት ኣቕሪቡ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ኮሚቴ ንነውሕ እዋን ዘየድሊ ጽልኢ ክነዝሕ ዝጸንሐ ትርጉም ዘይብሉ ክብል ገሊጽዎ።
ንምዃኑ 'ዲያስፖራ ታክስ' ዝበሃል እንታይ እዩ? ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያ'ከ 'ዳያስፖራ ታክስ' ክኸፍሉ ይግደዱ ድዮም?
ግብሪ ወይ ቀረጽ ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ መንግስታት ኮይኑ፡ ንዜጋታት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምቕራብን ትሕተ ቅርጺ ንምህናጽን ይጠቅም።
ብዘይካ'ዚ ግብሪ ወይ ቀረጽ፡ ድኽነት ንምውጋድ፣ ንህዝቢ ዝጎድኡ ነገራት ንምቕናስን ነቲ ጠቓሚ ዝኾነ ከኣ ንምትብባዕን ከም መሳርሒ የገልግል።
ሃገራት ዝተፈላለየ ስርዓተ ግብሪ ዝኽተላ ኮይነን ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ክምደብ ይኽእል።
ግዝኣታዊ፡ ዶባዊ /ተሪቶርያል/ ፡ ኣብታ ልኡላዊ ግዝኣት ሓንቲ ሃገር ንእትረኽቦ ኣታዊ ኣብኡ ክትከፍል እትግደደሉ ኣገባብ እዩ።
እቲ ካልኣይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት'ውን ንእትረኽቦ ኣታዊ ግብሪ ክትከፍል ዘገድድ ስርዓት እዩ።
እዚ ረሲደንሽያል ዝበሃል ኮይኑ እታ ትካል ኣታዊኣ ካበይ ይመጽእ ኣሎ ብዘየገድስ ኣብቲ እትርከበሉ ዓዲ ግብሪ ክትከፍል ትግደድ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ትካላትን ውልቀ ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝረኽብዎ ኣታዊ ግብሪ ክኸፍሉ ዝጠልብ እዩ።
ኣብ ትሕቲ እዚ ምድብ ግና ገለ ሃገራት ምቕማጦም ኣብታ ሃገር ንዘይኮነ ዜጋታተን ብ 'ዳያስፖራ ታክስ' ዝፍለጥ ግብሪ ክኸፍሉ የገድዳ።
ኤርትራን ኣመሪካን ኣብዚ ምድብ ዝኣትዋ ኮይነን ሃንጋሪ'ውን ተመሳሳሊ ኣገባብ ትኽተል'ኳ እንተኾነት፡ እቶም ድርብ ዜግነት ዘለዎም ግና ክኸፍሉ ኣይሕተቱን እዮም።
ብዙሓት ሃገራት ዓለም ነቲ ኣብ ዜግነት መሰረት ዝገበረ ኣከፋፍላ ግብሪ ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ዝሰማምዓ'ኳ እንተኾና፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቁጠብአን ፈጢርዎ ዘሎ ጸቕጢ ንምቅላል ነቲ ኣሰራርሓ ከም ኣማራጺ ክርእይኦ ከም ዝኽእላ ይግመት።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝቕመጡ ዜጋታት ግብሪ ክኸፍሉ ምሕታት ነታ ሃገር ምንጪ ተወሳኺ ኣታዊ ምዃኑ እኳ ንጹር እንተኾነ ብዙሕ ኣዘራራቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 6,700 ኣመሪካውያን ዜግነቶም ከም ዘረከቡ ጸብጻባት ገሊጾም።
እዚ ምስ ቅድሚ 20 ዓመታት ክወዳደር እንከሎ ብኣስታት 1200% ወሲኹ። እዚ ከኣ ብቐንዱ ምስ ጉዳይ 'ዳያስፖራ ታክስ' ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይግለጽ።
ቅድሚ ገለ ዓመታት ከም ሜክሲኮ፣ ሮማንያ፣ ቡልጋርያ፣ ቬትናም ዝኣመሰላ ብርክት ዝበላ ሃገራት ነቲ ኣብ ዜግነት ዝተመስረተ ኣገባብ ግብሪ ክሰርሓሉ'ኳ እንተጸንሓ ኣብዚ እዋን ግና ኣይጥቀማሉን እየን።
እቲ ኣገባብ ነተን ሃገራት ዝፈጥሮ ምምሕዳራዊ ተጽዕኖ ከቢድ ምዃኑ ዝገልጽ ንዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ ዞባዊ ማሕበረሰብ ልምዓት ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ዘሎ ዶክተር ኣዳነ ገብረመስቀል፡ እቲ ኣብ 1961 ዝተኸተመ ኣህጉራዊ ስምምዕ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ቬና'ውን ዝፈጥሮ ሕጋዊ ዕንቅፋታት ክህሉ ከም ዝኽእል የረድእ።
"ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው'የን ሃገራት ነቲ ክቆጻጸርኦ ዝኽእላ፡ ብምምሕዳራዊ መዳይ ብዙሕ ዋጋ ዘየኽፍለን ዝመርጻ" ይብል።
"ብዘይካ'ዚ ዝኾነ ሕጋዊ ግዴታ ኣብ ዜጋታት ምስ እተተግብር ማዕረ ማዕሪኡ ነቲ ሕጊ ዘየማልአ ሰብ ተስገድደሉ መቕጻዕቲ ትገብር ኢኻ። እቲ መቕጻዕቲ ነቲ ኣብታ ሃገር ከውፍር ዝኽእል ዓቕሚ ዘህድም ከይኸውን እውን ክትጥንቀቕ ከድልያ እዩ" ኢሉ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ክኸፍልዎ ዝግደዱ ግብሪ
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ቅድሚ ናጽነት ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ንዋታውን ገንዘባውን ደገፋት ይገብሩ ምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1991 ኣዋጅ መሕወዪ ግብሪ ወጺኡ ዝበዝሕ ኣብ ወጻኢ ዝነበረ ኤርትራዊ ብድልየቱ ከባቢ 10% ካብ ኣታዊኡ ይኸፍል ምንባሩ ዶክተር ኣዳነ የረድእ።
ብድሕሪ'ዚ ኣብ ለካቲት 1995 ዝወጽአ ኣዋጅ ቁጽሪ 67/1995 ካብ ኤርትራ ወጻኢ እናነበሩ እቶት ዝረኽቡ ኤርትራውያን 2% ግብሪ ክኸፍሉ ዘገድድ እዩ።
"ዝኾነ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብርን ካብ ስራሕ (employment) ካብ ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ንብረት፡ ካብ ንግዳዊ፡ ሙያዊ ወይ ዝኾነ ካልእ ዓይነት ስራሓትን ንጥፈታትን ኣገልግሎትን እቶት ዝረከብ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዝተጻረየ እቶቱ (net income) ከከም ኩነታቱ ኣብ ወወርሒ ወይ ኣብ ዓመት ክልተ ካብ ሚእቲ (2%) ግብሪ ይኸፍል" ይብል እቲ ኣዋጅ።
ሓላፍነት ምእካብ እቲ ግብሪ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብምስካም ድማ "ብመንገዲ ኤምባሲታት ቆንስላትን ካልኦት ልኡኻትን" ክከታተሎ ይእዝዝ።
እንተኾነ ግና እቲ ኣዋጅ፡ ንጹርነት ዝጎደሎን ኣብ ውሳነ እቲ ኣብቲ ኤምባሲታት ነታ ስራሕ ዘካይዳ ውልቀ ሰብ ዝምርኮስን ምዃኑ ዶክተር ኣዳነ ይምጉት።
"ንኣብነት 'ንጹር ኣታዊ' ይብል፤ ኣብዚ እንታይ ወጻኢታት ኣሎካ፡ ክንደይ ቆልዑ ኣለውኻ፡ እንታይ ናይ ሕክምና ጸገማት ኣሎካ፡ ናብ ስራሕ ንምብጻሕ እትጥቀመሉ መጉዓዝያን ርሕቐትን እንታይ ይመስል ወዘተ ናብ ግምት ዘእትው ኣይኮነን" ይብል።
ስለምንታይ ንኤርትራ ፍሉይ ጸቕጢ ይግበረላ?
ሓንቲ ሃገር ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝነብሩ ዜጋታታ ግብሪ ምእካብ ሕጋዊ ጸገም ዘለዎ እኳ እንተዘይኮነ፤ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ግብሪ ንምእካብ ኣብ ዜጋታቱ ሓይልን ምስግዳድን ይጥቀም እዩ ብዝብል ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ወቐሳታት ክወርዶ ጸኒሑ እዩ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2011 ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ 2023 (2011) "ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ዝነብሩ ዜጋታትን ትውልደ ኤርትራውያንን ግብሪ ንምእካብ ዝምታ፡ ምፍርራሕ፡ ምትላልን ካብ ምጥቃም ክትቁጠብን" ብምዝኽኻር ነቲ ተግባር ከተቋርጾ ሓቲቱ ነይሩ።
ፓርላማ ኣውሮጳ ብወገኑ ኣብ 2016 እቲ ኣሰራርሓ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነብሩ ስደተኛታትን ኣባላት ማሕበረ ኮምን ጽልውኡ ንምዕባይ ዝጥቀመሉ ምዃኑ ከሲሱ።
መንግስቲ ካናዳ'ውን ኣብ 2013 ኣብቲ ተግባር ተሳቲፉ ንዝበሎ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ካብታ ሃገር ብህጹጽ ክወጽእ ከም ዝኣዘዞ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ግና ካብቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ 2% ግብሪ ብፍታዎም እምበር በስገዳድ ከም ዘይኮነ እዩ ዝገልጽ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንውሳነ መንግስቲ ካናዳ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ንጥፈታት እቲ ቆንስል "ንኣህጉራዊ ስምምዕ ቆንስላዊ ዝምድናታት ቬና ብምልኣት ዘኽብርን ንዓለምለኻውን ናይ ካናዳን ሕጊ ዘይጥሕስን" ምንባሩ ገሊጹ።
ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ ኣብ ኤምባሲታት ኤርትራ ንዜጋታት ዝምልከት ኣገልግሎት ደሊኻ ምስ እትኸይድ ካብ ኣታዊታትካ 2% ዝኸፈልካሉ ሰነድ ከም እትሕተትን ነዚ ድልው ምስ ዘይትኸውን ካብቲ ኤምባሲ ኣገልግሎት ምርካብ ከም ዘይከኣልን ይገልጹ።
ስሞም ክጥቐስ ዘይደልዩ ኤርትራውያን'ውን፡ ንሃገረሮም ኣቲዮም ስድራቤቶም ርእዮም ክምለሱ ምስ ዝደልዩ፡ ቅድሚ ኤርትራ ምኻዶም 2% ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ከምዝኸፈሉ ይሕብሩ።
ኣብ ገለ ሃገራት፡ እቶም ኤርትራውያን ነቲ ግብሪ፡ ኣብ ኣስመራ ብዝርከቡ ኣባላት ስደራ ቤቶም ክኸፍሉ ከም ዝሕተቱ ይግለጽ።