ባንክታት ኢትዮጵያ ነዋሕቲ ህንጻታት ብምህናጽ እንታይ ይርብሑ?

እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሎም ካብ ሞንጎ ዝረኣዩ ሓደሽትን ነዋሕትን ህንጻታት መብዛሕትኦም ብባንክታት ዝውነኑ እዮም።

ካብ ኣደባባይ ሜክሲኮ ክሳብ ብሄራዊ ትያትር ዘሎ ኮሜርስ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጥቓ ስታድየም ኣብ ዝርከቡ ከባብታት ኣብታ ሃገር ዘለዉ ባንክታት የህንጹዎም ብዘለዉን ብዘህነጹዎምን ነዋሕቲ ህንፃታት ተኸቢቦም ኣለው።

ብኣርባዕቲኡ ኣንፈት እታ ከተማ ኮይንካ ጎሊሖም ካብ ሞንጎ ዝረኣዩ ህንፃታት ሓድሽ ህንፃ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ሒደት ዓመታት ዘቑፀሩ ህንፃታት ባንኪ ኣዋሽን ወጋገንን ምፅራሕ ይከኣል።

ሓደሽቲ ህንፃታት ባንኪ ዳሽን፣ ዘመንን ቡናን እውን ክሳዶም ኣወጢሖም ካብ ሞንጎ ዝረኣዩ'ዮም።

ባንኪ ንብ ኢንተርናሽናል ክልተ ሚሊየን ብር ወጻኢ ዝገበረሉ ህንጸት ዋና ቤት ጽሕፈት ዛዚሙ ኣሎ።

እዚ፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ክህነጽ ዝጸንሐን ናይ ንህብን ጎጎ መዓርን ቅርጺ ክህልዎ ገይሩ ዝተሰርሐ ኮይኑ እቲ ህንጻ ኣብ ቀረባ ስርሑ ከም ዝጅምር ይግለጽ።

እቲ ህንጻ፡ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ድኳናት፣ መውዓሊ ህጻናት፣ ናይ ስፖርት ማእከላት፣ 500 ሰብ ዝሕዝ ኣዳራሽን ንኻልኦት ኣገልግሎታት ዝውዕሉ ክፍልታት ዝሓዘ 37 ደርቢታት ኣለዎ።

ኣብ መጀመርታ ብ1.67 ቢሊየን ብር ክዛዘም'ዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩ፤ ጸኒሑ ናይ ዲዛይን ለውጢ ምስ ተገብረ ግን እቲ ወጻኢ ናብ ክልተ ቢሊየን ብር ክብ ከም ዝበለ ፕሬዝደንት እቲ ባንክ ኣቶ ገነነ ሩጋ ተዛሪቡ።

እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጎደና ኣበበ ኣረጋይ ዝተሃነጸ ህንጻ መብዛሕትኦም ክፍልታት ንኣገልግሎት እቲ ባንኪ ክውዕሉ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ክካረዩ'ዮም ተባሂሉ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ህንጻ ኣብ ዓመት ንክራይ ዋና ቤት ጽሕፈት ዝወጽእ ዝነበረ 30 ሚሊየን ብር ከም ዘሕዊ እቲ ፕሬዝደንት ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ቀረባ ስርሑ ከም ዝጅምር ዝግለጽ ዘሎ ዓብዪ ህንጻ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ካልእ ነታ ከተማ ጽባቐ ብምልባስ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝውዕል ክኸውን እዩ።

እዚ ቅርጺ ኣልማዝ ዘለዎ በዓል 48 ደርቢታት ህንጻ፡ ንላዕሊ 210 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ።

እቲ ህንጻ ልዕሊ 1,500 መካይን ጠጠው ከብል ከም ዝኽእል እቲ ባንኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገሊጹ።

ህንጻ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሙሉእ ንሙሉእ ንምዝዛም ኣስታት 300 ሚሊየን ዶላር ከም ዝሓትት'ውን ሓቢሩ።

ማኔጂንግ ዳይሬክተር 'ሎውረንዱ ኣሶሲየትስ' ዝተባህለ ጉጅለ ኣማኸርቲ፡ ባንክታት ዘህንጹዎም ህንጻታት ብኣግባቡ ይጥቀምሉ የለውን ክብል ብትዊተር ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ሞንጎ ጀመርቲ ቢዝነሳትን ባንክታት ዝኸድሉ ዘለው መገድን ከኣ ምጥዕዓም ከም ዘየሎ ይሕብር።

ባንክታት ሓድሽ ህንፃ ኣብ ዝሃንጹሉ እዋን ኣበይ ኣዚና ክንሃንፅ ይግባእ፣ ብኸመይ ምምዝዛን ንኽእል፣ ብኸመይ'ከ ምስ ሓደሽቲ ትካላት ንግዲ ምስራሕ ንኽእል ዝብል ኣብ ግምት ከእትዉ ይግባእ ይብል።

ብኦዲት (ናይ ሕሳብ ምርመራ)፣ ኣካውንቲንግን ምምኻርን ናይ ብዙሕ ዓመታት ልምዲ ዘለዎ ተቐማጢ ለንደን ዓብዱልመናን መሓመድ ባንክታት ኣብ ዝተፈላለዩ ንግድታት ንከይዋፈሩ ሃገራዊ ባንኪ ዘንበረሎም ገደባት ኣለው ይብል።

"ንኣብነት፡ ኣብ ሪል ስቴት ንምውፋር ልዕሊ 10 ሚእታዊት ዝተፃረየ ኣታዊኦም እምበር ልዕሊኡ ምጥቃም ኣይኽእሉን። እንተኾነ ንባዕሎም ዝጥቀምሉ ምህናፅ ይኽእሉ'ዮም፤ እዚ ሃገራዊ ባንኪ ይፈቕዶ'ዩ" ይብል።

ንባንክታት ህንፃ ምስራሕ ንምንታይ ኣድለየ?

ኣይተ ዓብዱልመናን ባንክታት ብብዝሒ ህንፃ ዝሃንጹሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ብኽልተ ኣንፈት ክንርእዮ ንኽእል ኢና ኢሉ።

"እቲ ቀዳማይ ብምኽንያት ሕዚ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ (ኢንፍሌሽን) ገንዘብ ወነንቲ ኣክስዮን እናተበልዐ ከይመጽእ ንምሕላው'ዩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ቀዋሚ ንብረት ይውዕል ስለ ዘሎ። እቲ ካልኣይ ድማ ድጋፍ ሃገራዊ ባንኪ ከይሃለዎ ኣይተርፍን" ይብል።

ባንክታት ህንፃ ዝሃንፁ፡ ካብ ዘለዎም ጠቕላላ ሃፍቲ ክንደየናይ ዝኾን ተጠቒሞም'ዩ እንተይልና ግና ካብ ክልተ ሚእታዊት ከም ዘይበልፅ እቲ በዓልሞያ ይሕብር።

"ማእኸላይ ቑፅሪ ኢንዳስትሪ እንተሪእና፡ ባንክታት ካብ ጠቕላላ ካፒታለን ርብዒ ሃፍተን ዝኾን እዩ ህንጻታት ኣብ ምስራሕ ዘውዕልኦ ዘለዋ። በዚ መልክዕ እንተድኣ ተራእዩ ብዙሕ ገንዘብ ዝበሃል ኣይኮነን" ይብል።

ባንክታት ዋና ቤት-ፅሕፈት የድልዮም እዩ፤ እንተዘይኮይኑ ናብ ምክራይ እዮም ክኣትዉ ብምባል ቀዋሚ ንብረት ምህናፅ ኣድላይ እዩ ንዝብል ነጥቡ የጠናኽር።

ማኔጂንግ ዳይሬክተር 'ሎውረንዱ ኣሶሲየትስ' በርናር ድማ፡ ባንክታት ህንፃ ሰሪሐን ሰራሕተኛታተን ካብ ዘእትዋሉ፡ ንዓማዊለን ብሊዝ ብምሃብ ከም ሪል ስቴት እንተዝርእይኦ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ኣለዎ።

ኣይተ ዓብዱልመናን ግና፡ እኳድኣስ ገለ ባንክታት ሙሉእ ብሙሉእ ይጥቀማሉ ኣለዋ እየን ይብል።

"ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ፡ ባንኪ ኣዋሽ ዝሰርሖ ህንፃ ኣይኣክልን ኢልዎ፡ ካልእ ህንፃ ንምስራሕ እዩ ዝሓስብ ዘሎ። ባንኪ ዳሽን'ውን ከስፍሕ ይሓስብ ኣሎ። ዓቕሚ እቲ ባንኪ ግን ይፈላለ'ዩ። ገለ ባንኪታት ብዙሕ ሰራሕተኛን ክፍልታትን ስለ ዘለወን ከይኣኽለን ይኽእል'ዩ። ብኣማኢት ዝቑፀር ሰራሕተኛታት ዘለወን ባንክታት ግና ብግቡእ ዘይክጥቀማሉ ይኽእላ።

"እቲ ካልእ ድማ ብምኽንያት እቲ ሕዚ ዘሎ ዝቕባበ ዋጋ እቲ ገንዘብ ንከይብላዕ ኣብ ቀዋሚ ንብረት ምውዓል ይምረጽ። ባንክታት መዋእለ ንዋየን ኣብ ምስራሕ ህንፃታት ምውዓለን ትኽክለኛ ዘይኮነ ኢንቨስትመንት'ዩ ኣይብልን" ኢሉ።

ንሓደሽቲ ትካላት ንግዲ ምክራይ

ኣማኻሪ ትካላት ንግዲ በርናር ኣብ ናይ ትዊተር ገፁ ኣብ ዘስፈሮ ሓሳብ፡ ኣብ ሓደሽትን ዓበይትን ትካላት ንግዲ'ዩ ቀንዲ ትኹረቱ ገይሩ።

ኣይተ ዓብዱልመናን፡ ኣብታ ከተማ ብዙሓት ዝካረዩ ህንፃታት ይሰርሑ ስለ ዘለዉ ተኻረይቲ እንተዘይተሳኢኖም ምክራይ ግቡእ ሓሳብ'ዩ ብምባል ምስ በርናር ይሰማማዕ።

"ካብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ወፃኢ ኣብ ካልኦት ከባብታት ህንፃታት ዘለዎም ባንክታት፡ ኣካርዮም ብዙሕ ኣታዊ ከም ዝረኽቡ ይፍለጥ። ትርፊ ቦታ ክሳብ ዝሃለዎም ነቲ ቦታ ኣካርዮም ኣታዊ ክረኽቡ ግቡእ'ዩ" ይብል።

ባንክታት፡ ናይ ቅድሚት፣ ማእከልን ናይ ድሕሪትን ኣብያተ ጽሕፈቶም ዘመናዊ [ዲጂታላይዝ] ክገብሩዎ ይግባእ ዝብል በርናር፡ ሓሓሊፉ'ውን ቀዳምነት ዘይወሃቦም ጉዳያት ንናይ ወጻኢ ትካላት ክወሃቡ ግቡእ'ዩ ኢሉ።

ልዕሊ ኩሉ ቀዳምነት ዝወሃቦ ግን ባንክታት ንሓደሽትን ዓበይትን ትካላት ንግዲ ማዕፆአን ርሑው ምግባር'ዩ ይብል።

ብተወሳኺ፡ ሓደሽቲ ትካላት ንግዲ፡ ባንክታት ባዕለን ክዋጽአኦ ኣብ ዘይኽእላ ጽላታት ብሓባር እንተወፊሮም ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።

ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት

ዓብዱልመናን ዝማዕበላ ሃገራት፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ህንፃ ዘለወን ልምዲ ልዑል ከም ዝኾነ'ዩ ዝሕብር።

"ኣብ ለንደን'ኳ ባንክታት ኣብ 'ፋይናንሻል ሴንተር' (ማእኸል ንግዲ) እየን ዘለዋ። ኣብ ለንደን ሊቨርፑል ስትሪት ዝበሃል ኣሎ። ዓብይ ማእኸል ንግዲ ስለ ዝኾነ፡ ብኽቡር እዩ ዝካረ። ስለዚ ኣብ ኣጠቓቕማ ህንፃ ብጣዕሚ ብቑዓት'ዮም"።

ብተወሳኺ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ዝማዕበለ ስለ ዝኾነ፡ ገሊኦም ዝህልዎም ኣብያተ ቤት-ፅሕፈት ኣብ ካልአ ዓዲ ክገብሩዎ'ኳ እንተኽኣሉ ኣብ ሓደ ቦታ ዝተኣከቡ ከም ዝኮኑ ይዛረብ።

"ሕዚ ሕዚ ገለ ኣገልግሎታት ካብ ህንዲ ምሃብ ይልመድ ኣሎ። ሕዚ ድማ ምስ ኮቪድ ብዝዛመድ ካብ ገዛ ናይ ምስራሕ ልምዲ ስለ ዝመፅአ ዝተወሰኑ ህንፃታት የካርዩ ኣለዉ። ናትና ባንክታት'ውን ኣብ ቀፃሊ ቴክኖሎጂ እናጠንከረ ምስ ዝመፅእ ናይ ግድን ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪብካ ምስራሕ ትፅቢት ከይገብረለን ይኽእል" ብምባል ብሓፈሻ ባንኪታት ብመንፅር ናህሪ ዋጋ ዓበይቲ ህንፃታት ምስርሖም ጥቕሙ የመዝን ይብል።

"እንተኾነ እዚ ጥራሕ መምዘኒ'ዩ ኣይበልኩን። እኳ ድኣ ምክራይ'ዶ የዋፅእ ወይስ ምህናፅ ከምኡ'ውን ካልኦት መዐቀኒታት ኣቐሚጠን'የን ክውሰና ዘለወን። ናይ ገራዊ ባንኪ ጸቕጢ ከም ዘሎ ግን ክዝንጋዕ የብሉን" ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።