እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ባንኪ፡ ብጌጋ ዝተውሃቦ ሓደ ሚልዮን ዝመለሰ መምህር
ኣይተ ኣለሙ ተስፋዬ፡ ካብ ተንቀሳቓሲ ሒሳብ ቁጽሪ ደብተረሩ ሓደ ሚልዮንን ክልተ ሚእቲ ሽሕን ቅርሺ ንምውጻእ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ኣቢሲንያ ባንክ ተረኺቡ።
እቲ ብሽሙ ዝተቐመጠ ገንዘብ፡ ማሕበረ ቅዱሳን ናይ ኣብነት ትምህርቲቤታትን ገዳማትን ንምሕጋዝ ዝኣከቦ እዩ።
ሰራሕተኛታት እቲ ባንኪ መዓልታዊ ስራሕቶም እናፈጸሙ እንተለዉ፡ ኣይተ ኣለሙ ብዝሕ ዝበለ መጠን ዘለዎ ቅርሺ ክወስድ ምሕታቱ ዝገልጽ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ጨንፈር ኣይተ ቢራራ መልኣኩ ''ናብ ዉሽጢ ምስ ኣተወ እቲ ገንዘብ ሓቢርና ቆጺርና ክርከብ ጌርና። እቲ ዓሚል ሕልፊ ገንዘብ ተዋሂቡዎ፡ ናብቲ ዘእትዎ ቦታ ሒዙ ከይዱ'' ይብል። ኮይኑ ግና ኣይተ ኣለሙ ሓደ ሚልዮን ብር ዝያዳ ምውሳዱ፡ ከም ዘይፈለጠ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ይገልጽ።
''እቲ ዓሚል ተመሊሱ እንትመጽእ፡ እቲ ዝወሰዶ ገንዘብ መሊሱ ኣታዊ ክገብሮ እምበር፡ ተረፍ ገንዘብ ዝምልሰልና ኣይመሰለናን'' ዝብል ኣይተ ቢራራ መልኣኩ፡ እቲ ኣጋጣሚ ''ኣዝዩ ዝገርም'' ክብል ይገልጾ።
ኣብ ባህርዳር ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ክፍሊ ኬሚስትሪ መምህር ዝኾነ ኣይተ ኣለሙ ተስፋዬ ''ናብ ውሽጢ ምስ ኣተና ኣብ ጥቒኡ ኮይነ፡ እቲ መጠን ልክዕ ምዃኑ እናረጋገጽኩ ናብ ሳንጣ የእቱ ነይረ'' ይብል።
እቲ ገንዘብ ሒዙ ናብ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ምስከደ እቲ ተቐባሊ ''2 ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ብር እንድዩ?'' ክብል ሓቲቱዎም።
''1 ነጥቢ 2 ሚልዮም እዩ ኢልና መሊስናሉ። ደጊምና ምስቆጸርናዮ ግን 2 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ኮይኑ'' ብምባል ዝዝክር ኣይተ ኣለሙ '' እቲ ናይ ባዕልና 1 ነጥቢ ክልተ ሚልዮን ብር ኣታዊ ብምግባር ነቲ ዝተረፈ ሒዝናዮ ናብ ባንኪ ኣቢሲኒያ ተመሊስና'' ይብል።
ኣይተ ቢራራ፡ ኣይተ ኣለሙ፡ ብጌጋ ዝያዳ ገንዘብ ስለዝሃብኩምኒ ክመልስ መጺአ እንትብል፡ ላግጺ መሲልዎ ከምዝነበረ ይዛረቡ።
'' ስብእና ኣይተ ኣለሙ ብቃላት ንምግላጽ ይኸብድ እዩ። ክትሓስቦ ካብ እትኽእል ንላዕሊ እዩ፤ ፈጣሪ ብረሃፉ ዝረኸቦ ገንዘብን ሓዳሩን ይባርኸሉ'' ክብል ኣይተ ቢራራ ንተግባር ኣይተ ኣለሙ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።
ኣይተ ኣለሙ ብወገኑ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኩሉ ሰብ ክስዕቦ ይግባእ ብምባል፤ ሰራሕተኛታት እቲ ባንኪ ካብ ምንግልታዕ ብምድሓኑ፡ ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ከም ዝተሰመዖ ገሊጹ።