እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጉሕለት ኣልኣዛር፡ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካብ ባንኪ ንምስራቕ ዝወጽአ መደብ
ብ2016፡ ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ካብ ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክሰርቁ መደብ ኣውጺኦም።
እዚ ኹሉ ገንዘብ ግሒጦም ከውጽኡ ኣብ ጫፍ ዓወት ምስ በጽሑ ግን፡ ንስለ ካብቲ ዝወሰዱዎ 81 ሚልዮን ዶላር ተዓጊቱ።
ንምዃኑ እታ ኣብ ዓለም ዝደኸየትን ዝተነጸለትን ሃገር ብኸመይ ዝተራቐቐ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ገበነኛታት ክህልውዋ ክኢሎም?
እዚ ኹሉ ካብ ኢንዳስትሪ ማሕተም [ፕሪንተር] እዩ ዝጅምር፤ ኣካል እቲ ሕጂ እንነብሮ ዘመናዊ ህይወት እንድዩ።
ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ዝሰርሑ ሰራሕኛታት እቲ ፕሪንተር ምስራሕ ምስ ኣበዮም ከምቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ኩላትና ምስራሕ ዝኣብየና ድኣ መሰሎም እምበር ፈጺሙ ዝተሓላለኸ ሽግር ከምጽኣልናዩ'ዩ ኢሎም ኣይሓሰቡን።
ብዓብይኡ እቲ ሕጂ እንተኩረሉ ጉዳይ ናይ ፕሪንተር ዘይኮነ ናይ ባንኪ'ዩ።
ባንኪ ባንግላድሽ፡ ክቡራት መተዓዳደጊ ገንዘብ ክዕቅብ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ሃገራዊ ባንኪ እታ ብዙሓት ድኻታት ዝነብሩላ ሃገር እዩ።
ኣብዚ ፕሪንተር ዓብዪ ተራ እዩ ዝጻወት።
ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ሃገራዊ ባንኪ ኣብ ከተማ ዳካር ኣብ ዘሎ 10ይ ደርቢ ህንጻ ይርከብ፤ ኣብ ውሽጢ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሎ ጸግዒ ድማ ፕሪንተር ኣሎ።
ናብቲ ባንኪ ዝወጽኡን ዝኣትውን ምልውዋጣት ብርክት ዝበሉ ሚልዮናትን ዶላራት ምሕታም ከኣ ቀንዲ ስራሕ እዚ ፕሪንተር እዩ።
ዓርቢ ንጉሆ ሰዓት 02፡45 ዕለት 5 ለካቲት 2016 ግን ሓደ ሰራሕተኛ እዚ ፕሪንተር ከም ዘይሰርሕ ምህላው ይርኢ።
"ከምቲ ኣብ ካልእ መዓልቲ ዝገጥመና ዝተለመደ ጸገም'ዩ መሲሉና፤ ቅድሚኡ ቁሩብ ዘጋጠመ ጸገማት ነይሩዎ'ዩ" ክብል ምኽትል ሓላፊ እቲ ባንኪ ዙባር ቢን ሁንዳ ንፖሊስ ተዛሪቡ።
እዚ ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ኣብ ሓያል ፈተና ምውዳቑ ዘርኢ ምልክት ነይሩ።
ሰርሰርቲ ናብ ኔትዎርክ ኮምፒዩተር እቲ ባንኪ ሰይሮም ብምእታው ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
ዕላምኦም፡ ቢልዮን ዶላር ምስራቕ'ዩ።
ብድሕሪ'ዚ ዘሎ ዓብዪ ጉጅለ ልኡኽ ሰረቕቲ ነዚ ገንዘብ ንምጉሓል ብርክት ዝበሉ ናይ ሓሶት ሒሳባት ባንኪ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት፣ ጠላዕን ካልኦት ሰፋሕቲ መርበባትን ክጥቀም'ዩ እዮም።
እዞም ሰርሰርቲ ግን መን'ዮም? ካበይ ዝመጽኡ እዮም?
መርመርቲ እቲ ኣብ ሓደ ገጽ ዝተረኸበ ዲጂታላዊ ኣሰር ኣጻብዕቲ ናይ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ'ዩ ኢሎም።
*ሓበሬታ፡ እዚ ዛንታ 'ጉሕለት ላዛረስ' ብዝብል ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ብ10 ተኸታተልቲ ክፋላት ናይ ዘኼዶ ምድላው ፖድካስት'ዩ።
እዚ ዛንታ ፍልጠት እትዕድግሉ ሓበሬታ ስለ ዝኾነ ብኽልተ ክፋል ኢና ከነቕርበልኩም።
ንቐጽል!
ኣብ ሳይበራዊ ገበን ሰሜን ኮርያ ቀዳመይቲ ተጠርጣሪት ሃገር'ያ። ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ሓንቲ'ያ።
ብሰፊሑ ከኣ ካብ ቴክኖሎጂካዊ፣ ቑጠባውን ካልኦት ዓለማዊ ርክባትን ዝተነጸለት ዕጽውቲ ሃገር ምዃና'ውን ይፍለጥ።
በዚ ክትግረሙ የብልኩምን።
ኤፍቢኣይ እቲ ኣብ ልዕሊ ባንኪ ባንግላድሽ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ስርቅን ውጽኢት ንዓመታት ዝተገብረ ምድላው ጉጅለ ሰርሰርትን ኣብ ኤሽያ ዝርከቡ ደለልትን ኮይኑ ብስርዓት ሰሜን ኮርያ ዝምወሉ'ዮም ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ኢንዳስትሪ ድሕነት ሳይበር፡ ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ 'ጉጅለ ኣልኣዛር' ተባሂሎም'ዮም ዝፍለጡ።
እዚ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስደ ካብ ሞት ዝተንስአ ኣልኣዛር እዩ። ብዛዕባ እዚ ጉጅለ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ኤፍቢኣይ ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር ብዛዕባ ሓደ ፓርክ ጂን-ዮክ (Park Jin-hyok) ዝተባህለ ጥርጡር ዝርዝር ሓበሬታ እንተኣውጽአ'ውን ብዙሕ ዝፍለጥ የለን።
እዚ ውልቀሰብ፡ ፓርክ ጂን-ሄክን ፓርክ ክዋንግ-ጂንን ብዝብሉ ኣሽማት እዩ ዝንቀሳቐስ።
ኮምፒዩተር ፕሮግራመር ከም ዝኾነን ካብ ሓደ ላዕለዎት ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ተመሪቑ ንሓደ ኩባንያ ሰሜን ኮርያ ዝሰርሕን ምዃኑ ዝገልጽ ድሕረ ባይታ ኣለዎ።
ብተወሳኺ ኣብ ወደባዊት ከተማ ቻይና ዳሊን (Dalian)፡ ግዝኣት ጃፓን ኣብ ኮርያ ንምዝካር ዝዳለው ዓመታዊ መድረኻት ብምድላው፣ ናይ ኦንላይን ጌም ብምፍጣርን ኣብ ዓለም ንዘለው ዓማዊል ጠላዕ ፕሮግራማት ብምድላውን ይፍለጥ።
ኣብ ዳሊን ሓደ ኢሜይል ኣድራሻ ኣዳልዩ፣ ናይ ትምህርትን ስራሕ ተሞኩሮን ታሪኹ ኣዳልዩ ርክባቱ ዝሃንጸሎም መርበባት ንምፍጣር ማሕባራዊ ሚዲያ ይጥቀም።
ኣብ ዳሊን ዘሎ ኣሰር ኣጻብዕቲ እዚ ውልቀሰብ ካብ 2002 ዝጅምር ኮይኑ፡ ውጽእ እትው እናበለ ክሳብ 2013/2014 ኣብታ ወደባዊት ከተማ ከም ዝጸንሐ የመልክቱ።
እዚ ኹሉ ክገብር ግን፡ እቲ ናይ ኢንተርነት ኣድራሽኡ ካብ ርእሰ ከተማ ሰሜን ኮርያ ፒዮንግያንግ ምዃኑ'ዩ ዘርኢ ክብል መርመራ ኤፍቢኣይ ገሊጹ።
እቲ ኤጀንሲ፡ ብ2011 ብኣካያዲ ስራሕ ኤክስፖ ኮሱን ዝተላእኸ ኢሜይል ዝረኸቦ ስእሊ ኣውጺኡ'ዩ።
እዚ ስእሊ ኣብ መወዳእታ 20ታት ወይ መጀመርታ 30ታት ናይ ዘሎ ሰሜን ኮርያዊ መንእሰይ ዘርኢ ስለ ዝኾነ፡ ስቕ ኢልካ ርኢኻ ዝተፈለየ ነገር ከተውጽኣሉ ኣይትኽእልን።
ኤፍቢኣይ ግን እዚ ውልቀሰብ ቀትሪ ፕሮግራመር ኮይኑ ክሰርሕ ውዒሉ፡ ለይቲ ለይቲ ናብ ሰርሳሪ'ዩ ዝቕየር ይብል።
ብሰነ 2018 ሰብ መዚ ኣመሪካ ፓርክ ካብ ወርሒ መስከረም 2014 ክሳብ ነሓሰ 2017 ዓ.ም ብኮምፒዩተር ዝፍጸም ምትላልን ግህሰትን ንምፍጻም ውዲት ፈጺሙ፤ ኣብ ካልእ እውን ኢሜይልን ኮምዩኒኬሽን ኤሌክትሮኒክስን ዘጠቓልል መጥቃዕቲ ንክፍጸም ውዲት ፈጺሙ ኢሎም ከሲሶምዎ።
በዚ ኣብ ቀይዲ እንተኣትዩ ን20 ዓመት ክእሰር ክፍረዶ'ዩ።
ይኹን'ምበር እቲ ክሲ ቅድሚ ምምስራቶም ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ቻይና ናብ ሰሜን ኮርያ ተመሊሱ።
እዚ ፓርክ ዝተባህለ ጥርጡር [ትኽክለኛ ሽሙ እንተኾይኑ] ኣብ ሓደ ለይቲ ኣብ ግኑን ሰርሳሪ ኣይተቐየረን።
ንሱ ሓደ ካብቶም ኣሽሓት ካብ ዕሸል ዕድሚኦም ብሳይበራዊ ፍልጠት ሙኩራት ክኾኑ ፍሉይ ክትትል ተገይሩሎም ዝዓበዩ ሰሜን ኮርያውያን'ዩ።
እዚኦም ጌና ቖልዑ 12 ዓመት እናሃለው ፍሉይ ክትትል ዝግበረሎም በሊሕ ፍልጠት ሒሳብ ዘለዎም ኮይኖም፡ ካብ ንጉሆ ክሳብ ምሸት ብርቱዕ ትምህርቲ ይወሃቦም።
ሰራሕተኛ ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ነታ ፕሪንተር ክኸፍታ እንከሎ፡ ኣዝዩ ዘሰንብድን ዘጨንቕን ዜና'ዩ በጺሑዎም።
ካብታ ፕሪንተር ዝወጽእ ዝነበረ ኣብ ኒውዮርክ ካብ ዝርከብ ፌደራላዊ ባንኪ ዝተላእኸ ህጹጽ መልእኽቲ ትሕትም ነይራ።
እዚ ባንግላድሽ ዶላር እትኽዝነሉ ባንኪ እዩ።
'ፌድ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፈደራላዊ ባንኪ ኣመሪካ፡ ካብ ባንኪ ባንግላድሽ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝጽጋዕ ገንዘብ ከውጽእ መምርሒ ከም ዝተቐበለ ይገልጽ።
እቲ ባንኪ ከረጋግጽ ስለ ዘለዎ ፈደራላዊ ባንኪ ኣመሪካ ክረኽብዎ ፈቲኖም፤ እቶም ሰርሰርቲ ግን ኣብ ሰዓቶም ብኣግባቡ ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ ክሰልጦም ኣይክኣለን።
እቶም ሰርሰርቲ ዓርቢ 4 ለካቲት እዮም ነዚ መደብ ጀሚሮምዎ።
ኣብ ኒውዮርክ ብዘሎ ኣቆጻጽራ ሰዓት ከኣ ሓሙስ ንጉሆ ነይሩ።
እዚ ባንግላድሽ ደቂሳ እንከላ ድላዮም ክገብሩ ዕድል ንምምችቻእ ኮነ ኢሎም ዝተጠቐምሉ ኣቆጻጽራ ሰዓትን መዓልትን'ዩ።
ግልጺ ንምግባር ዝኣክል፡ ዓርቢ ምስ ኮነ - ባንግላድሽ ቐዳመ ሰናብቲ ንምቕባል ጉምብሕ ጥልዕ እያ ትብል።
እንታይ ማለት'ዩ፡ ኣብ ባንግላድሽ ዓርብን ቀዳምን ስራሕ የለን፤ በዚ መሰረት እቲ ኣብ ድካር [ርእሰ ከተማ ባንግላድሽ] ዝርከብ ባንኪ ኣብ ናይ ክልተ መዓልታት ዕረፍቲ ስራሕ እዩ ዝህሉ።
ባንግላድሽ እቲ ዝተፈጸመ ስርቂ ንክትቐልዕ ኣብ እትፍትነሉ ዕለት ከኣ ኣብ ኣመሪካ ቀዳመ ሰናብቲ ኮይኑ፡ መዓልታት ተቐይሩ ጸኒሑ።
"ብልሒ ናይዞም ሰርሰርቲ ርኢኹም'ዶ?" ይብል ክኢላ ድሕነት ሳይበር ራኬሽ ኣስታና።
"እቲ ስርቂ ሓሙስ ምሸት ዝተመረጸሉ ምኽንያት ብጥበብ'ዩ። ዓርቢ ኣብ ኒውዮርክ ናይ ስራሕ መዓልቲ'ዩ፤ ኣብ ባንግላድሽ ከኣ ባንኪ ዕጹው'ዩ። ባንኪ ባንግላድሽ ናብ ኦንላይን ኣብ ዝምለሰሉ ሰዓት ከኣ ኣብ ኒውዮርክ ዘሎ ፌደራል ባንኪ ዕጽው'ዩ። ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል እንታይ ከም ዝተፈጥረ ከይፍለጥ'ዮም ከምዚ ገይሮም" ኢሉ።
እዞም ሰርሰርቲ ተወሳኺ ሰዓት ንክገዝኡ እዚ ጥራሕ ኣይኮኑን ገይሮም።
ሰኑይ 8 ለካቲት ብ2016፡ ኣብ መላእ ኤሽያ ሓድሽ ዓመት ሉናር ስለ ዝኾነ ሃገራዊ በዓል'ዩ ነይሩ።
በዚ መሰረት እቲ ገንዘብ ካብቲ ፈደራላዊ ባንኪ ኣመሪካ ኣመሓላሊፎም ምስ ወድኡ ናብ ካልእ ቦታ ክልእኹዎ ደልዮም።
ስለዚ እቲ ገንዘብ ዝመሓላለፈሉ መገዲ ኣብ ማኒላ ምስ ዘዳለውዎ ናይ ባንኪ ሒሳብ ኣራኺቦምዎ፤ ኣብ ፊሊፒንስ።
ኣብ ባንግላድሽ፣ ኒውዮርክን ፊሊፒንስን ዘሎ ናይ ሰዓት ኣፈላላይ ተጠቒሞም እቶም ሰርሰርቲ ነቲ ገንዘብ ንምውጻእ ሓሙሽተ መዓልቲ ከም ዘለዎም ፈሊጦም ኣለው።
ነዚ ኹሉ መደብ ንምውጻእ እኹል ግዜ ነይሩዎም፤ ምኽንያቱ ጉጅለ ኣልኣዛር፡ ንዓመታት ኣብ ስርዓት ኮምፒዩተር ባንግላድሽ ኣትዩ ክሕምዙቕ'ዩ ጸኒሑ።
ከመይ እንተኢልኩም፡ ወርሒ ጥሪ 2015 ጉድኣት ዘብጽሕ ዘይመስል ኢሜይል ናብ ሰራሕተኛታት ባንግላድሽ ተላኢኹ ነይሩ።
እዚ ንርእሱ ራስል ኣሕላም ኢሉ ካብ ዝጽውዕ ስራሕ ዝደሊ ውልቀሰብ ከም ዝተላእኸ ይሕብር።
እቲ ትሕትና ተላቢሱ ናይ ትምህርትን ስራሕ ተሞኩሮን ታሪኹ [ሲቪ] ኣውሪዶም ክርእዩዎ ዝሓትት መልእኽቲ ዘስለሎም ሰራሕተኛታት እቲ ባንኪ ግን በዚ ከይተታለሉ ኣይተርፉን።
ይኹን'ምበር ራስል ኣብ ግሃድ ዓለም ዘሎ ሰብ ኣይኮነን።
መርመርቲ ኤፍቢኣይ ከም ዝብሉዎ ጉጅለ ኣልኣዛር ዝፈጠሩዎ ናይ ሓሶት ስም እዩ።
ብውሑድ ሓደ ሰብ ኣብቲ ባንኪ በዚ ውዲት ተታሊሉ [ኣብዚ መጻወዲያ] ወዲቑ።
እቲ ዝተላእኸ ናይ ትምህርትን ስራሕ ተሞኩሮን ታሪኽ እቲ ውልቀሰብ ከኣ ኣውሪዱዎ።
ኣብ ውሽጡ ሒዙዎ ብዝነበረ ቫይረስ ክኣ ኮምፒዩተራት እቲ ባንኪ ተበኪለን።
በዚ ኣቢሎም ናብ ስርዓት እቲ ባንኪ ዝኣተው ጉጅለ ላዛረስ ካብ ሓደ ኮምፒዩተር ናብ ካልእ እናነጠሩ ናብቲ ዲጂታላዊ ቀስቲ ድሕሪኡ ድማ ናብቶም ቢሊዮናት ዶላራት ዝተኸዘኖም ቦታታት ዝኣትውሉ ነዃል ከመቻችኡ ጀሚሮም።
ካብኡ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ደው ኣቢሎም።
እዞም ሰርሰርቲ፡ እቲ ኢሜይል ናብቲ ባንኪ ካብ ዝልኣኽ ድሕሪ ሓደ ዓመት ገንዘብ ጥራሕ ዝሰረቕሉ ምኽንያት ግን እንታይ'ዩ?
ስለ ምንታይ ሓደጋ ከም ዘለዎ እናፈለጡ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ስርዓት እቲ ባንኪ ክጸንሑ መሪጾም?
መልሱ ቀሊል'ዩ፤ እቲ ገንዘብ ዘህድምሉ ምቹእ ሰዓት ክህሉ ስለ ዝነበሮ'ዩ።
ጎደና ጁፒተር፡ ኣብ ማኒላ [ፊሊፕንስ] እቲ ኣዝዩ ዝተጨናነቐን ምንቅስቓስ ዝበዝሖን ጎደና እዩ።
ኣብ ጎኒ ኢኮ-ሆቴልን ጨንፈር ኮርፖሽን ባንኪ ንግዲ ራዚል [ኣርሲቢሲ] ዝኾነ ሕክምና ስንን፡ ናይታ ሃገር ዝዓበየ ባንኪ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት 2015 እቶም ሰርሰርቲ ስርዓት ባንኪ ባንግላድሽ ምስ ረኸቡ ድሕሪ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ኣብዚ ባንኪ ኣርባዕተ ናይ ባንኪ ሒሳብ ተኸፊቶም [በቶም ሰርሰርቲ ዝተዳለው]።
ገለ ዘጠራጥሩ ነገራት ነይሮም።
እዞም ናይ ሒሳብ ባንኪታት ንምኽፋት ዝተጠቐምሉ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ስኑዕ'ዩ፣ እቶም ኣመልከትቲ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኩባኒያ ዝሰርሑ ሓደ ዓይነት መደብ ስራሕን ደሞዝን ከም ዘለዎም ይገልጹ።
ግን ድማ ዋላ ሓደ ነዚ ኣየስተባህለሉን።
ስለ ዝኾነ ድማ እዞም ናይ ሒሳብ ቑጽሪታት ብ500 ዶላር መጀመሪ ዕቋር ኣቢሎም ንኣዋርሕ ከይተተንከፉ ጸኒሖም።
እቶም ሰርሰርቲ ከኣ ኣብቲ ዝቕጽል መደቦም ትኹረት ገይሮም ይሰርሑ ነይሮም።
ኣብ ለካቲት 2016 እቶም ሰርሰርቲ ናብ ባንኪ ባንግላድሽ ዕውት ብዝኾነ መገዲ ምስ ኣተው፡ እቲ ገንዘብ ዝመሓላለፈሉ መገዲ ፈጢሮም።
ይኹን'ምበር ሓንቲ ከተተዓናቕፎም እትኽእል ጉዳይ ኣላ፤ ንዓኣ ምውጋድ ከድሊ እዩ።
እታ ኣብ 10 ደርቢ ዘላ ፕሪንተር።
ባንኪ ባንግላድሽ፡ ካብቲ ባንኪ ዝግበር ኩሉ ዓይነት ምዝውዋር ገንዘብ ንምቁጽጻር እታ ፕሪንተር ወረቐት ወዲኣ ስርሓ ጠጠው ንከይተብል መሐለውታ [መለሳ] ኣዳልዩላ'ዩ።
እዚ ናይ ልውውጥ ሰነድ ድማ ነዞም ሰርሰርቲ ብቐሊሉ ከቃልዖም ዝኽእል እዩ።
ስለዚ ናብቲ ነዚ ዝቆጻጸር ሶፍትዌር ሰይሮም ብምእታው ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኸውን ገይሮም።
ምሸት ሰዓት 8፡36 ሓሙስ ኣርባዕተ ለካቲት 2016፡ እቶም ሰርሰርቲ ናብ 35 ኣካውንታት 951 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከመሓላልፉ ጀሚሮም።
ኣብዚ ግዜ ዳርጋ ኹሉ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ካዝና ባንኪ ባንግላድሽ ዝነበረ ተሓጢጡ'ዩ ክወጽእ ጀሚሩ።
እዞም ሰረቕቲ ኣብቲ ዕለት ዓብዪ ናይ ገንዘብ ምዝውዋር ክገብሩ መደብ ነይሩዎም፤ እንተኾነ ልክዕ ከምቲ ሆሊውድ ዝሰርሖ ፊልሚ 'ማኒ ሄይስት' ሓንቲ ንኡሽቶ ነገር ኣብ ቀይዲ ክተእትዎም'ያ።
ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ኣብቶም ናይ ዕረፍቲ መዓልታት ገንዘብ ከም ዝጠፍአ ምስ ፈለጠ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንምፍላጥ ዓብዪ ጻዕሪ ይገብር።
ኣመሓዳሪ እቲ ባንኪ ነዚ ምስ ፈለጠ ክሳብ 2020 ዳይሬክተር ሓይሊ ጸጥታ ዶብ ህንዲ ራኪሽ ኣስታናን ኩባንይኡ ወርልድ ኢንፎርማክስን ጸዊዑ ሓግዘኒ ኢሉዎ።
ኣብዚ ግዜ ኣስታና እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ክተምልሶ ትኽእል ኢኻ ክብል ነቲ ኣመሓዳሪ ባንኪ ይነግሮ፤ ንሱ'ውን ካብ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ካብ መንግስቱ ነዚ ናይ ሰርሰርቲ ሓደጋ ሓቢኡ ይሕዞ።
ቁሩብ ጸኒሑ ኣስታና እቲ ዝተፈጸመ ገበን ቀሊል ከም ዘይኮነ የስተብህል። እቶም ሰረቕቲ ናብ ቑልፊ ስርዓት ባንኪ ባንግላድሽ ክኣትው ከም ዝኽኣሉ ይርዳእ።
እዚ 'ስዊፍት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስርዓት ኣብ ዓለም ዘለው ኣሽሓት ባንኪታት ዝጥቀምሉ ኮይኑ ኣብ ሞንግኦም ንዝህሉ ምትሕልላፍ ገንዘብ ንምትሕብባር ዝጥቀምሉ እዩ።
እቶም ሰርሰርቲ በዚ ዝተላዕለ ከይንቅሓሎም እቲ ሶፍትዌር ነቶም ሰርሰርቲ ተራ ሰራሕተኛታት እቲ ባንኪ መሲሎም ንክርኣዩ ብዝገብር ኣገባብ ቓንዮምዎ።
ውዒሉ ሓዲሩ ሰብ መዚ ባንኪ ባንግላድሽ እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ክመልሱዎ ከም ዘይኽእሉ ይፈልጡ።
ገለ መጠን ገንዘብ ድሮ ኣብ ፍሊፒንስ በጺሑ ኣሎ፤ ስለዚ ገንዘብ ናይ ምምላስ መስርሕ ንክጅምሩሎም ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከም ዘድሊ ይሕብሩዎም።
ባንኪ ባንግላድሽ ሰነዳት ኣኪቡ እቲ ዝተባህሎ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ክውድእ እንከሎ፡ ድሮ እቲ ጉዳይ ህዝቢ ፈሊጡዎ፤ ዓለም በቲ ስርቂ ጫው ጫው ክትብል ጀሚራ።
"ኣመሓዳሪ እቲ ባንኪ ካብ መዝነቱ ክወርድ ተነጊሩዎ፤ ድሕሪኡ ርእየዮ ኣይፈልጥን" ይብል ኣስታና።
ካልኣይ ክፋሉ ጽባሕ ከነስዕብ ኢና።