እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዘይትፈልጦ ቦታ 'ሞባይል ቻርጅ' ምግባር እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ?
ኣብዚ እንነብረሉ 'ዲጂታላዊ' ዘበን፡ ሰባት ካብ ገዝኦም እንትወጹ ካብ ዘተሓሳስቦም ጉዳያት ሓደ፡ "ተንቀሳቓሲ ስልከይ ባትሪ ትውደእ ዶ ትኸውን?" ዝብል እዩ። ነዚ እዩ ድማ ሰብ ኣብ ዝእከበሉ ከባቢታት ናይ ቴሌፎንን ታብሌትን ባትሪ መምልኢ መሳርሒታት ብበዝሒ ዝርከቡ።
ኮይኑ ግና ሰብ ሞያ ሓለዋ ሳይበር ኣብ ዝረኸብካዮ ቦታ ተንቀሳቓሲ ስልክኻ 'ቻርጅ' ምግባር፡ ኣደዳ ሰርሰርቲ [ሃከርስ] ክትከውን ከምዝገብር ይገልጹ።
እቶም ሰብ ሞያ ከምዝገልጽዎ፡ ሰርሰርቲ ምስ እነቐምጦም ዳታታት ርክብ ክፈጥሩን ጎዳእቲ መተግበሪታት ናብ ሞባይልና፣ ታብሌትን ላፕቶፕን ክጽዕኑ ዝኽእሉን ቻርጀራት ይጥቀሙ እዮም። እዚኦም ድማ ምስጢራዊ ዳታታት ቀዲሖም ክወስዱ ይኽእሉ።
ብተወሳኺ እቶም ንሰርሰርቲ ዘገልግሉ 'ዩኤስቢ ቻርጀራት' ብቕሊሉ ዝርከቡ ከምዝኾኑን፡ ሰባት ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ መተግበሪታት ኣብ ሞባይሎም እንትረኽቡ ክኸፍቱዎም ከምዘይብሎምን ይገልጹ።
ሰርሰርቲ ኮነ ኢሎም 'ውን ነቲ ናይ ምስርሳር ተግባሮም ዝሕግዙዎም ቻርጀራት ህዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ከባቢታት ገዲፎም ይኸዱ እዮም። እዚ ድማ ቻርጀር ዘይብሎም ሰባት ግዳይ ዝገብር እዩ።
ኣብ ልዕሊ ሞባይላት ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ኣብ 2017 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ ዝነበሮ 64.4 ሚልዮን፡ ኣብ 2018 ናብ 116.5 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ ካስፐርስኪ ላብስ ዝተብሃለ ትካል ሓለዋ ሳይበር ይገልጽ።
'ዩኤስቢ ኮንደም'
ተንቀሳቐሲ ስልክኻ ካብዚ ሓደጋ ምክልኻል ከቢድ ዝበሃል ኣይኮነን። እቲ ዝቐለለ መገዲ፡ ስልክኻ ካብ "ዩኤስቢ" ዘይኮነስ ብቐጥታ ካብ ሶኬት ምምላእ እዩ።
ብተወሳኺ
- ካብ ገዛኻ ቅድሚ ምውጻእካ ባትሩ ሞባይልካ ሙሉእ ምዃኑ ምርግጋጽ
- መሐለውታ ባትሪ ምሓዝ
- ዳታ ከይተሓላለፍ ዝካላኸል ናብ "ዩኤስቢ" ዝተሓሓዝ "ዩኤስቢ ኮንደም" ዝበሃል መሳርሒ ምጥቃምን ይከኣል።
ኮይኑ ግና ሰርሰርቲ "ዩኤስቢ" ጥራሕ ብምጥቃም ኣይኮነን ጉድኣት ከብጽሑ ዝኽእሉ። ብኣውርኡ ተጠቀምቲ ሞባይል ጉድኣት ክብጽሑ ዝኽእሉ ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ መተግበሪታት ከይጥቀሙ ክጥንቀቑ ኣለዎም።