ሕሉፍ ወልፊ ሞባይል፡ ንመንእሰያት ራዕዲ ከምዝፈጥረሎም ተገሊጹ

ሰለስቲ ሲሶ መንእሰያት፡ ጽግዕተኛ ወልፈኛታት ሞባይሎም ስለዝኾኑ፡ ሞባይል ምስ ተኸልኡ ራዕዲ ከምዝሕዞም፡ ብሓካይም ስነ-ኣእምሮ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣረዲኡ።

እቲ ኣብ ሎንደን ብዝርከብ ኪንግስ ኮለጅ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቶም መንእሰያት ሞባይሎም እንተተኸሊኦም፡ ናይ ወልፊ ጠባያት ከምዘርእዩን፡ ከምኡ'ውን ሻቕሎት ከምዝሕዞምን ተገሊጹ።

እቶም መንእሰያት፡ ምስ ሞባይሎም ዘጥፍእዎ ግዜ ክቖጻጸርዎ ከምዘይኽእሉ'ውን እቲ መጽናቲ የመልክት።

እቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ወልፊ ሞባይል ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ሓደገኛ ሳዕቤን ከኸትል ከምዝኽእል ይሕብር።

እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ 42 ሽሕ መንእሰያት ዘሳተፈ 41 መጽናዕቲ ኣካይዱ። ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ ከኣ፡ 23 ሚእታዊት እቶም መንእሰያት ምስ ሕሉፍ ወልፊ ዝመሳሰል ጠባያት ሻቕሎት ከምዘጋጥሞምን፤ ሕሉፍ ምጥቃም ሞባይል ነቲ ካልእ ንጥፈታቶም ከምዝዕንቅፎን ይገልጽ።

ከምዚ ዓይነት ሕሉፍ ጠባያት ወልፊ፡ ንጭንቀት፤ ቃዝኖት፤ ስእነት ድቃስን፤ ሕምቀተ ትምህርቲ ምትእስሳር ከምለዘዎ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

"ሞባይላት ናይ ግድን ክህልዋ እየን፤ ይኹን'ምበር ነቲ ሞባይል ዘስዕቦ ጸገማት ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ" ይብል ኒኮላ ካልክ፡ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላ ኣብ ክንግስ ኮለጅ።

ወለዲ፡ ንቖልዑን መንእሰያትን ደቆም፡ ብኸመይ ኣገባብ ሞባይል ክጥቀመሉ ከምዘለዎም ከርድኡን ንቕሓቶም ከዕብዩን ከምዘለዎም ድማ ኣዘኻኺሩ።

ጸሓፊት ሰማንታ ሶን፡ እቲ ሕሉፍ ወልፊ ሓደገኛ ሳዕቤን ኣእምሮ ስለዘኸትል፡ ኣብ መዓልታዊ ዝግበር ንጥፈታት ከምዝዕቀን ኣጠንቒቃ።

ኣሚይ ኦርቢን ግን፡ ሞባይል ምጥቃም ምስ ቅዛነት ምትእስሳር ኣለዎ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ ምዃኑ ትገልጽ።