ኢትዮጵያ፡ ንተንቀሳቓሲ ስልኪ ናብ ንኡሽቶ ባንኪ ዝቕይር 'ቴሌ ብር'

ድሕሪ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስቤዛ ሸሚትካ፣ ኣቑሑት ገዚእካ ወይ ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ንምፍጻም ደሊኻ ምራቕካ ቱፍ ቱፍ ኢልካ ገንዘብ ምቑጻር ዝተርፍ ይመስል።

ዕድጊት ምስ ፈጸምካ ''ቁጽሪ ሞባይልኪ/ካ እስኪ ንገርኒ/ንገረኒ'' ኢልካ ብተንቀሳቓሲ ስልክኻ ክፍሊት ክትፍጽም ትኽእል።

ብሓጺሩ ስልክኹም፡ ሓደ ባንኪ ዝህቦ ኣገልግሎት ክህብ ይኽእል እዩ ማለት እዩ። ከመይ?

ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝኾነት ኬንያ፡ ቅድሚ 14 ዓመታት ዝጀመረቶ 'ኤምፔሳ' [MPESA] ዝተባህለ ስርዓት ገንዘብ ሞባይል፡ ኣብዚ እዋን 72 ሚኢታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ከም ዝጥቀመሉ ሓበሬታ ቮክስ ዝተባህለ ድረ ገጽ የመልክት።

ኣብ ሸውዓተ ሃገራት ኣገልግሎት ዝህብ 'ኤምፔሳ' 42 ሚልዮን ንጡፋት ዓማዊልን 400 ሽሕ ወኪላትን ኣለዉዎ፡፡

50 ምኢታዊት ዓመታዊ ሓፈሻዊ ምህርቲ (GDP) ኬንያ፡ በዚ ስርዓት ኣቢሉ ይንቀሳቐስ።

ካብ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ኡጋንዳ፡ ናይ ባንኪ ሒሳብ ዘለዎም 11 ምኢታዊት ኮይኑ፡ ኤምፔሳ ዝጥቀም ህዝቢ ግን ልዕሊ 42 ሚኢታዊት እዩ።

ስለዚ ኣብዘን ሃገራት ድሕሪ ምትዕድዳግ፡ 'ስልኪ ቁጽርኺ/ኻ ንገርኒ/ንገረኒ' ምባል ዝተለመደ እዩ፡፡

ብሰሉስ 3 ግንቦት 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ወግዓዊ ዝኾነ ቴሌብር እውን ኣብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ፡፡

ኣገልግሎት ሞባይል ገንዘብ ኢትዮጵያ- 'ቴሌብር'

ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝገበረት ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍረ ህይወት ታምሩ፡ እቲ ትካል ዘለዎ መሰረተ ልምዓት ንድምጺ፣ መልእኽቲ፣ ጽሑፍን ኢንተርነትን ጥራሕ ክውዕል ጸኒሑ ኢላ።

እቲ ሕዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት ግና ገንዘብ ንምቕባል፣ ንምልኣኽ፣ ናይ ዕድጊትን ኣገልግሎትን ክፍሊት ንምፍጻም ክውዕልን ''ክፍሊት ንምስላጥ'' ክሕግዝን እዩ ትብል።

ብተወሳኺ ተጠቀምቲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝለኣኸሎም ገንዘብ ክቕበሉ ከም ዝኽእሉ እታ ዋና ፈጻሚት ገሊጻ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ፋይናንስ ብባንክን ተመሳሰልቲ ትካላትን ጥራሕ እናተውሃበ ከም ዝጸንሐ እትገልጽ ፍረ ህይወት፡ ኢትዮ ቴሌኮም እውን ኣብ ፋይናንሳዊ ስርዓት ንምስታፍ ዘኽእሎ ሕጋዊ መስርሕ ኣይነበረን ኢላ።

''ዋላ'ኳ ነቲ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ስርዓት ቴክኖሎጂ እንተተዘርገሐ፡ ኢትዮ ቴሌኮም ነዚ ኣገልግሎት ክህብ ዘኽእሎ ሕጋዊ መስርሕ ንምምሕያሽ ዝኸድናዮ ርሕቐት ግን ነዊሕ፣ ኣጸጋምን ፈታንን ነይሩ'' ክትብል ተዛሪባ፡፡

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ''ውረድ ደይብ'' ግና፡ እቲ ትካል ነዚ ኣገልግሎት ንክህብ ኣብቲ ዝተጣየሸሉ ሕጊ ምምሕያሽ ምስ ተገበረን ካብ ብሄራዊ ባንኪ ፍቓድ ምስ ረኸበን፡ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ወግዓዊ ከም ዝተገበረ ሓቢራ፡፡

ብተወሳኺ ተመሳሳሰልቲ ኣገልግሎታት ንምሃብ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ከም ዝወስድ ብምግላጽ "ኮይኑ ግና ፍቓድ ከም እንረክብ ተስፋ ብምግባር ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ምድላው ጌርና ኢና'' ኢላ፡፡

ኣገልግሎት ከመይ ምርካብ ይከኣል?

ኢትዮ ቴሌኮም 53 ሚልዮን ዓማዊል ዘለዎ ኮይኑ፡ ካብዚኦም እቶም 25 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኢንተርነት እዮም።

23 ሚልዮን ድማ ስማርት ስልኪ ኣለዎም።

ስለዚ እቶም 23 ሚልዮን ነዚ ኣገልግሎት ንምጥቃም ዝተዳለወ መተግበሪ ጽዒኖም፡ ምጥቃም ከም ዝኽእሉ እታ ዋና ፈጻሚት ስራሕ ትገልጽ፡፡

ኮኸብን (*) መሳልልን (#) ብምጥዋቕ ኣብ ዝቐርቡ ኣገልግሎታት ወይ USSD፡ ከምኡ ድማ ብሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ምጥቃም ካልእ ኣማራጺ ከም ዝኾነ እውን ሓቢራ፡፡

ሞባይል ኣብ ዝፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ብብዝሒ ዝርከብ ብምዃኑ ካብ ትካላት ገንዘብ ብዝሐሸ ናይ ገንዘብ ምንቅስቓስ ንምዕባይ ይሕግዝ እዩ ኢላ።

ዕላማ ቴሌ ብር ናይ ባንክን ተመሳሰሊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን ንዘይረኸበ ክፋል ማሕበረሰብ ተበጻሒ ንምግባር እዩ፡፡

ነዚ ኣገልግሎት ንምርካብ፡ ተጠቀምቲ ባዕሎም ነቲ መተግበሪ ብምውራድ ወይ #127* ብምድዋል፡ ወይ እውን ናብ 127 ሓጺር መልእክቲ ብምስዳድ ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ እታ ዋና ፈጻሚት ገሊጻ፡፡

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ካብ 40 ክሳብ 50 ምኢታዊት ዝኸውን ዝውውር ገንዘብ ኢትዮጵያ ብቴሌ ብር ክኸውን ተሊሙ እዩ፡፡

ኣብዚ እዋን ገንዘብ ናብ ቴሌ ብር ኣታውን ወጻእን ንምግባር 1500 ወኪላት ከምዝተዳለዉ ብምግላጽ እዚ ቁጽሪ ኣብ ሓደ ዓመት ናብ 15 ሽሕ ንምዕባይ ከምዝተተለመ እውን እታ ፈጻሚት ስራሕ ኣብሪሃ፡፡

ቴሌብርን ኣገልግሎት ሞባይል ባንክን

ኣብ ኢትዮጵያ ሞባይል ስልኪ ተጠቒምካ ገንዘብ ምዝውዋር ከም ዝከኣል ዝተፈላለዩ ባንኪታት የፋልጡ እዮም፡፡

ስለዚ ቴሌ ብር ካብዚኦም ብምንታይ ይፍለ ክንብል ንዘቕረብናላ ሕቶ እታ ዋና ፈጻሚት ''ንሕና ዓማዊልና 53 ሚልዮን በጺሖም እዮም፤ ተጠቀምቲ ባንኪ ግን ኣብኡ ኣይበጽሑን፡፡ ስለዚ ዘይበጻሕናሉ ሰፊሕ ክፋል ማሕበረሰብ ክንበጽሐሉ ይሕግዘና እዩ'' ብምባል መሊሳ፡፡

ብካልኣይ ደረጃ ድማ '' ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ብቐሊሉ ተበጻሒ ንምግባር፡ ቴክኖሎጂ ሞባይል ባንኪታት ካብ ዝበጽሕዎ ንላዕሊ ንምብጻሕ የኽእል እዩ'' ኢላ፡፡

ካብዚ ብዝዘለለ ድማ እታ ሃገር ናይ ወረቐት ገንዘብ ንምሐታም እተውጸኦ ወጻኢ ከምዝንክን፡ ኢትዮ ቴሌኮም ከምቲ ናይ ኣየር ሰዓት ንዓማዊሉ ዘለቅሕ፡ ገንዘብ ብቴሌ ኣቢሉ ልቓሕ ንምሃብ ዘኽእል ስርዓት ንምዝርጋሕ ትልሚ ከም ዘለዎን ሓቢራ፡፡

ናብ ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንዝዋፈሩ ትካላት ወጻኢ፡ ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ክህቡ ከም ዘይፍቀድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኣሕመድ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምጅማር ገሊጹ ነይሩ፡፡

በዚ ምኽንያት ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ይበጽሖም ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ '' ብቐጥታ ምስ ብሄራዊ ረብሓ ዝተሓሓዝ እዩ፡፡ ንውድድር ዘኽእል ልምዲ ስለዘይነበረናን ተረባሕቲ ስለዘይገብረናን እዩ'' ኢሉ።

ኮይኑ ግና ኢትዮ ቴሌኮም በይኑ ነቲ ኣገልግሎት ዝህብ እንተበዘሐ ንሓደ ዓመት እዩ ኢሉ፡፡

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብዚ ዓመት 20 ሚልዮን ዓማዊል ከም ዝምዝግብን፡ ካብዚኦም ኣስታት 12 ሚልዮን ንጡፋት ዓማዊል ብምሓዝ 710 ሚልዮን ብር ንምንቅስቓስ ትልሚ ኣውጺኡ ከም ዘሎን ተገሊጹ፡፡