ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኒውዚላንድ ክታበት ፒፋይዘር ዝወሰደት ጓል ኣንስተይቲ ሞይታ

ኒውዚላንድ፡ ምስ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ፒፋይዘር ብዝተኣሳሰር'ዩ ዝበለቶ ፈላማይ ሞት ኣመዝጊባ።

ቦርድ ምቁጽጻር ውሕስነት ክታበት [ብሕታዊ] ከም ዝበሎ፡ ሞት እታ ጓል ኣንስተይቲ ብነድሪ ጭዋዳ ልቢ [myocarditis] ዝሰዓበ "ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ነድሪ ጭዋዳ ልቢ "ሓሓሊፉ" ዘጋጥም ጎናዊ ሳዕቤን ከም ዝኾነ ተቖጻጸርቲ መድሃኒት ኣውሮጳ ክገልጹ እንከለው፡ እቲ ክታበት ግን ረብሕኡ ይዛይድ ይብሉ።

ክሳብ ሕጂ ግን ወግዓዊ ምኽንያት ሞት እታ ግዳይ ኣይተፈልጠን።

እንተኾነ፡ እቲ ቦርድ እቲ ነድሪ ጭዋዳ ልቢ "ምናልባት ብሰንኪ እቲ ክታበት ዝስዓበ" ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ።

"እዚ ምስ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ፒፋይዘር ብዝተሓሓዝ ኣብ ኒውዚላንድ ዘጋጠመ ፈላማይ ሞት'ዩ። ማእከል ክትትል ኣሉታዊ ምላሻት ሞት ካልኦት ኣብ ቀረባ ክታበት ዝወሰዱ ሓበሬታ በጺሑዎ'ዩ፤ ይኹን'ምበር እዚኦም ምስቲ ክታበት ዝተኣሳሰር ነገር የብሎምን" ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ሞት እታ ጓል ኣንስተይቲ ተወሳኺ ምጽራይ ይግበረሉ ኣሎ፡ ካብቲ መርመራ ኣስክሬን ዝርከብ ውጽኢት ነቲ ጉዳይ መዕለቢ ክገብረሉ እዩ።

ሰብ መዚ ግን ዕድመ እታ ግዳይ ሓዊሱ ክሳብ ሕጂ ዝሃቡዎ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

ኤጀንሲ መድሃኒታት ኤውሮጳ፡ ነድሪ ጭዋዳ ልቢ "ሓሓሊፉ" ዝኽሰት ጎናዊ ሳዕቤን ክታበታት ፒፋይዘርን ሞዴርናን ከም ዝኾነ ክገልጽ እንከሎ፡ እዚ ጎናዊ ሳዕቤናት ኣብ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ልሙድ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር፡ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ንከቢድ ሕማማት ካብ ምቅላዕ ሰባት ሕጂ'ውን ክኽተቡ ኣለዎም ኢሉ።

ምልክታት ነድሪ ጭዋዳ ልቢ፡ ሓድሽ ቓንዛ ኣፍልቢ፣ ሕጽረት ምትንፋስን ዘይስሩዕ ትርግታ ልብን ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።

ሰብ ሞያ ክታበት ምስ ወሰደ እዞም ምልክታት ዝተራእዮ ሰብ ቕልጡፍ ሕክምናዊ ረድኤት ክጠልብ ይምሕጸኑ።

ሎሚ: ሰብ መዚ ኒው ዚላንድ ሕጂ'ውን እቲ ክታበት "ኣብ ኒው ዚላንድ ክንጥቀሞ ኢና" ኢሎም።

ከም ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፒኪንስ ኣብታ ሃገር 3,465 ሰባት በቲ ቫይረስ ክሓሙ እንከለው፡ ሞት 26 ሰባት'ያ ኣመዝጊባ።

ኣብ መጀመርታ እታ ሃገር ኣብ ኣተኣላልያ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ዘርኣየቶ ብሉጽ ተሞኩሮ ክትንኣድ ኣኽኢሉዋ እዩ።

ኣብዚ እዋን ልዕሊ ሰለስተ ሚሊየን ክታበታት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል'ኳ እንተገበረት ክሳብ ሕጂ ግን 23 ሚኢታዊት ህዝቢ ጥራይ'ዩ ተኸቲቡ።

ኣብ ቀረባ ብምኽንያት እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ዴልታ ብዘጋጠመ መልከፍቲ ገለ ኽፋል እታ ሃገር ኣብ ዕጽዋ ምእታው ይፍለጥ።

ኣብታ ኣስታት ሓሙሽተ ሚሊየን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣብዚ እዋን ልዕሊ 560 ሰባት በቲ ቫይረስ ሓሚሞም ኣለው።

ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ገለ እገዳታት ክፎኽሱ ምዃኖም ድማ ተሓቢሩ።