ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት እንታይ ተባሂሉ?

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዘሎ ኲናት ኣመልኪቱ ትማሊ ሓሙስ 26 ነሓሰ ዝርርብ ኣካዪዱ።

እቲ ባይቶ፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ብተደጋጋሚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዕጽውን ክፉትን ዝርርብ ምግባሩ ይዝከር። እዚ ናይ ትማሊ ርክብ'ውን ብክፋል ክፉት ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ዙር እቲ ዝርርብ ብዕጽው እዩ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ኣኼባ እተን ኣባላት እቲ ባይቶ ብዛዕባ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ርእይቶአን ሂበን ኣለዋ። መን እንታይ በለ?

ሕቡራት ሃገራት

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ እቲ ካብ ትግራይ ተበጊሱ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ዘሎ ኲናት ደው ኢሉ፡ ኩሎም ወገናት ናብ ዝርርብ ክመጽኡ ኣለዎም ክብል ንባይቶ ጸጥታ ተዛሪቡ።

ኩሎም ኣካላት ተኹሲ ኣቋሪጾም ነቲ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ከናድዩ ብተደጋጋሚ ዝሓተተ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ትማሊ'ውን ነቲ መርገጺኡ ኣንጸባሪቑ።

"ኩሎም ወገናት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ተኵሲ ደው ኣቢሎም ናብ ዝርርብ ከምጹ ኣለዎም። ንኢትዮጵያ ክብሉ ንሰላማዊ መገዲ ኣማራጺ ክገብሩ ኣለዎም። ንኹሉ ዘሳተፈ ፖለቲካዊ ዝርርብ የድሊ። ናይ ደገ ሓይልታት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣለዎም" ኢሉ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብዘይ ቅድመ ኩነት ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ዝሓተተ ጉተረዝ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም እተዘራረበን፡ ንርእሱ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኢሉ ናይ ዝጽውዕ ኣካል መራሒ ንዝኾነ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ደብዳበ ከምዝለኣኸሉ ተዛሪቡ።

ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ብምዃን፡ ንኹሉ ዘሳተፈ ዝርርብ ክካየድ ድጋፍ ከምዝገብር'ውን ገሊጹ።

"ወተሃደራዊ ግጭት መፍትሒ ከምዘየምጽእ ኩሎም ወገናት ክግንዘቡ ኣለዎም" ድማ ኢሉ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምዃን ብሓባር ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ናብ ምዝዛም ተቓሪቡ ምህላው ጉተረዝ ኣመልኪቱ።

እቲ ዋና ጸሓፊ ዘልዓሎም ሰለስተ ቀንዲ ገዳያት፡ ኩሎም ወገናት ብቕልጡፍ ተኵሲ ደው ከብሉ፣ ቀይድታት ዘይብሉ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕ መገዲ ብምኽፋት ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህቡ መሰረተ ልምዓት መሊሶም ክኽፈቱን ብኢትዮጵያ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ዝርርብ ክጅመርን ዝብሉ እዮም።

"ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ሰላም እቲ ዞባን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ" ዝበለ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ እቲ ኲናት ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ኪንዮ ምስጋሩ ካልኦት ሓይልታት እቲ ዞባ ከም ዝኣተውዎ ገሊጹ።

"ነቲ ኩነታታት ዘበኣእስ ዘረባታትን ብብሄር ተሞርኪዝካ ንሰባት ዕላማ ምግባር ተጋዲዱ ኣሎ። ደቂኣንስትዮን ህጻናትን ጾታዊ መጥቃዕቲ ይበጽሖም ኣሎ። ነዚ ኣትሪረ እኹንን" ክብል ነቲ ባይቶ ተዛሪቡ።

ኪንዮ ሰብኣዊ ቅልውላው ቁጠባ ኢትዮጵያ እናንቆልቆለ፣ ልቃሕ እታ ሃገር እናወሰኸ፣ ልቃሕ ናይ ምርካብ ዕድል እናጸበበ፣ ናህሪ ዋጋታት እናወሰኸን መሰረታዊ ናይ መግቢ ቀረብ እናተወድአ ምምጽኡ'ውን ገሊጹ።

ኢትዮጵያ

ኣብ ሕቡራት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሴ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘስምዖ ቃል "መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ንምስፋን ዝወሰኖ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ህወሓት ክቕበሎ ጸቕጢ ክግበር ይግባእ" ኢሉ።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንሉኣላውነት ኢትዮጵያ ኣኽቢሩ ሃናጺ ብዝኾነ መገዲ ጥራይ ነታ ሃገር ክሕግዝ ከም ዝግባእ'ውን ተዛሪቡ።

"ሸቶና ሰላም እዩ። ህወሓት ግና ኣብ መንጎ ሰላምን ኢትዮጵያን ደው ኢሉ ኣሎ። ህወሓት ግዳይ ዘይኮነ ኣጥቃዒ እዩ" ዝበለ እቲ ኣምባሳደር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክወርድ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ጸቕጢ ክገብር ኣተሓሳሲቡ።

ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዝሓልፈሉ ቦታታት ዘሎ ተፍትሽ ንምጉዳልን ነቲ ተፍትሽ ብዘመናዊ መሳርሒ ንምክያድ ኢትዮጵያ ድልየት ከም ዘለዋ ብምሕባር፡ ሰብኣዊ በረራ ከም ዝተፈቐደ ገሊጹ።

እቲ ኣምባሳደር ነዚ ዝበለ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስን ወኪል ኣመሪካን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምቕራብ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘሎ መሰናክላት ድሕሪ ምንቃፎም እዩ።

ከም ኤለክትሪክን ስልክን ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓት ብዝምልከት "እቲ ኣገልግሎት ዝጅመር ሰላምን ሕግን ምስ ዝሰፍን እዩ" ክብል ምላሽ ሂቡ።

ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክበጽሕን ህዝቢ እቲ ክልል ሰላም ክረክብን፡ መንግስቲ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ እንተገበረ፤ ህወሓት ነቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣስፊሑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ነቲ ባይቶ ተዛሪቡ።

ህወሓት ሰብኣዊ ረድኤት ከይበጽሕ ጌሩ እዩ ዝበለ ኣምባሳደር ታዬ፡ እቲ ጉጅለ ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእ ከም ዝፈጠረን መንግስቲ ሰላም ንምስፋን ሓላፍነቱ ይዋጻእ ምህላውን ኣረዲኡ።

ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ምህላው ኣመልኪቱ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዝቐርብ ክሲ ብዝምልከት "ብሄር መሰረት ዝገበረ ኣፈላላይ የሎን። መምርሒ ኣሎና" ክብል ነጺግዎ።

ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ነቲ ጉዳይ ምትዕብባይን ፖለቲካዊ መልክዕ ምሃብን ንውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘይልውጦ" ኣፍሊጡ።

ኣመሪካ

ተኹሲ ደው ንምባልን ንዘተን ጻውዒት እኳ እንተተገበረ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ የንቀሳቕስ ምህላዉን፡ ህወሓት'ውን መጥቃዕቱ ናብ ዓፋርን ኣምሓራን ብምስፋሕ ብኣማኢት ኣሽሓት ክፈናቐሉ ይገብር ምህላው ብምግላጽ፤ እዚ ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝሓተት ወኪል ኣመሪካ እያ።

ሓይልታት ኤርትራ ናብ ትግራይ ተመሊሶም ኣትዮም ኣለው ብምባል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዘለው ዕጡቓት ጉጅለታት ዝተፈጠረ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ሰፊሕ ኲናት ናይ ምውላዕ ስግኣት ዝፈጥር እዩ ኢላ።

ኣመሪካ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትን ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰባ ዘመልከተት ወኪል ኣመሪካ፡ ኩሎም ሓይልታት ተኹሲ ደው ከብሉ፣ መንግስትን ህወሓትን ንቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከፍቅዱ፣ ኣብ ዘተ ዝተመርኮሰ ተኹሲ ደው ምባል ክግበርን ሓይልታት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ሕጂ ክወጹ ሓቲታ።

ሚልዮናት ረድኤት ኣብ ዝደልዩሉን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ንጥሜት ተቓሊዑ ኣብ ዝርከበሉ ኩነታት፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኮነ ኢሎም ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ጌሮም ክትብል ክትከስስ እንከላ እዚ ብቕልጡፍ ተኣሪሙ ረድኤት ከምዝቐርብ ክግበር ኣለዎ ኢሉ።

ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት'ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕትታት ከም ዝፍጸም ጸብጻባት ከም ዘሎ ብምጥቃስ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓደ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛ ብሓይልታት ህወሓት ከም ዝተቐተለን ናይ ረድኤት መኻዚኖ ብህወሓት ከም ዝተዘመተን ገሊጻ።

ኤርትራ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ቅልውላው ኣብ ምብእኣስ ዘለዋ ግደ ንኣመሪካ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስባ ዝተዛረበት እታ ኣምባሳደር፡ እዚ፡ ምቁራጽ ተኹሲ ንምግባርን ብዘተ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምንዳይ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ኢላ።

ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንሰራዊት ኤርትራ ዝኸሰሰት እታ ተወካሊት፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እገዳ ምንባራ ብምዝኽኻር፤ ሃገራ ተወሳኺ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዳ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ሓቲታ።

ኩሎም ወገናት ወተሃደራዊ ስጉምቲ መፍትሒ ከም ዘየምጽእ ተረዲኦም፡ ተኹሲ ንምቁራጽን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብን ብቕልጡፍ ናብ ዝርርብ ክመጹ ሓቲታ።

ህንዲ

እቲ ኲናት ብመገዲ ህወሓት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቖልዑ ናብ ውትህድርና ክዋፈሩ ከም ዝገበረን ተወካሊ ህንዲ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምምሕያሽ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምንባሩ ብምዝኽኻር፡ እቲ ምቁራጽ ተኹሲ በቲ ካልእ ወገን ተቐባልነት ብዘይምርካቡ እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ከባቢታት ብምስፍሑ እቲ ዝበጽሕ ጉድኣት ምውሳኹ ገሊጹ።

ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ ተወካሊ ህንዲ ወሲኹ'ውን መንግስቲ ነቲ ጸገም ንምእላይ ምስ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ናይ ረድኤት መሻርኽትን ሓቢሩ ይሰርሕ ምህላው ብምግላጽ፤ በቲ ዝገበሮ ጻዕሪ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ይመሓየሽ ምህላው ሓቢሩ።

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ንእትገብሮ ጻዕሪ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣድላዪ ሓገዝ ክግበረላ ከምዝግባእን ብፍላይ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ድጋፍ ክገብሩ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ንዘሎ ጸገም መፍትሒ ንምምጻእ ኢትዮጵያ ባዕላ እትመርሖ ሕገ መንግስታ ዘፍቅዶ ክኸውን ከም ዘለዎ ብምግላጽ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ምትእምማን፣ ዕርቅን ዘተን ክህሉ ከምዘለዎ ኣመላኺቱ።

ሃገሩ ንሓድነት ኢትዮጵያ፣ ነጻነትን፣ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ክኽበር ከምዘለዎ ከም እትኣምን ገሊጹ።

ኬንያን ካልኦትን

ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ርእይቶ ዘቕረበ ወኪል ኬንያ፡ ብዘይካ ናይ ሃገሩ፡ ናይ ኒጀር፣ ሴይንት ቪንሰንትን ግሪናድስን ከምኡ'ውን ናይ ቱኒዝያ ዘጠቓልል ምዃኑ ብምምልካት፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ንዝገበሮ ጻዕሪ ኣድኒቑ።

እቲ ወኪል ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ንዘሎ ኲናት ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ኩሎም ወገናት ሰላማዊ ሰባት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጉድኣት ደው ከብሉ፣ ረድኤት ንዝተጸገሙ ሰባት ክበጽሕ ከፍቅዱ፣ ተኹሲ ደው ከብሉ፣ ንዘተ መገዲ ንምክፋት፡ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ንህወሓት ኣሸባሪ ዝበለሉ ውሳነ ከልዕልን ኩሎም ወገናት ንዘተ ፍቓደኛታት ክኾኑ ሓቲቱ።

ወሲኹ'ውን ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ፣ ሃብታማት ሃገራት ንሰብኣዊ ረድኤት እኹል ገንዘብ ከቕርቡ፣ ዓለምለኻዊ ትካላት ንቁጠባ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ድጋፍ ክህቡ፣ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ሃስያ ከስዕብ ዝኽእል ዝኾነ በይነኣዊ እገዳ ካብ ምግባር ክቑጠቡ ከምኡ'ውን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሰላም ንምምጻእ ተርኡ ክጻወት ሓቲቱ።

ቻይና

ተወካሊ ቻያና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ምስፋንን ናይ ዝተፈላለዩ ብሄራት ተወለድቲ ብሰላም ክነብሩ ምኽኣልን ካብታ ሃገር ሓሊፉ ነቲ ዞባ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ።

"ኩሎም ወገናት ነቲ ጸገም ብፖለቲካዊ ዘተ ክፈትሕዎ እዮም ኢልና ተስፋ ንገብር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቻይና ትድግፎ'ያ" ኢሉ።

እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው እናበኣሰ ከም ዝመጸን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ረድኤት ዝደልዩ ሰባት ቁጽሪ ይውስኽ ምህላው ብምግላጽ፡ ኩሎም ኣካላት ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕ ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ትግራይን ካልእ ከባብታትን ሰብኣዊ ረድኤት ዝህቡ ትካላት ንሉኣላውነት ኢትዮጵያ ከኽብሩን መምርሒታት ሕቡራት ሃገራት ክስዕቡን'ውን ሓቲቱ።

ቻይና ትገብሮ ከም ዘላ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ንዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ዕርቅን ደው ክብል ሓቲቱ።

"ብስም ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ደገ ምትእትታው ክህሉ የብሉን። ናይ ኣፍሪቃ ጸገም ብኣፍሪቃውያን ይፈታሕ" ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተነበሩ እገዳታት ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጻረሩን ነቲ ጸገም ካብ ምፍታሕ ዘጋድዱን ምዃኖም'ውን ተዛሪቡ።

ሩስያ

ወኪል ሩስያ ብወገኑ ናብ ትግራይ ረድኤት ንምልኣኽ ኣብ ሰመራ ተተኺሉ ዘሎ መተሓላለፊ ዝግባእ ኣገልግሎት ክህብ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ወሲኹ'ውን "ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ካብ ፖለቲካ ፈሊኻ ምርኣይ የድልይ። ኣብ ትግራይ ብዝግበር ሰብኣዊ ረድኤት ኣድልዎ ክህሉ የብሉን። ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያን ሶማልን ሓገዝ የድልዮም እዩ" ክብል ነቲ ባይቶ ተዛሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘተ ከም ዘድልይን እዚ ብመሪሕነት ኢትዮጵያውያን ክካየድ ከም ዘለዎን ሓቢሩ።

"ናይ ወጻኢ ሓገዝ ንልኣላውነትን ፖለቲካዊ ነጻነትን ኢትዮጵያ ብዝሓለወ መልክዑ'ዩ ክወሃብ ዘለዎ" ክብል'ውን ገሊጹ።

መንግስቲ ፌደራል ነታ ሃገር ናብ ሓድነትን ሰላምን ናይ ምውሳድ ዓቕሚ ከም ዘለዎ'ውን ተዛሪቡ።

ንኹሉ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተገበረ እገዳታት ብምውጋዝ ድማ፡ ናይ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ርእይቶታት ክካተት ከም ዘለዎ ኣጽኒዑ ተዛሪቡ።