እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብርክት ዝበለ ሰራዊት ዓቃቢ-ሰላም ኢትዮጵያ ብጠለብ ሱዳን ካብ ኣቢዬ ክወጽእ'ዩ
ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግዝኣት ኣቢዬ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ተዋፊሮም ዝርከቡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ሱዳንን ከም ዝተሰማምዑ ተገሊጹ።
ማዕከን ዜን መንግስቲ ሱዳን ሱና ከም ዝጸብጸቦ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ማርያም ኣል-ሳዲቕ ኣል-ማሕዲ ምስ ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዝገበረቶ ዝርርብ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ኣቢዬ ክወጽኡ እዮም።
ኢትዮጵያ ድሕሪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ሰራዊታ ካብ ዶብ ሱዳን ምንቅስቓሳ ስዒቡ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ስፍራታት ብምሓዛ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምስሕሓብ ከም ዝተፈጥረ ይፍለጥ።
ነዚ ስዒቡ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን "ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ምብራቓዊ ዶባት ሱዳን ብዝሑ እናወሰኸ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ስትራቴጂካዊ ኣብ ዝኾነ ማእከላይ ክፋል ሱዳን ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ክጸንሑ ምፍቃድ ምኽንያታዊ ኣይኮነን" ብምባል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያውያን ዓቀብቲ ሰላም ካብታ ሃገር ከውጽእ ሓቲቱ ነይሩ።
እታ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ፍሉይ ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፓራፊት ኦናንጋ- ኣንያንጋን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ኣብ ዝተሳተፉሉ ብማንዛ ኣብ ዝተገብረ ዝርርብ፡ ብመሰረት ጠለብ ሱዳን እቶም ኢትዮጵያውያን ወተሃደራት ክወጽኡ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ሱና ሓቢሩ።
በዚ መሰረት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግዝኣት ኣቢይ ኣብ ዘዋፈሮ ዓቃቢ ሰላም ሓይሊ ኣባላት ዝኾኑ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዝኾኑ ወተሃደራትን ኣባላት ፖሊስን ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ ሱዳን ክውጽኡ ምዃኖም ተገሊጹ።
እታ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ወሲኻ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ግዝኣት ብዝጸፈፈ መገዲ ክወጽኡን ናይ ካልእ ሃገር ሓይሊ ክትክኦምን ኣድላዪ ምትሕብባር ክግበር ምዃኑ ሓቢራ።
እቲ 'ዩኒስፋ' ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ዓቃቢ ሰላም ንሱደንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘሰሓሕብ ብባህርያዊ ሃብቲ ልዑል ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ዝግለጽ ግዝኣት ኣቢዬ ዝተዋፈረ እዩ።
ደቡብ ሱዳን ነጻ ሃገር ድሕሪ ምዃና ብውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ንምውሓስ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአ ሓይሊ ናብቲ ስፍራ ምውፋሩ ዝዝከር እዩ።
ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ግዝኣት ካብ ዘዋፈሮም ዓቀብቲ ሰላም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ይሕዝ።
ኣብ ኣቢዬ ብሓፈሽኡ 4,190 ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ዓቀብቲ ሰላም ክህልው እንከለው ካብኦም እቶም 3,158 ወተሃደራትን ሸውዓተ መኮንናት ፖሊስን ካብ ኢትዮጵያ ምዃኖም መረዳእታታት እቲ ውድብ የመልክት።