ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ጻዕሩ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምምጻእ ጻዕሩ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ናብ ልዝብ ምእንቲ ክበጽሑን ነቲ ጎንጺ መዕለቢ ክገብሩሉን ምእንቲ ሃገሩ ንኩሎም ወገናት ክትረክብ ምኽኣላ'ውን ተዛሪቡ።

ብሰንኪ እቲ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣቍጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክቕተሉ እንከለው ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም፤ ብዙሓት ድማ ንሓደጋታት ዓጸቦ ተቓሊዖም ምህላዎም ይግለጽ።

ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ኲናት ትግራይ ዝሃደሙ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣዕቝባ ትርከብ።

ኢትዮጵያ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ነቲ ሱዳን ዘቕረበቶ ናይ ምሽምጋል ሓሳብ ክትነጽጎ እንከላ፤ ኣብ ልዕሊ ገለ መራሕቲ ሱዳን ዝነበራ እምነት ከምዝጠፍአ ምግላጻ ይዝከር።

ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን እምነት እተሕድረሉ ኩነታት እንተዘይተፈጢሩ ሱዳን ከም ተኣማኒት መተዓረቒት ምቕባል ዝኸብድ ምዃኑ ተዛሪባ ነይራ።

ኢትዮጵያ ነቲ ተበግሶ ድሕሪ ምንጻጋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ኣምባሳደራ፡ ንምምኽኻር ብዝብል ከም ዝሰሓበቶ ይፍለጥ።

ነቲ ዝጋደድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ንምግታእ ክልቲአን ሃገራት ምስ ካልኦት ዓለምለኻዊ መሻርኽተን ኮይነን ብሓባር ንክሰርሓ ከም ዝተስማምዓ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ዝርርብ ዞባዊ ሰላም ዘማእኸለ ከም ዝነበረ'ውን ይግለጽ።