እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኤርትራዊ ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪካ ሓደ ካብ ዝበለጹ 50 ትካላት ኣፍሪቃ ተባሂሉ
ብኤርትራዊ ዝውነን ኣፕቴክ ኣፍሪካ ዝተባህል ትካል፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብቴክኖሎጂ፣ ብዲጂታላዊ ስራሓትን ብተተካኢ ጸዓትን ለውጢ ዘምጽኡ ዘለዉ 50 ትካላት ተባሂሉ ተረቑሑ።
ኣፍሪካን ዲጂታል ቻምፕዮንስ ኣብ ጋና ዝመደበሩ ማዕከን ኮይኑ ኣብ ስርሓቶም ተተካኢ ጸዓትን ቴክኖሎጂን ኣጣሚሮም ንዝሰርሑ ኣፍሪቃውያን ትካላት ንዝበለጹ 50 ዓመታዊ ኣፍልጦ ይህብ።
መስራትን ላዕለዋይ ሓላፍን እቲ ትካል ኢንጂነር ግርማይ ዘርኣይ ኣብርሃም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ንዓወት ዘብጽሖም ሮቛሒ እቲ ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ዘተኣተትዎ 'ፐይ ኤንድ ፓምፕ' ዝብል ኣገባብ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
"ፐይ ኤንድ ፓምፕ ትሑት እታዎታት ዘለዎም ሓረስቶት ብጻሓያዊ ጽዓት ዝሰርሓ ሞተር ማይ ምስ ዲጂታላዊ ኣገባብ ኣተሓሒዝና ንሕና ንህቦም ንሶም ኸኣ ብመጠን እቲ ዝጭንጉዕዎ ማይ ሰሪሖም ይኸፍሉና። በዚ ኣገባብ እዚ ብዙሓት ሓረስቶት ኡጋንዳ መስተርሆት ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ" ኢሉ።
ኢንጂነር ግርማይ ብምስዓብ ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተወዳደሩ ብዙሓት ሰባት ከም ዝነበሩን ካብኦም ተጻርዮም ናብ ሓምሳ ከም ዝውረዱን እዩ ዝገልጽ።
"እቲ ዕድል ንኹሉ ኣፍሪቃዊ ክፉት ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ባይታ ሰሪሕካ ኣብ ከባቢኻ ለውጢ ዘምጻእካሉ ስራሕ ነቶም ነቲ ውድድር ዘዳልዉ ተቕርበሎም፤ ንሶም ኸኣ ንኹሎም እቶም ተወዳደርቲ [ኣሽሓት] መምዮም ዝበለጹ ዝበልዎም ሓምሳ ይሮቍሑ። በዚ ኣገባብ እዩ ኣፕቴክ ኣፍሪካ ምስቶም ሓምሳ ክስራዕ ክኢሉ ዘሎ" ኢሉ።
ኣብ 2006 ኣብ ኤርትራ ዝተመስረተ ትካል ኣፕቴክ ኣፍሪካ ኣብዚ እዋን ማእካለይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ኮይኑ ብሓፈሻ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪካን ካልኦትን ዝርከብአን ኣብ ሸውዓት ሃገራት ኣፍሪቃ ጨናፍር ብምግባር ኣብ ምንጣፍ ይርከብ።
"እዚ ፐይ ኤንድ ፓምፕ ዝብል ኣገባብ ኣብ ኡጋንዳ ኢና ነካይዶ ዘለና፤ ኣብ ቀረባ እዋን ኸኣ ሓረስቶት ኤርትራ'ውን ተጠቀምቲ ናይዚ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ መጨንጉዒ ማይ ክኾኑ ጻዕሪ ንገብር ኣለና" ይብል።
ኣፕቴክ ኣፍሪካ ኣብ ኩለን እተን ጨናፍሩ ዘርጊሑለን ዘሎ ሃገራት ዝተፈላለየ ብጽሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክትታት ዘርጊሑ ኣሎ።
ሓደ ካብኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ብጽሓያዊ ጽዓት ዝሰርሕ ናይ 82 ኪሎ ዋት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ መጨንጉዒ ማይ እዩ።
ኢንጂነር ግርማይ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 14 ዓመታት ናይ ትካሎም ግዕዞ ብዙሕ ተመክሮ ከም ዝደለቡ ብምሕባር፡ እቲ ውህሉል ተመክርኦም ናብ ዝለዓለ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ከበርኾም ምኽኣሉ ይሕብር።
"ከም ትካል ናብዚ ደረጃ እዚ ምብጻሕና ኣዚና ሕጉሳት ኢና፤ ዝሰራሕካዮ ነገር ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክውሃቦን ሓደ ካብ ዝበለጹ ክብሃልን ኸኣ ዘየሐጉስ ኣይኮነን። ኣብቲ ውድድር ኣብ ኤርትራ ካብ ዝተመስረቱ ትካላት ወኪልና ስለ ዝተወዳደርና ንሃገርና'ውን ክብሪ እዩ" ይብል።
ብምስዓብ "ብኣፍሪካን ዲጂታል ቻምፕዮን ክንርቋሕ ንሕና ካብ ኩሎም ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ዝበለጽና ስለ ዝኾንና ኣይኮነን። ብዙሓት ኣብ ዝተፈላላየ ጽላታት ወፍሪ ዘካይዱ ኤርትራውያን ኣለዉ፤ ስለዚ ነቲ ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሓት ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ንኽረኽብሉ ንዝፈጥር ዕድላት ክጥቀምሉ ይምሕጸን" ኢሉ።
ኢንጂነር ግርማይ ትካል ኣፕቴክ ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ብዓሊባባ ፋውንደሽን ዓመታዊ ኣብ ዝካየድ 'ኣፍሪካን ቢዝነስ ሄሮ' ብዙሓት ተጻርዮም ምስቶም ዝበለጹ 20 በጺሖም ምህላዎም እዩ ሓቢሩ።
"ብዓሊባባ ፋውንደሽን ዝካየድ ዓመታዊ 'ኣፍሪካን ቢዝነስ ሄሮ' እቲ ምጽራይ ቀጻሊ ኮይኑ ምስቶም ዝበለጹ 20 በጺሕና ኣለና፡ ካብዚ ንላዕሊ ክንቅጽል ተስፋ ንገብር ከም ትካል ግን ክሳብ እዚ ደረጃ እዚ ምብጻሕና ሕቡናት ኢና" ኢሉ።
ኣፍሪካን ዲጂታል ቻምፕዮን ካብ ነሓሰ 2020 ክሳብ ሰነ 2021 ኣብ ዝተኻየዱ ንጥፈታት ናይ ውልቀ ትካላት ብምግምጋም ዓመታዊ ኣፍልጦ ዝህብ ማዕከን እዩ።
ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ማዕከን ፎስቴር ኮፊ ሳም ነቶም ሓምሳ ዝተረቑሑ ዲጂታላዊ ለውጢ ብምትእትታው፡ ሓዲሽ ቴክኖሎጂ ንምስራጽን ከምኡ'ውን ተተካኢ ጽዓት ብምጥቃም ኣብ ሕብረተሰብ ኣፍሪቃ ለውጢ ብምምጽኦም ምዃኑ ኣብ መርበብ ሓብሬታ እቲ ማዕከን ሓቢሩ ኣሎ።
ካብዞም ካብ 50 ሃገራት ዝተወከሉ ሰባት መስራቲት ኩዱ ኢንቨስትመንት ኤንድ ኣይኮግ ላብስ (Kudu Investment &iCogLabs) ኢትዮጵያዊት ቤተልሄም ደሴ'ውን ንኢትዮጵያ ብምውካል ተረቚሓ ኣላ።