ሱዳን ናይ ምትዕራቕ ሕቶኣ ምስተነጽገ ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ ኣባበ ስሒባ

ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣምባሳደራ ትማሊ 2 ነሐሰ 2013 ዓ.ም ከም ዝሰሓበት ኣፍሊጣ።

ነዚ ስጉምቲ ንምውሳዳ ከም ምኽንያት ዝተጠቕሰ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝቐጸለ ኲናት ንምልዛብ ዘቕረበቶ ሕቶ ሰበ መዚ መንግስቲ ፌዴራል ስለ ዝነጸጉዎ እዩ።

ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም፡ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን እምነት እተሕድረሉ ኩነታት እንተዘይተፈጢሩ ሱዳን ከም ተኣማኒት መተዓረቒት ምቕባል ዝኸብድ ምዃኑ ተዛሪባ ነይራ።

"ኢትዮጵያ፡ ንሱዳን ክትገብሮ ዝሓሰበቶ እንተሃልዩ መርገጺኣ ተማሓይሽ። ሙሉእ ንሙሉእ ጻዕራ ውድቂ ካብ ምግባር" ይብል ካብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዝተውሃበ መግለጺ።

ነቲ ይጋደድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ንምግታእ ክልቲአን ሃገራት ምስ ካልኦት ዓለም ለኸ መሻርኽተን ኮይነን ብሓባር ንክሰርሓ ከም ዝተስማምዓ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ዝርርብ ዞባዊ ሰላም ዘማእኸለ ከም ዝነበረ'ውን ይግለጽ።

እቲ መግለጺ ከም ዝበሎ፡ እቶም ሰብ መዚ ኣመሪካን ሱዳንን ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ምእታዎም ብዝምልከት ሓደ ካብ ዛዕባ እቲ ዝርርብ ከም ዝነበረ እቲ መግለጺ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሱዳን ኣብ ትግራይ ኲናት ምስ ተልዓለ ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ዘዕቐለት ኮይና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንምትዕራቕ ተበግሶ ዝወሰደ ከም ኣቦ መንበር ኢጋድ ኮይኑ ከም ዝኾነ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኢጋድ፡ ንኬንያ፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ሶማሊያን ኤርትራን ዘካተተ እዩ።

ሱዳን ኣምባሳደራ ካብ ኣዲስ አበባ ምጽዋዓ ብዝምልከት፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኮነ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዛጊድ ዝበልዎ የለን።

እንተኾነ፡ ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒሰተር ቢልለኔ ስዩም ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ "ሱዳን ከም ኣተዓራቒት ንምውሳድ ብቐዳምነት ናይ ምትእምማን ጉዳይ ብዕምቆት ክስረሐሉ ኣለዎ ኢልና ኢና ንኣምን" ዝብል ምላሽ ሂባ ነይራ።

ብፍላይ ድማ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣትዮም ምባሉ ተኸቲሉ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ሓርፊፉ ከም ዘሎን ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣመራርሓ እምነት ዝነበረ እምነት ተሸርሺሩ ከም ዘሎ ሓቢራ።

ሱዳን ኢትዮጵያን፡ ብተፈጥርኡ ልሙዕ ኣብ ዝኾነ ንሕርሻ ኣዝዩ ምችውን ዝኮነ ኣልፋሽጋ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ከባቢ ዝርከብ ናይ ይግበአኒ ሕቶ ዝለዓለሉ ቦታ ወተሃደራዊ ወጥሪ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ሱዳን፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ምውልዑ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስተንቀሳቐሰ 27 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም እያ ነቲ ግዝኣት ተቆጻጺራቶ።

መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ እቲ ግዝኣት ናብ ኲናት ክኣትዉ ከም ዘይደልዩ እንተገለጹ'ኳ፡ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ግን ብተደጋጋሚ ኣብ ወተሃደራዊ ምትፍናን ከም ዘለዉ እዩ ዝዝረብ።

ሱዳን፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ብ1902 ዝተፈረመ ኣንግሎ-ኢትዮጵያ ናይ ካርታ ስምምዕ መሰረት፡ ኣልፋሽጋ ናተይ እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለዋ።

ከምኡ'ውን ኣብ እዋኑ ብዘይምጥራሩ ካብ 1980 ታት ጀሚሩ ሚሊሻታት ኢትዮጵያ ነቲ ዶብ ጥሒሶም ክኣተዉ ጸኒሖም ኢላ ትኸስስ።

ክልቲአን ሃገራት እቲ ዘካተዐን መሬት ፍታሕ ንምሃብ ኣብ እዋን ሃጸይ ሃይለስላሰ ስምምዕ ተገይሩ ከም ዝነበረ ይዝረብ።

ብኡ መሰረት፡ እተን ሃገራት ዘዝሓዞ ግዝኣት ሒዘን ክጸንሓ ናይ ክልቲአን ሃገራት መንግስታት ነቲ ዶብ ዝምልከት መጽናዕቲ ኣካይዶም ክጥረር ክገብሩ ዝብል እዩ ነይሩ።