ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ኲናት ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም

ክልል ኣምሓራ ምስ ትግራይ ኣብ ዝዋሰነሎም ከባቢታት ብዝተወልዐ ግጭት ልዕሊ 200 ሽሕ ከም ዝተመዛበሉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓይልታት ትግራይ ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ክመዛበሉ ክኢሎም ኢሉ።

እቲ ሓላፊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ብሸነኽ ራያ ጥራሕ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው፤ እዚ ምስ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘጋጠመ ምዝንባል ተደሚሩ ቑጽሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 200 ሽሕ በጺሑ” ኢሉ።

ሮይተርስ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ከካይድ ንዝቐነየ ሓላፊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ እዚ ሓይልታት ትግራይ ብደቡብን ምዕራብን ዝርከቡ መዋስንቲ ከባቢታት ኣምሓራ ደፊኦም ብምእታዎም ዘጋጠመ ምዝንባሉ ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ብሸነኽ ዓፋር ድማ ልዕሊ 54 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም ኢሉ።

ኣቶ ግዛቸው፡ ነቶም ተመዛበልተ ኣድላዪ ድጋፍ ንምግባር ምሰ መንግስቲ ፌደራል ብምትሕብባር ጻዕሪ ይግበር ምህላው ተዛሪቡ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝፍጠሩ ዘለው ጎንጺታት ዝተመዛበሉ ልዕሊ 1.2 ሚሊየን ሰባት ኣብቲ ክልል ከም ዘለውን ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ሓቢሩ።

እቶም ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ብመንጽር መግቢ “ኣብ ወርሒ 150 ሽሕ ኩንታል የድሊ፤ ሓሓሊፉ ካብ እንረኽቦ ንኣሽቱ ሓገዛት ወጻኢ ኩሉ ብዓቕሚ እቲ ክልል እዩ ዝሽፈን ዘሎ” ኢሉ።

እቲ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት፡ ሕጂ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ይልሑኽ ብምህላዩ እቲ ጎንጺ ከይጋደድ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ እቲ ውግእ ጠጠው ንምባል ክልቲኦም ወገናት [ማለት ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን] ብዘይቅድመ ኩነት ተኹሲ ጠጠው ከብሉ ጸዊዑ ነይሩ።

ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለው ሓይልታት ኣፈላላዮም ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይኮነ ብዝርርብ ክፍታሕ ከም ዘለዎ ብምምልኻት ኣብታ ሃገር ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበርን ንኹሉ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድን ምዒዱ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ሓላፊት ትካል ሰብአዊ ረድኤት ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ሳማንታ ፓወር ብተመሳሳሊ፡ እቲ ግጭት ብወተሃደራዊ መገዲ ከም ዘይፍታሕ ብምዝኽኻር፡ ኩሎም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለው ሓይልታት ካብ ዝሓዙዎ ቦታታት ክወጽኡ ኣተሓሳሲባ።

ንሳ፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽኡ ኣለዎም ክትብል እንከላ፡ ሓይልታት ኣምሓራ’ውን ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወጽኡ ጸዊዓ።

ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ግን “ህወሓት ካብ ኣምሓራን ዓፋርን ይውጻእ ዝብል ንድግፎ ኢና፤ ካብዚ ወጻእ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ይውጻእ ዝብል ግን ማይ ዝዓቁር ኣይኮነን። ንሕና ምዕራብ ትግራይ ዝብሃል ኣይሓዝናን” ክብል ነጺጉዎ።

ወሲኹ “ንሕና ኣብቲ ብሓይሊ ተወሲዱ ዝነበረ ከባቢ ወልቃይት ጸገዴ ኢና ዘለና። ህዝቢ ብዝገበሮ ቓልሲ ነጻነት ረኺቡ’ዩ” ዝብል መልሲ ሂቡሉ።

እዞም ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝስሓሓቡሎም ከባቢታት ኣብ ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ መንግስቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ምስ ጀመረ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ቑጽጽሩ ኣእቲዩዎም።

ሓይልታት ትግራይ፡ ተኹሲ ደው ንምባል፡ እዞም ሓይልታት ካብ ዝተቖጻጸሩዎም ቦታታት ወጺኦም ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ቦትኦም ክምለሱን ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ይጠልቡ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣባል ማእከላይ እዚ ትግራይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕግታ ክሳብ ዝለዓልን መንግስቲ ነቶም ዝተቐመጡ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ንፖለቲካዊ ዘተ ቕሩብ ክሳብ ዝኸውንን ውግእ ከም ዘቋርጹ ገሊጹ’ዩ።

ነቶም ብሓይሊ ግዝኣትና ተቖጻጺሮም ኣለው ዝበሎም ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን’ውን ብሓይሊ ከም ዘውጽኡዎም ተዛሪቡ።