ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ኢትዮጵያ ብቅልጡፍ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ክግበር ጸዊዑ

ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ እቲ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብቅልጡፍ ደው ክብልን ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ክግበርን ደጊሙ ጸዊዑ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው 'ገሃነማዊ' እዩ ኢሉ ብምግላጽ፡ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ናብቲ ክልል ብዘይዝኾነ ተጻብኦታትን ገደብን ንኽንቀሳቐሳ ክፍቀደለን ኣለዎ ኢሉ።

እቲ ሓላፊ ብምስዓብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ጾታዊ ዓመጻት ብምኹናን፡ እቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለዉ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ ምፍጻም ከም ወተሃደራዊ ብረት ይጥቐምሉ ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ኒውዮርክ ኮይኑ ንጋዜጤኛታት መግለጺ ዝሃበ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቲ ኩናት ናብ ጎረባብቲ ክልል ትግራይ ዝኾና ክልላት ልሒሙ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ዘሎ ጸገማት ካብ ኵናት ወጻኢ ብካልእ ዝፍትሓሉ ኣገባብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብምስዓብ "ነቲ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ብኢትዮጵያውያን ፖሎቲከኛታት ዝምራሕ ዘተ ንኽካየድ ባይታ ክጣጣሕ ኣለዎ ... እዚ ከምዚ ዓይነት ዘተ፡ ሱር ነገር እዚ ቅልውላው ንኽፍለጠን ናይ ሰላም ድምጽታት ንኽስምዑን ባይታ ዝፈጥርን እዩ" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኵናት ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኸኣ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ይርከቡ።

ሰራዊት ፌዴራል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ንርእሰ ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተዋ፡ እቲ ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት ዝበሎ ኵናት ከምዝተዛዘመ እኳ እንተገለጸ፡ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሓይለታት ትግራይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ደጊሞም ንርእሰ ከተማ እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮማ።

እቲ ኣብቲ እዋን በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ከምዝኣወጀ ዝገለጸ መንግስቲ ፌድራል ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቱ ካብታ ክልል ክስሕብ እንከሎ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ኣሎ።