እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 'ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ሕልኽለኻት ቀጺሎም'
ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ-OCHA] ናብ'ታ ንኣስታት ትሸዓንተ ኣዋርሕ ብኲናት ትሕመስ ዘሎ ትግራይ ረድኤት ንምብጻሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣይተመሓየሸን ኢሉ።
እቲ ትካል ሎሚ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እዩ ምምሕያሽ ዘይምህላው ጠቒሱ።
ኣብቲ ክልል ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ዓጾቦ እንትሳጥሑ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ከም ዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ይዝከር።
ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሶም እንትቕጽሉ "ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ግን ዘይተገማታይን ተቐያያርን ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ" ክብል እቲ ትካል ስክፍትኡ ገሊጹ።
"ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ዝከኣል በታ ሓንቲ ዝተረፈት መገዲ ዓፋር'ኳ ንሳ'ውን ብሰንኪ ጸገም ጸጥታን ኣብ መገዲ ዝግበር ጽዑቕ ተፍትሽን እገዳታትን እቲ ኩነታት ክጋደድ ገይርዎ ኣሎ" ይብል።
እዚ ኣብ መንገዲ ዘጋጥም ዘሎ ጽዑቕ ተፍትሽን ክልከላን እቲ ምብጻሕ ረድኤት ክደናጎ ምኽንያት ኮይኑ ከም ዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ረድኤት ከይሓልፍ ዕንቅፋት ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ንሓይልታት ትግራይ እዩ ዝኸስስ።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ክልላት ዘካይድዎ ዘሎ ኲናት እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ዕጽዋ ንምኽፋት ዝዓለም ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ዘሻቕል ሰብኣዊ ቅልውላው
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብቲ ክልል ዝነበሮ መኽዝን መግቢ ከም ዝወተደኣ ብምግላጽ፡ ህይወት ናይ'ቲ ንሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ዘሎ ንምትራፍ መዓልታዊ መግብን ካብ መግቢ ወጻእ ዝኾኑ ቐረባትን ዝጸዓና 100 መካይን ናብ መቐለ ክኣትዋ ከም ዘለወን ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት፡ በቲ ሕዚ ዘሎ ኣዝዩ ጽዑቕ ተፍትሽን ምጽራይን መዓልታዊ 30 መኪና እየን ክሓልፋ ዝኽእላ ይብል።
ብተመሳሳሊ ዜና፡ ትማሊ 200 ቶን ምግቢ ተንከፍ ዝጸዓነት፡ ነፋሪት ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ናብ መቐለ ከም ዝኣተወት ዋም ዝተባህለ ዜና ወኪል ገሊጹ።
ምስ ትካል መግቢ ዓለም ብምትሕብባር፡ ቀዳምነት ቀረብ ምግቢ ንዘለድልዮም ክፍሊ ማሕበረሰብ ከም ዝውዕል'ውን እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ሓለፊ ዞባ ምብራቕ ትካል ምግቢ ዓለም፡ ማይክል ዳን ፎርድ፡ "ኣብቲ ክልል ቀረብ ምግቢ ተመናሚኑ እዩ ዝርከብ። ኣብዚ እዋን ዝተገብረ እዚ ሓገዝ ኣዝዩ ዝናአድ ተበግሶ እዩ" ክብል ኣመስጊኑ።
ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ንህዝቢ ትግራይ ተመሳሳሊ ሓገዝ ምግባር ከም እትቕጽለሉ ብሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢኣ ኣቢላ ኣብ ዘወጽኣቶ መግለጺ ሓቢራ።
ካልእ እንታይ ምምሕያሻት ተራእዩ?
ትካል ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 16 ሓምለ ክሳብ 15 ነሓሰ ኣብ ወርሒ ብጠቕላላ 318 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ትግራይ ሓሊፈን ኢሉ።
"እነውተኾነ፡ ብመጠን እቲ መዓልታዊ እናወሰኸ ዝሓድር ጠለብ ረድኤት፡ እዚ ቁንጣር እዩ" እዩ ኢሉ።
እቲ ትካል ስራሕቲ ሰብኣዊ ምንቅስቓሳት ብሰንኪ ሰኣኖ ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ዋሕዲ ቅርሺ፣ ዋሕዲ ነዳዳን መገድታት መራኸብን ኣዝዩ ተጸልዩ ከም ዝርከብ ወሲኹ ሓቢሩ።
ዛጊድ፡ መሳርሕታት ኮምኒኬሽን ሒዝካ ምጉዓዝ ከም ዘይተፈቕደ'ውን ገሊጹ።
እንተኾነ፡ መጠን ዝውውር ሰራሕተኛታት ምምሕያሽ ከምርአየ ሓቢሩ።
ብኣየር ዝግበር ጉዕዞ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምቲ ቀዲሙ ዝተተለመ፡ ነፋሪት እቲ ውድብ ኣብ ሰሙን፡ክልተ ግዜ ስሩዕ ትመላላስ ኣላ ኢሉ።
ኣብ'ቲ ክልል ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ብሓፈሻ 457 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣገልግሎት እናሃቡ ከም ዝርከቡ'ውን ኣፍሊጡ።
ከምኡ'ውን፡ 29 ዓለም ለኸ 6 ሃገራዊ መሻርኽቲ ብሓፈሻ 35 ዘይመንግስታዊ ትካላት ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ቀረብ ጽሩይ ማይን መሳርሒ ትምህርትን ረድኤት ሕክምና ኣብ ምብጻሕን 'ውን ጽቡቕ ንጥፈታት ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ ሰብኣዊ ረድኤት ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ፣ ምጅማር ዝተቛረጹ ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ባንኪ፣ ቴሌኮምን ነዳድን ኣዝዩ ግዜ ዘይወሃቦ ጠለብ ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።