ኣመሪካ፡ ተጻብኦታት ከቋርጹን ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽኡን ደጊማ ሓቲታ

ኣመሓዳሪት ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ዝኾነት ሳማንታ ፓወር ሓይልታት ትግራይ ተጻብኦታት ከቋርጹን ካብቲ ሒዘሞም ዘለዉ ቦታታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽኡ ዳግማይ ጸዊዓ።

ሳማንታ ፓወር፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ሓለፍቲ ህወሓት ካብቲ ሒዘሞ ዘለዉ ናይ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወጺኦም ናብ ዘተ ምኣትዉ ድሌት መንግስቲ ኣመሪካ ከምዝኾነ ገሊጻ።

እታ ሓላፊት "ህወሓት ዝፍጽምዎ መጥቃዕትታት ነቲ ግጭትን ንስቃይ ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘናውሕ እዩ" ኢላ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ኣዊጁ ካብ ከተማ መቐለ ምስ ወጽአ፡ ብህወሓት ዝመርሑ ሰራዊት እቲ ክልል ብዙሕ ቦታታት እታ ክልል ብምቁጽጻር መልሰ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሓያሎ ቦታታት ምቁጽጻሮም ይፍለጥ።

ህወሓት መንግስቲ ፌደራል ግብረሽበራውያን ጉጅለ ኢሉ'ኳ እንተጸውዖም ንሳቶም ግን ሕጋዊ ኣመሓደርቲ ትግራይ ከም ዝኾኑ ይገልጹ።

ሓይልታት ትግራይ ቶኵሲ ደው ንኸብሉ ንመንግስቲ ዘቕረብሉ ቅድመ ኩነት ክሳብ ዝቕበል ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲ ደው ከም ዘየብልዎ እዮም ዝገልጹ።

ሰራዊት ፌደራል ምስ ሰራዊት ክልላት ብምዃን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመሮ መልሰ መጥቃዕቲ ሓይለ ከባቢታት ዳግማይ ይቆጻጸር ምህላዉ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብተደጋጋሚ ከጋውሐኦ ይስማዓ'የን።

ሳማንታ ፓወር ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ብሰንኪ እቲ ሰራዊት ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘካይይድዎ ዘለዉ መጥቃዕትታት ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ቤት ክፈናቐሉ ከም ዝተገደዱ ገሊጻ።

ዩኤስኤይድ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ብሰንኪ እቲ ግጭት ንዝተመዛበሉ ልዕሊ 136 ሽሕ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዝገበረ'ውን ገሊጻ።

ዝሓለፈ ሰሙን ሳማንታ ፓወር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ትሸዓተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ትካላት ረድኤት ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ዘቕርቡዎ መግቢ ይውዳእ ምህላው ኣፍሊጣ ነይራ።

ኣብታ ኣማኢት ኣሽሓት ንሓደጋ ዓጸጾ ተቓሊዖምላ ዘለው ትግራይ ዘለው ትካላት ረድኤት ዩኤስኤይድን ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ትግራይ ዘሎ መኽዝኖም ጥርሑ ተሪፉ ክብሃል ኣብ ዝኽእል ደረጃ በጺሑ ክትበል ኣመልኪታ።

እዚ ሕጽረት ረድኤት፡ መግቢ ብዘይምህላዩ ዘጋጠመ ዘይኮነስ "መንግስቲ ኢትዮጵያ መገዲ ኣየርን ካልኦት መስመራትን ሓዊሱ ንሰራሕተኛታት ረድኤትን ቐረብን ብምትዕንቓፍ'ዩ" ተፈጢሩ ክብል እቲ መግለጺ ይኸስስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኮነ ኢሉ ሰብኣዊ ረድኤት ዓጽዩ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ።

ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብሌኔ ስዩም ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ክፈቅድ ከም ዝጸንሐ ብምሕባር ጉዳይ ጸጥታ ግን "ቀዳመነት ዝውሃቦን ሕድገት ዘይግበረሉን'ዩ" ኢላ።

እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜን እዝ ምጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ፤ ንዕኡ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ወፍሪ ሕጊ ምክባር ዝበሎ ወተሃደራዊ መፍሪ ብእዋጁ ኣብታ ክልል ዝጀመረ ኵናት ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒሙ ይርከብ።

ቅድሚ እቲ ኵናት ምጅማሩ ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ንዝቀጸለ ኣስታት 30 ዓመታት ህወሓት ንውድብ ኢህወደግ ብላዕለዋይ ኢድን ብዓብላልነትን ዝመርሖ ዝነበረ ውድብ እዩ። ኣብ 2018 ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ሓይሊ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ጥራይ ተደሪቱ ተሪፉ።

ኣብ 2019 ሽልማት ኖብል ሰላም ዝተሸለመ ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ዘካይዶ ዝነበረ ለውጢ ብወገን ህወሓት ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ።

ድሕሪ ምጅማር ኵናቶ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረሽበራ እዩ ኣእትይዎ። ህወሓት ግን ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተመረጸ ሕጋዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።