ርክብ መራሕቲ ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ ኣንካራ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶዋንን

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

ትማሊ ኣብ ርእሰከተማ ቱርኪ ኣንካራ ዝተራኸቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶዋንን፥ ኲናት ትግራይን ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣመልኪቶም ክመያየጡ እንከለው፤ ወተሃደራዊ ስምምዓት ከምዝከተሙ'ውን ተገሊጹ።

ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ናይ ገንዘብ ስምምዕ ምኽታመን እኳ እንተተገለጸ፡ ዝርዝር እቲ ስምምዓት ዛጊት ኣይተነጸረን።

ፕረዚደንት ኤርዶዋን ንኲናት ትግራይ ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ጎንጺ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ብምሕታት ሃገሩ ነቲ ጎንጺ ንምፍታሕ እትኽእሎ ኩሉ ክትገብር ምዃና ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ብኣሸጋሪ ኩነታት ትሓልፍ ምህላዋ ብምዝኽኻር፡ ንኲናት ትግራይ ኣታዓራቒ መፍትሒ ክናደየሉ ከም ዝግባእ ርእይቶ ሂቡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀንዲ ተራ ከምዘለዋ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት "ምሕላው ግዝኣታዊ ሓድነታ ኮነ ሰላማ ንዓና ጠቓሚ እዩ" ኢሉ።

እቲ ጎንጺ ብሰላም ክፍታሕ መንግስቱ ልዑል ትኩረት ከም ዝህቦ ድሕሪ ምጥቃስ "እቲ ጎንጺ ከምዚ ኢሉ እንተቀጺሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት ክህሰያ እየን" ኢሉ።

ኣብቲ ርክብ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ዶብ እውን ተዘትዩሉ እዩ።

እቲ ግጭት ብዝርርብ ከም ዝፍታሕ ተስፋ ብምግባር ብረቡዕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣቐዲሙ'ውን ቅድሚ ሰሙን ምስ ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ከምዝተዘራረበ ንጋዜጠኛታት ኣረዲኡ።

"ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ዝኾነ ዓይነት ድጋፍ ንምሃብ ድልዋት ኢና" ኢሉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ንዘመናት ዝጸንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝምልከት ከምኡ'ውን ቁጠባ፣ ንግዲን ወፍርን ዘሎ ምትእስሳር ዝሕይለሉ መገዲ ተዛቲዮም።

ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 2.5 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክህልዋ እንከሎ፤ ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ መጉዓዝያ፣ ዓለባን ካልኦት ዓውድታትን ዘካተተ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ንግዳዊ ርክብ 650 ሚልዮን ዶላር ኮይኑ፤ ሓደ ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ክልተኣዊ ንግዲ ክውን ንምግባር ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስግምትታት ከም ዝገምገሙ፡ እቲ ፕረዚደነት ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብወገኑ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ንግድን ወፍርን ርክብ ክሕይል ሃገሩ ኣጸቢቓ ከም እትሰርሕ ኣፍሊጡ።

ንቱርካውያን ኣውፈርቲ ምቹእ ሃዋህው ክንፈጥር ኢና'ውን ኢሉ።

ክልቲአን ሃገራት ጠቓሚ ዝበልኦ ስምምዓት ምኽታመን ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ምትሕብባርን ስምምዓትን ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢሩ።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት "ኣብ ምክብባር፣ ምትእምማንን ምትሕብባርን" ዝተመስረተ እዩ ድሕሪ ምባል ኣብዚ "ኣድላዪ እዋን" ቱርኪ ኣብ ጎድኒ ሃገሩ ደው ምባላ ኣድኒቑ።

ንሱ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "መንግስትን ህዝብን ቱርኪ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ንዝገበረልና ምትሕብባር ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸነ እዋን ኣይክትርስዖን እያ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብታ ሃገር ዝገበሮ ናይ ዑደት ዛዚሙ ረቡዕ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመለሰ ተገሊጹ።