ካቢ ላሜ፡ ንብዙሓት ዘዘራርብ ዘሎ ኮኾብ ቲክቶክ መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, khaby.lame/tiktok/getty
ካቢ ላሜ ኣብ ቲክቶክ ብብዝሒ ሰዓብቲ ንቻርሊ ዲ'ኣመልዮ ስዒቡ ኣብ ካልኣይ ታርታ ተሰሪዑ ዝርከብ ብዓል ዝና እዩ።
ኣብዚ እዋን እቲ ናቱ ናይ ቲክቶክ ገጽ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ክህልዎ እንከሎ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ላይክ ረኺቡ ኣሎ።
ግና ንሱ መን'ዩ፡ ንምንታይ ክንድዚ ህቡብ ኮይኑ?
ኣብ ሴነጋል ዝተወለደ ካባን ላሜ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓዲ ጥልያን እዩ ዝነብር። ወዲ 21 ዓመት እዩ።
ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይስ ኣብ መጋቢት 2020 ካብ ናይ ፋብሪካ ስርሑ ደው ምስ በለ፡ ካቢ ናብ እንዳ ስድርኡ ኣምሪሑ።
ካልእ ስራሕ ክደልይ እናተጸበይዎ፡ ንሱ ግና ናብ ቲክቶክ ብምጽምባር መዓልታዊ ቪድዮታት ክልጥፍ ጀሚሩ።
ኣብቲ እዋን ኣብቲ ናይ ቲክቶክ ገጹ ዘስሕቅ ቪድዮታት ክልጥፍ ከሎ ኣብ ሓጺር ግዜ ስሙ ኣብ መላእ ዓለም ክገንን'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮን።
እቶም ዝልጥፎም ቪድዮታት ሰባት ንቀሊል ነገራት ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ከመይ ጌሮም ሕልኽልኽ ከም ዘብልዎ ዘርእዩ እዮም።
ካብ ዙርያ ዓለም ሰባት ንቪድዮታቱ ከም ዝፈትውዎ ዝዛረብ ካቢ፡ እቲ ገጹ ዝርአ ኣገላልጻ ሰባት ከም ዘስሕቖምን ዝኾነ ዘረባ ስለዘይብሉ ንኹሉ ብማዕረ ከም ዘስሕቕን ይገልጽ።
ካቢ ኩዕሶ እግሪ ኣዝዩ ይፈቱ እዩ፤ ኣብቲ ቪድዮታቱ ብዙሕ ግዜ ማልያታት ናይ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ወድዩ ይርአ። እታ ብልጽቲ ጋንትኡ ግና ጁቬንቱስ እያ።

ምንጪ ስእሊ, khaby.lame/tiktok
ኣብ ቲክቶክ እቲ ዝበዝሐ ሰዓብቲ ዘለዎ ሰብ ክኸውን ይኽእል ዶ?
ኣብዚ እዋን ኣብ ቲክቶክ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ዘለዎ ቻርሊ ዲ'ኣመልዮ እኳ እንተኾነት ካቢ ክቕድማ ከም ዝኽእል ዘርእዩ ምልክታት ኣለው።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ህቡብነት ካቢ ኣዝዩ ገኒኑ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ 30 መዓልትታት ጥራሕ 21.9 ሚልዮን ሓደስቲ ሰዓብቲ ከም ዝረኸበ ንማሕበራዊ መራኸቢታት ዝከታተል መርበብ 'ሶሻል ብሌድ' ይገልጽ።
በንጻሩ ቻርሊ ኣብ ዝሓለፈ 30 መዓልትታት 2.6 ሚልዮን ሓደስቲ ሰዓብቲ እያ ረኺባ።
ስለዚ ህቡብነት ካቢ ከምዚ እንተቐጺሉ፡ ኣብ ቲክቶክ ዝበዝሑ ሰዓብቲ ዘለዎ ሰብ ክኸውን እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







