ማሕበራዊ ሚድያ፡ ቲክቶክ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ናይ ህጻናት'ዮም ዝበሎም ሕሳባት ዓጽዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቲክቶክ: ኣብ ቀዳማይ ርብዒ እዚ ዓመት ናይ ትሕቲ ዕድመ'ዮም ዝበሎም ኣስታት 7.3 ሚልዮን ሕሳባት [ኣካውንት] ዓጽዩ።
እዚ ሓጸርቲ ቪድዮታት ዝዝርግሕ ቲክቶክ ዝተብሃለ መተግበሪ፡ እቲ ዝኣለዮ ሒሳባት 1 ሚኢታዊት ካብ ጠቅላላ ተጠቀምቱ ጥራይ ከምዝኾነ'ዩ ዝሕብር።
ቲክቶክ፡ ካብ 13 ዓመት ንላዕሊ ዕድሚኦም ክጥቀምሉ ዝኽእሉ መተግብሪ ኮይኑ፡ ብኮተቴታት ኣዝዩ ፍቱው እዩ።
ቲክቶክ ክንድዚ ብዝሑ ሒሳባት ብሓደ ግዜ ክዓጹ እዚ ናይ መጀመርትኡ እዩ።
ትካል ቲክቶክ፡ እቲ ምዕጻው ሕሳባት ናይ ትሕቲ ዕድመ "ብመዳይ ተሓታትነትን ግሉጽነትን" ነቲ ትካል ዝያዳ ድርዒ ዝፈጥር ከምዝኾነ'ዩ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
ኣብቲ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት'ውን ሰፊሮም ነይሮም፤
• 61,951,327 ንሕጊ ቲክቶክ ዝጠሓሱ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ተደምሲሶም።
• 82% ሚኢታዊት ካብቶም ዝተደምሰሱ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ዝኾነ ሰብ ከይርኣዮም እንከሎ ዝተደምሰሱ ክኾኑ እንከለዉ፡ 91 ሚኢታዊት ካብ ተዓዘብቲ ጥርዓን ከይበጽሐ እንከሎ ዝተደምሱሱ'ዮም፤ 93 ሚኢታዊት ኸኣ ኣብ ቲክቶክ ምስ ተጸዓኑ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተኣለዩ እዮም።
• 1,921,900 መወዓዊዒታት ሕግታት ናይ ቲክቶክ ዝጠሓሱ'ዮም ተባሂሎም ተኣልዮም።
• ብሓፈሻ ምስ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሓዊስካ 11,149,514 ሒሳባት ንሕጊ ቲክቶክ ጥሒሶም ዝተባሃሉ ሕሳባት ጠቕሊሎም ተዓጽዮም ኣለዉ።
ቲክቶክ ንትሕቲ ዕድመ ክከላኸል ይኽእል እዩ ዝበሎ ብዙሕ ሓደሽቲ ሕግታት ከምዘተኣታተወ'ዩ ዝገልጽ ዘሎ።
ብመሰረት እዚ ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ሓዲሽ ሕጊ፡ ትሕቲ 16 ዓመቶም ተጠቀምቲ ቲክቶክ ኣብ ኣጠቓቅማ ናይ ጽሑፍን ናይ ቪድዮን መልእኽቲ ከምኡ'ውን ኣብ ቲክቶክ ዝልጥፍዎ ተንቀሳቃሲ ምስልታት ዝድርት ሕጊ ኣተኣታትዩ ኣሎ።
ሓላፊ እምነትን ድሕነትን [trust and safety] ቲክቶክ ኮርማን ከናን "እዚ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ንህጻናት ንምክልኻል ዘለና ተበግሶ ዘጉልሕ'ዩ፡ ካብዚ ኣሊናዮ ዘለና ሕሳባት እቲ ዝበዝሓ ናይ ትሕቲ ዕድም'ዩ ነይሩ" ድሕሪ ምባል "ቲክቶክ ን13 ዓመቶምን ልዕሊኡን ከምዝኸውን ገይርና ኣመቻቺእናዮ ኣለና" ኢሉ።
እዚ ዓርሞሽሽ ቻይናዊ ትካል፡ ምስ ተጠቃምነት ትሕቲ ዕድመ ተታሓሒዙ ብዙሕ ነቀፌታታት ክውሕዞ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኒውዮርክ ታይምስ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣመሪካ ካብቶም ተጠቀምቲ ቲክቶክ እቶም ሓደ መሰለስ [ሲሶ] ዕድሚኦም ትሕቲ 14 ዓመት ምዃኑ'ዩ ኣቃሊዑ።
ደራሲ ቲክቶክ ቡም ዝተብሃለት መጽሓፍ ክሪስ ስቶከል ዎከር "ሓደ ካብ ብድሆታት ናይ ቲክቶክ ኣብ ምልልላይ ቅኑዕ ዕድመ ተጠቀምቱ'ዩ" ይብል።
ብምስዓብ " ንዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዕድመ ዝብል ዝተወለድካሉ ዕለት፡ ወርሒ ዓመተ ምህረት ትምዝግበ፡ እቱ ቅኑዕ ዕድሜኻ ብዘየገድስ፡ ዓመትካ ልዕሊ 13 ጌርካ ትመልኦ ሕሳብ ናይ ቲክቶክ ይህልወካ፡ ነዚ ንምቅራፍ እቲ ትካል ዝተራቐቐ ኣገባብ ከተኣታቱ ከምዝነበሮ ዝሰሓት ኣይኮነን" ይብል።
ቲክቶክ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰነዳት ተጠቀመቱ'ውን ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ዓባይ ብርጣንያን ሕብረት ኣውሮጳን ንሚልዮናት ህጻናት ዝወከለ ንኣተዓቓቕባ ሰነዳት ተጠቀምቲ ዝምልከት ክሲ ቀሪብሉ ነይሩ፡ ቲክቶክ ብወገኑ 'መሰረት ዘይብሉ ክሲ'ዩ" ብምባል ነቲ ክሲ ክቃለሶ ምኳኑ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት'ውን ጓል 10 ዓመት ጣልያናዊት ህጻን ኣብ ቲክቶክ፡ ብተጠቀምቲ ዝግበር ዝነበረ በዳሂ ውድድር እናተወዳደረት እንከላ ህይወታ ስለዝሓለፈ ቲክቶክ ሕሳባት ትሕቲ ዕድመ ክዓጹ ዓቢ ጎስጓስ ክካየድ ጸኒሑ'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







