ኤርትራ፡ ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ 29 ሚእታዊት ንዲግሪን ዲፕሎማን ሓሊፎም

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel
ውጽኢት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ [ማትሪክ] ዓመተ ትምህርቲ 2020-2021 ኤርትራ: ትማሊ ከምዝተነገረ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቃሊሐን።
ሓላፊት ሃገራዊ ትካል ላዕለዋይ ትምህርትን ማእከል ምርምርን ምዘናን ዶክተር ብስራት ገብሩ ምስ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ካብ 13,458 ተፈተንቲ እቶም 29 ሚኢታዊት ናይ ዲግሪን ዲፕሎማን ነጥቢ ከምዘምጽኡ ኣፍሊጣ።
ካብቶም ተፈተንቲ 47 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮን ምንባረን ዝዝከር እዩ።
ብሓፈሻ ኣብዚ ትማሊ ብወግዒ ዝተሓበረ ውጽኢት ናይ ማትሪክ ብኣሃዝ ክርአ እንከሎ 3,888 ናይ ዲፕሎማን ናይ ዲግሪን ነጥቢ ከምጽኡ እንከለዉ፡ እቶም 2,417 ናይ ዲግሪ እቶም 1,471 ኸኣ ናይ ዲፕሎማ ዘምጽኡ ከምዝኾኑ እታ ሓላፊት ገሊጻ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ናይ ዲግርን ናይ ዲፕሎምን ነጥቢ ዘምጽኡ 29 ሚእታዊት ካብ ተፈተንቲ ማትሪክ ናብ ኮሌጃት ከምዝኣትዉ ብምሕባር፡ እቶም ዝተፈፉ ኸኣ ናብ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ከምዝጽንበሩ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremesekel
ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 2ይ ደረጃ (ማትሪክ)፡ ካብ 12 ክሳብ 17 ሚያዝያ 2021 ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።
እቲ ብ12 ዓይነታት ትምህርቲ ዝተውሃበ ፈተና ኣብ ኤርትራ ኣብ 8 ነቑጣታት ማለት ሳዋ፡ ኣስመራ፡ ዓሰብ፡ ዓላ፡ ደቀምሓረ፡ ሓጋዝ፡ ማይሓባርን ናቕፋን እዩ ተኻየዱ።
ካብቶም ናይ ሎሚ ዓመተ ተፈተንቲ እቶም 88 ሚኢታዊት ኣባላት 34 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝነበሩ ሚኒስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ኣብ ግዙኡ ሓቢሩ ነይሩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጅዳን ሪያድን ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተማሃሮ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝዳሎ ፈተና ይፍተነዎ ነይሮም እዮም፡ ሎሚ ዓመት ግን ለበዳ ኮቪድ-19 ንምግታእ መንግስቲ ስዑድያ ብዘውጸኦ ቅጥዕታት ክካይድ ኣይክኣለን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







