ኣብ ክልል ኦሮሚያ 'ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንሕጽረት መግቢ ተቓሊዖም' ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, fana
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ንነዊሕ ግዜ ብዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንሕጽረት መግቢ ከም ዝተቓልዑ ተገሊጹ።
እዚ ኣብ ወረዳታት ሻላ፣ ሲራሮ፣ ሻሸመኔ፣ ኣርሲ ነገሌን ወንዶን ከም ዝኾነ ተሓቢሩ ኣሎ።
ሓላፊ ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ኣቶ ያሲን ጋርጁ፡ ኣብቲ ዞባ ናይ ሓጋይ ወቕቲ ብምንውሑ እኽሊ ከይተዘርአ ስለ ዝዘንግዐ ሕጽረት መግቢ ተኸሲቱ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ቅድሚ ሕጂ ኣብዞም ሕጽረት መግቢ ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት፡ ኣብ ናይ ዝናብ ወቕቲ'ዩ እኽሊ ዝዝራእ ነይሩ። እንተኾነ ሕጂ ካብ መስከረም ክሳብ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝናብ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት ሕጽረት መግቢ ከጋጥም ክኢሉ" ኢሉ።
እቲ ሓላፊ ካብተን ሓሙሽተ ወረዳታት ኣብተን ክልተ ማለት ሻላን ሲራሮን ተወሳኺ ጸገም ሕጽረት ማይ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ውሑዳት ነበርቲ እዘን ወረዳታት ቅድም ኢሉ'ውን ረድኤት ዝቐርበሎም ዝነበሩ ምዃኖም'ውን ኣብሪሁ።
ነባሪ ወረዳ ሻላ ኣቶ ቃበቶ ቱፋ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከባቢኡ ከምዚ ዓይነት ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙ ከም ዘይፈልጥ ብምግላጽ "ሕጂ ጥምየት ኣሎ፤ ናይዚ ምኽንያት ሕጽረት ዝናብ'ዩ። ማይ ፈጺሙ የለን። ኣይሓረስናን፤ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ጸገም መጺኡና" ኢሉ።
ንሱ ከም ዝብሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ካብ ዘለው ነበርቲ ዝመጽኦም ሓገዝ ተዘይህሉ ነይሩ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝወድቑ ሰባት ኣለው'ዮም።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ እታ ወረዳ ኣቶ ጋሪና ቦንያስ፡ እቲ ጸገም ንህይወትና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ከይኸውን ንሰግእ ይብል።
"ቐደሙ'ውን ማይ የለን፤ ኣብ ርእሲኡ ዝናብ ጠፊኡ። ኣነ ብጥምየት ዝሞተ ሰብ ይፈልጥ እየ፤ በዚ እንተቐጺሉ ኩላትና ብህይወት ክንተርፍ ኢና ኣይብልን" ክብል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።
ኣቶ ያሲን ጋርጁ ግን ሕጽረት መግቢ እንተሃለወ'ውን ክሳብ ሕጂ ግን በዚ ምኽንያት ዝሞተ ሰብ ዝምልከት ዝበጽሖ ሓበሬታ ከም ዘየለ ተዛሪቡ።
እቲ ጸገም ንምፍታሕን ሰብ ከይመውትን ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክልልን ፌደራልን ንሰርሕ ኣለና ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







