ቶክዮ ኦሎምፒክ፡ ኬንያዊ ኣትሌት ኪፕቾጌ ጎብለል ማራቶን ኮይኑ ቀጺሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኬንያዊ ኣትሌት ኢሉይድ ኪፕቾጌ ኣብ ኦሎምፒክ ውድድራት ጉያ ማራቶን ተኸታታሊ ዓወት ብምዕታር ጎብለልነቱ ኣረጋጊጹ።
ኣብ 1980 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ኦሎምፒክ ጎበለል ነዊሕ ርሕቐት ኮይኑ ናይ ዝነበረ ኣትሌት ወዲ ሃገሩ ከምዝተክኦ’ውን ይግለጽ ኣሎ።
ውደድራት ኦሎምፒክ ማራቶን ብተኸታታሊ ብምስዓር ካብ ዓለም ሳልሳይ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ኪፕቾጌ ነቲ ቅድድም 2 ሰዓትን 8 ደቃይቕን ምስ 38 ሴኮንድን ከምዝዛሞ ተፈሊጡ።
ኣብ ዓለም ጉያ ማራቶን ዝነገሰ ወዲ 36 ዓመት ኪፕቾጌ ነቲ ካልኣይ ዝወጽአ ኔዜርላንዳዊ ኣትሌት ኣብዲ ናጌዮ ብሓደ ደቂቓን 20 ሴኮንድን መሪሕዎ ነቲ ውድድር ከምዝዛመ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብዚ ውድድር ሳልሳይ ኮይኑ ዝተዓወተ ድማ ቤሌጄምያዊ በሽር ኣብዲ’ዩ። ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብቲ ናይ ማራቶን ጉያ ዝተሳተፉ ኣትሌታት ኣሞንግዮም ካብቲ ውድድር ከምዝወጽኡ ተሓቢሩ።
ክፕቾጌ ድሕሪ እቲ ውድድር ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት “ብተኸታታሊ ንኻልኣይ ግዜ ተዓዋታይ ጉያ ማራቶን ስለዝኾንኩ ባህጉ ከምዘዕወትኩ ኮይኑ’ዩ ተሰሚዑኒ። ንተረካቢ ወለዶ ድማ ከነቓቕሕ’የ ኢለ ተስፋ ይገብር” ኢሉ።
“ቶክዮ ኦሎምፒክ ኣብ ዓንኬል እዚ ኩሉ ጸገማት ኮይኑ ይኻየድ’ሎ። እዚ ከኣ ዓብይ ነገር’ዩ። ተስፋ ኣሎ ማለት’ዩ። ናብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ስሩዕ ህይወትና ንኽንምለስ ኣብ ቅኑዕ መስመር ኢና ዘለና ማለት እዩ” ዝበለ ኣትሌት ኪፕቾጌ፡ ናይ ማራቶን ጎብለልነቱ ከቐጽል ብምኽኣሉን ንተረካቢ ወለዶ ብምልዕዓሉን ሕጉስ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ሓደ ሰብ ስፖርታዊ ንጥፈቱ ስርዓት ብዘለዎ መገዲ እንተድኣተግቢርዎ ሕልሙ ከግህድ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ኪፕቾጌ እቲ ናይ ሕጂ ቶክዮ ኣሎምፒክ ንራብዓይ ግዚኡ ኮዑእኑ ኣብ ቅድድም ማራቶን ነቲ ውድድር ብትሕቲ ክልተ ሰዓት ዛዚሙ ንዓለም ዘገረመ ኬንያዊ ተቐዳዳማይ ከምዝኾነ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







