እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክዓርፋ ዝግብአን ነፈርቲ ኣብ ካልእ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓርፋ ይግደዳ ኣለዋ
ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክዓርፋ ዝግበአን ብርክት ዝበላ ነፈርቲ መገዲ ኣየራት ኣብ ካልኦት መዓርፎ ነፈርቲ ይዓርፋ ከም ዘለዋ ፍላይት ራይደር24 ገሊጹ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ናብ ኣዲስ ኣበባ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝግበሩ በረራታት ኣብ ካልኦት ክዓርፉ ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ቦሌ መዓርፎ ነፈርትን ከባቢኡን ንበረራ ኣየር ሕማቕ ኩነታት ኣየር ምህላው ኣመልኪቱ።
ድሕነት በረራ ምርግጋጽ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ እቲ መገዲ ኣየር፡ ነፈርቲ ኣብ ጥቕኣን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓርፉ ምግባር ኣካል ቅድመ ጥንቃቐ ምዃኑ ይሕብር።
እቲ መገዲ ኣየር ዋላ'ኳ ብምኽንያት እቲ ሕማቕ ኩነታት ኣየር በረራ ዝተሰናኸለን ብዝሒ ነፈርቲ ይኹን ዝዓርፋሉ ዘለዋ ቦታ ብግልጺ እንተዘይተነግረ ፍላይትራይደር24 ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ግን እተን ነፈርቲ ኣበየናይ መዓርፎ ነፈርቲ ይዓርፋ ኣለዋ ዝብል ሓበሬታ ኣውጺኡ ኣሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ረፋድ 35 ዝኾና መዕረፊአን ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ በረራታት ናብ ካልኦት መዓርፎ ነፈርቲ ክዛወሩ ተገይሮም'ዮም።
ካብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወጻኢ ብምኽንያት እዚ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ መገዲ ኣየር ቀጠርን ቱርክን በረርኦም ካብ ሞንጎ ዝተኣጓጎሎም እዮም።
ካብ ጋምቤላ፣ ኣሶሳን ሰመራን ዝተልዓላ ነፈርቲ ኣብ መገዲ ኣየር ጎንደር ክዓርፋ እንከለዋ፡ ካብ ሰመራን ሞምባሳን ዝተበገሳ ነፈርቲ ድማ ኣብ ባህርዳር ክዓርፋ ተገዲደን ኣለዋ።
ካብ ኢስታንቡል፣ ዲሃ፣ ካርቱም፣ ዱባይ፣ ጁባ፣ ማፑቲን ሌጎስን ዝተበገሳ ነፈርቲ ድማ ናብ ጅቡቲ ከም ዝኸዳ ተገሊጹ።
ብተወሳኺ ካብ ዋሽንግተን፣ ጆሃንስበርግን ብራስለስን ዝተበገሳ ነፈርቲ ኣብ ኬንያ ክዓርፋ እንከለዋ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስቶኮልን ጀኔቫን ዝዓርፋ ዝነበራ ነፈርቲ ከኣ ኣብ ሱዳን ካርቱም ዓሪፈን።
ካብ ሪያድ ዝተበገሰት ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ክትዓርፍ እንከላ፡ ካብ ሶማልያ ሃርጌሳ ዝተለዓለት ድማ ኣብ ድሬዳዋ ዓሪፋ።
ፍላይትራይደር24 ከም ዝብሎ ሎሚ ጥራሕ ልዕሊ 120 ነፈርቲ ኣብ ቦሌ መዓርፎ ነፈርቲ ክዓርፋ'የን ዝብል ትጽቢት ነይሩ።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ጸገም ንዓማዊሉ ይቕሬታ ብምሕታት እቲ ኩነታት ኣየር ምምሕያሽ ከርኢ እንከሎ ንተጠቀምቲ ከም ዘፍልጥን ናብቲ ንቡር ከም ዝምለስን ገሊጹ ኣሎ።