ግስጋሰ ሓይልታት ጣሊባን ዘስግኣ ኣፍጋኒስታን ኣዋጅ እቶ እቶ ኣዊጃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኣፍጋንስታን ካብ ትማሊ ቀዳም ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ንናይ ጣሊባን ግስጋሰ ንምግታእ ዝዓለመ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ሃገር ኣዋጅ እቶ እቶ ከምዝኣወጀ ተፈሊጡ። ካብ ርእሰ ከተማ ካቡልን ካልኦት ክልተ ወረዳታታትን ወጻኢ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ሰዓት 22፡00 ጀሚሩ ክሳብ 04፡00 ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣይፈቅድን።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ዓስኪሮም ዝነበሩ ናይ ወጻኢ ወተሃደራት ስለዝወጽኡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጣሊባንን መንግስቲ እታ ሃገርን ዝካየድ ኵናት ሓይሉ ቀጺሉ’ሎ። ጣሊባን ዳርጋ ፍርቂ ዝኸውን ግዝኣት ኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተወ’ዩ ዝንገር።
ወተሃደራት ኣመሪካ መሰስ ምስበሉ ጣሊባን ኣብ ዶብ ዝርከቡ ቦታታትን ገለ ናይ ገጠር ዓድታትን ተመሊሶም ኣብ ቁጽጽሮም ኣእትዮም።
እቲ ብናይ እስልምና ሃይማኖት ጸግዒ ብምሓዝ ዝፍለጥን ቅድሚ 20 ዓመታት ኣቢሉ ብሰንኪ ናይ ኣመሪካ ወራር ካብ ስልጣኑ ዝተደፍአን ጣሊባን፡ ቀንዲ ናይ ኣታውን ወጻእን መንገድታት ንምዕጻው ዘኽእልዎ ኣገደስቲ ጽርግያታት’ውን ተቖጻጺሩ’ዩ።
ተዋጋእቲ ሓይልታት ጣሊባን ናብ መብዛሕቲኤን ከተማታት ዝተጽግዑ’ኳ እንተኾኑ ክሳብ ሕጂ ግን ዋላ ሓንቲ ከተማ ኣይተቖጻጸሩን ኣለዉ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ናዕብታት ንምውጋድን ግስጋሰ ጣሊባን ንምግታእን ኣብ 31 ወረዳታት ናይ ምሸት ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ’ሎ” ዝበለ ኮይኑ እቲ ኣዋጅ ኣብ ካቡል፣ ፓንጅሽርን ናንጋርሃርን ከምዘይሰርሕ ኣፍሊጡ’ሎ።
ጣሊባን ንቕድሚት ይግስግስ ስለዘሎ ኣብ ከባቢታት ካንዳሃር ብርቱዕ ኵናት ክካየድ ቀንዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣመሪካ ኣብቲ ጣሊባን ዝዓስከርሉ ከባቢታት ናይ ኣየር ደብዳብ ኣካይዳ። ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን እተካይዶ ወተሃደራዊ ወፍርታት ነሓሰ 31 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ስለዘብቅዕ ብድሕሪኡ ሻቕሎት ፈጢሩ’ሎ።
ብኣመሪካ ዝተመርሐ ሓይሊ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2001 ንጣሊባን ካብ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ከምዘኣለይዎ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ጉጅለ ነቶም ኣብ ወርሒ መስከረም 11 ኣብ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝዝረበሎም ቢን ላደንን ካልኦት መራሕቲ ኣልቃይዳን የዕቑቡ ከምዝነበሩ’ዩ ዝግለጽ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ሓይልታት ኣመሪካ: ኣፍጋኒስታን ዳግማይ ማእኸል ሽርሕን ክፋእን ምዕራባውያን ንዝኾኑ ናይ ወጻኢ ጅሃዳውያን ከምዘይትኸውን ስለዘረጋገጹ ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ቅቡል’ዩ ኢልዎ።
ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ መጀመርታ እቲ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሓምለ ካብ ኣፍጋኒስታን ከምዝወጽኡ ዝዝከር ኮይኑ ጣሊባን ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ንኣፍጋኒስታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዋ ከምዝኽእል ካብ ናይ ኣመሪካ ተንተንቲ ስለላ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







