ሓይልታት ትግራይ፡ ጸብጻባት ምፍንቓልን መጥቃዕትን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ከምዘሻቐሎም ገሊጾም

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሪሽ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/Hanna Qassis

ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ውግእ ንዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ዝተቖጻጸሩ ሓይልታት ትግራይ፡ ምፍንቓል ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕትን ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም።

ኣብቲ ትማሊ ዝወጽአ መግለጺ፡ "መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕትን ምፍንቓልን ኣሻቒልዎ ኣሎ። እቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ዝተፈጸሙ ኩሎም ገበናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመረሖ ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮም ከኣ ንጽውዕ" ኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ሓላፍነቶም ከም ዝርድኡ ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ "ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ካሊእ ከባቢ ወሲድካ ንምጥያስ ዝግበር መደባት ብፍቓዶምን ሰናይ ድልየቶምን ክፍጸም ይግባእ" ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓላፊ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ፡ ብኹነታት እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ማእሰርቲ፣ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲታት፣ ዘረፋን ዓመጽን ከም ዝተፈጸመን ኣብቲ መዓስከር ሓደ ኤርትራዊ ከም ዝሞተን ኣረጋጊጹ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ኣካላት ዝተፈጸመ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሓፈሻዊ ገበናት ከም ዘንሰምበዶ'ውን ፊሊፖ ግራንዲ ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማታት መቐለን ሽረን ከም ዝተኣስሩ ብምጥቃስ፡ ካብ ሰብ መዚ ትግራይ መብርሂ ክወሃቦም ከም ዝሓተቱ'ውን መግለጺ ፊሊፖ ግራንዲ ይሕብር።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) ኣብዚ እዋን'ዚ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩናት፡ ሰራሕተኛታቱን ካልኦት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ንስደተኛታት ንምሕጋዝ ናብቶም መዓስከራት ክኸዱ ከም ዘይክእሉ ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ህወሓትን፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ መሰል ስደተኛታትን ሰላማውያን ሰባትን ከኸብሩ ግደታ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሩ።

ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝተናውሐ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝተሰደዱ እዮም ዝሕብሩ።

ትካል ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትን( ኣራ) ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ዓፈናን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ክኹንኖ ጸዊዑ ነይሩ።

እቲ ትካል መንግስቲ በይናኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕትታቶም ብምቕጻሎም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ማይ-ዓይኒን ሽመልባን ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ "ሓደጋ" ወዲቖም ኢሉ ነይሩ።

ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ኲናት ትግራይ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ምስ ተወለዐ ልዕሊ 96,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝወደቑ ይፍለጥ።

ብፍላይ እተን ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ ትግራይ ተደኲነን ዝነበራ መዓስከራት ሽመልባን ሕንጻጽን ኣብቲ ኲናት ፍጹም ስለ ዝዓነዋ ልዕሊ 21,000 ነበርተን ግዳይ ቅትለት፡ ጭውያ፡ ምብትታንን ኮይኖም ምህላዎም ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ኣስታት 9,000 ካብኦም ናብ መዓስከራት ማይ-ዓይኒን ዓዲ-ሓሩሽን ከምዝገዓዙ መግለጺ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ይጠቅስ። ካልኦት ልዕሊ 5200 ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተመዝጊቦም ከምዘለዉ'ውን ተሓቢሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ 79 ኣብ ሽረ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ናብቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ልዕሊ 50,000 ካልኦት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓቚብሉ መዓስከር ክሰጋገሩ ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ከምዘቕረበ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጸብጻባት እቲ ትካል የረድኡ።