ኢትዮጵያን ንወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝምልከት ስምምዕ ምስ ሩስያ ከቲማ

ምንጪ ስእሊ, Fdre defence force/facebook
ኢትዮጵያን ሩስያን ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልትታት ዝርርብ፡ ንወተሃደራዊ ምትሕብባር ዝምልከት ስምምዕ ከም ዝከተማ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ፋና ኣቃሊሑ።
እቲ ስምምዕ "ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝጸንሐ ዝምድና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከበርኾ ምዃኑ" ሚኒስተር ዲኤታ ፋይናንስ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ማርታ ሉዊጂ ምግላጻ እቲ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ስምምዕ ኣብ ምምዕባል ፍልጠት፡ ክእለትን ተክኒካዊ ብቕዓትን ሓይሊ ምክልኻል ኢትዮጵያ ከተኩር ምዃኑ ይግለጽ።
ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ጸቕጢ ድሕሪ ምግባሩ፡ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ናብ ሩስያን ቻይናን ዘንቢሉ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ደገፍቲ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ኣብ ዝገበርዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ምኹናኖም ይዝከር።
እቶም ሰልፈኛታት ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒን ሞጊሶም ነይሮም።
ምምሕዳር ባይደን ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር ኣብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ናይ ቪዛ እገዳ ከንብር እንከሎ፤ ንኢትዮጵይ ዝወሃብ ቁጠባዊ ሓገዛት ኣደስኪልዎ እዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ውሳነ "ዘጣዕስ'ዩ" ብምባል ኣብ ዝምድና ኣመሪካን ኢትዮጵያ "ከቢድ ሳዕቤናት" ከም ዘኸትል ኣፍሊጡ።
ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ምዕራብ ብዙሕ ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ ኣሎ።
በቲ ኲናት ዝበዝሑ ሲቪል ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክቕተሉ እንከለው፡ ብውሕዱ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ይርከብ።
እቲ ግጭት፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እታ ሃገር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ስጉምቲ ክውሰዶም ትእዛዝ ብምምሕልላፉ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 እዩ ተወሊዑ።
ፌደራላዊ መንግስቲ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝበሎ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ብምእዋጅ ሰራዊቱ ካብታ ክልል ከም ዝሰሓበ እኳ እንተተገለጸ ኣብ ደቡብ ትግራእ ጌና ኲናት ይቕጽል ከም ዘሎን እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝኸፍአ ምዃኑን ይግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







