ሳይንስ፡ ቢልየነር ጄፍ ቤዞስ ሎሚ ናብ ህዋ ክጓዓዝ ምዃኑ ተፈሊጡ

ቢልየነር ጄፍ ቤዞስ ምስ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ብምዃን ኩባንይኡ ብዝሰርሓ ሮኬት ሎሚ ሰሉስ ናብ ህዋ (ጠፈር) ክጓዓዙ እዮም።

ሓው ማርክ ቦዜስ፣ ሙክርቲ ምርምህር ህዋ ጓል 82 ዓመት ዋሊ ፋንክ ከምኡ’ውን ወዲ 18 ዓመት ኦሊቨር ዲሜን ምስ ቢልነር ጄፍ ቦዜስ ዝጉዓዙ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ንመሬት ብዝሓሸ ኩነታት ንኽርእይዋ ብዝብል ዓበይቲ መሳኹቲ ብዘለዋ በራሪት ናብ ህዋ ከም ዝኸዱ ድማ ተሓቢሩ።

ኒው ሺፓርድ ዝተባህለት ሮኬት ብሉ ኦርጂን ብዝብል ስያመ ዝፍለጥ ናይ ጆሰፍ ቤዞስ ኩባንያ ዝተሰርሐት ኮይና ንናይ ህዋ ቱሪዝም ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝተሃነጸት ይግለጽ።

ቤዞስ ንማዕኸን ዜና ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ተሃዊኸ ኣለኹ። ይፈርሕ ከይህልው ሰባት ይሓቱኒ ኣለዉ። ኣነ ግን ፈጺመ ኣይፈራሕኹን። እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ክፈልጥ’የ ዝደልይ” ኢሉ።

“ስልጠና ክንገብር ጸኒሕና ኢና። እዛ ሮኬት ድልውቲ እያ፤ ንሕና’ውን ተዳሊና ኣለና፤ ዝገርም ጉጅለ እዩ። ብዛዕባ ጉዕዞና ጽቡቕ ስምዒት’ዩ ዘለና” ክብል’ውን ወሲኹ ገሊጹ።

ስምይቲ ተመራማሪት ህዋ ዋሊ ፋንክ ብወገና ነዚ ጉዕዞ ንነዊሕ እዋን ክጽበይዎ ምጽንሖም ብምግላጽ “ነዊሕ እዋን ናብኡ ናይ ምኻድ ሕልሚ ነይሩኒ” ኢላ።

ፋንክ ኣብ 1960ታት ኣባል ናይተን ‘ሜርኩሪ 13’ ብዝብል ዝፍለጣ ጉጅለ ደቂኣንስትዮ ኮይና፤ ማዕረ ምስ ደቂተባዕትዮ ናብ ህዋ ንዝግበር በረራ ፈተናታት’ኳ እንተተፈተነት ክሳብ ሕጂ ግን ከይሰለጣ ጸኒሑ።

እዚ ጉዕዞ 'ዋላ ሓደ ክንድ'ዚ ነዊሕ ዝተጸበየ የለን' ንእትብል ስልጠና ኣብራሪ [ፓይለት] ንዝወሰደት ሜሪ ዋሌስ ናይ ህይወት ዘመን ሽልማታ'ዩ፤ ነዚ 60 ዓመት ሙሉእ ተጸብያ እያ።

ቤዞስ ዝርከቦም ኣርባዕተ ሰባት ሎሚ ሰሉስ ካብቲ ንሱ ዝውንኖ ሮኬት ዝውንጨፋሉ ኣብ ቴክሳስ ዝርከብ ቦታ ከም ዝብገሱ ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ኣብ ቱሪዝም ህዋ ዝወዳደሮ ሪቻርድ ብራንድሰን ቅድሚ ትሸዓተ መዓልቲ ብናይ ባዓሉ ነፋሪት ህዋ ንዘካየዶ ተመሳሳሊ መገገሻ ስዒቡ’ዩ ቤዞስ ምስ ኣባላቱ ናብ ህዋ ዝጓዓዝ ዘሎ።

ቢልየነራት ናብ ህዋ ኣብ ዝግበር በረራ ብስፍሓት ዝነጥፉ ዘለዉ ኮይኖም፤ ሰባት ናብኡ ዝጓዓዙሉ ዕድል ንምስፋሕ ይጽዕሩ ምህላዎም ይገልጹ።

ብእንግሊዛዊ ቢልየነር ሪቻርድ ብራንሰን ዝተጣየሸ ትካል ቨርጂን ጋላክቲክ ፍላይትስ ንሓደ ሰብ ክሳብ 250,000 ዶላር ኣኽፊሉ ናብ ህዋ ክወስድ ከምዝኽእል’ኳ እንተተፈለጠ፤ ናይ ቤዞስ ኒው ሺፓርድ ግን ክንደይ ከምዝኽፈላ ኣይተፈለጠን።

ቤዞስን ብራንሰንን ነዚ ኣብ መገሻ ህዋ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዝቃወሙ ርእይቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብስፍሓት ይረኣዩ።

ነዚ ዘውጽእዎ ገንዘብ ኣብ ለውጢ ካባቢ ኣየር [ክሊማዊ ለውጢ] ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስን ዝበሉ ዝሓሹ ተግባራት እንተዘውዕልዎ ይምዕዱ።

ሪቻርድ ብራንሰን ነዚ ነቐፌታ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “እዚ ክርድኣኒ ኣይክእልን። ምናልባት ግን ህዋ ንመሬት እንታይ ማለት ከምዝኾነት ብእኹል ዘይተምሃሩ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም” ክብል ነቒፉ።

ሳተላይታት “ምጉሕጓሕ እጽዋትን ኣግራብን፤ ክፍፍል መግቢ ዋላ’ውን ኣብ ለውጢ ክሊማ” ኣብ ምቁጽጻር ከም ዝነጥፋ ብምሕባር ቁጽሪ ናብ ህዋ ዝበራ ነፈርቲ ክውስኽ እምበር ክንክይ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።