እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዋሊ ፋንክ: ናብ ህዋን ንምኻድ 60 ዓመት ዝተጸበየት ጓል 82 ዓመት
ጽባሕ ሰሉስ ኣብ ህዋ ታሪኽ ክስራሕ እዩ ዝመስል። ኩሉ ከምቲ ዝተወጠነሉ እንተተፈጺሙ ሜሪ ዋሌስ "ዋሊ" ፋንክ እታ ብዕድመ ዝዓበየት ጠፈርተኛ ክትኸውን እያ።
ጓል 82 ዓመት ሜሪ ዋሌስ ምስ ሃብታም ዓለምና ዝኾነ ጄፍ ቤዞስ፣ ሓውን ወዲ 18 ዓመት ኦሊቨር ዲሜንን ኣብ ሓንቲ መንኮርኩር ክትውንጨፍ እያ።
እዚ፡ ስልጠና ኣብራሪ [ፓይለት] ንዝወሰደት ሜሪ ዋሌስ ናይ ህይወት ዘመን ሽልማታ'ዩ፤ ነዚ 60 ዓመት ሙሉእ ተጸብያ እያ።
ጀማሪት
እዛ ጓል 82 ዓመት ብዙሕ ታሪኽ ዝሰርሐት ኮይና ኣብ ብዙሕ ነገር ጀማሪት'ያ።
ፈንክ፡ ኣብ ቦርድ ብሄራዊ ድሕነት መጓዓዝያ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ተመራማሪት ድሕነት ኣየር ኮይና ኣገልጊላ።
ኣብ ኣመሪካ'ውን ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ተቖጻጻሪት ምምሕዳር ኣቪየሽን ፌደራል'ያ ነይራ።
ኣብራሪት ነፋሪት ኮይና 19,600 ሰዓታት ብምብራር ንብዙሓት ክተገርም እንከላ፤ ካልኦት 3,000 ክኢላታት በረራ'ውን ኣምሂራ።
ስለዚ እዚ ሰሉስ ናብ ህዋ ዝግበር በረራ ንፋንክ ሓድሽ ኣይኮነን።
ኣብ 1960ታት፡ ጓል 20 ዓመት ዝነበረት ፋንክ ናብ ህዋ ንምኻድ ከበድቲ ስልጠናታት ትወስድ፣ ብዙሕ ናይ ሕክምናውን ኣካላውን መርመራታት ትገብር ነይራ።
እዚ ምስ ካልኦት 12 ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ዝሓሰበቶ 'ሜርኩሪ 13' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጉጅለ በረራ ህዋ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ልክዕ ወዲ ተባዕታይ ዝወስዶም ስልጠናታት ይወስዳ ነይረን።
"ኩሉ መርመራታት ዝገርም ነይሩ። ኣብ ወንበር ኣሲሮም ብሓደ እዝነይ 10 ዲግሪ ሴልሽየዝ ዝዕቀን ዝሑል ማይ ወጊኦምኒ። ኣብዚ ግዜ ነብስኻ ምቁጽጻር ስለ ዘይትኽእል ዕቡድ ኢኻ ትኸውን። ድሓር ካብቲ ክፍሊ ኣውጺኦም ከኣ ድሕሪ ሓደ ሰዓት በቲ ኻልኣይ እዝንኻ ይደግሙኻ" ክትብል ምስ ቢቢሲ ኣውጊዓ ነይራ።
ጸርጊ ዘለዎ ማይ [radioactive water] ክትሰቲ፣ ናይ ስምዒት ህዋሳትካ ኣብ ዝጎድእ ገንኢ [sensory-deprivation tank] ክትኣቱ ግድን ነይሩ። እዚኦም ገለ ካብቶም ናብ ህዋ ዝጉዓዙ ሰባት ዝሓልፉዎም ፈተናታት'ዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ከበድቲ'ዮም።
"ካብ 125 ደቂ ተባዕትዮ እቶም ሸውዓት ነዚ ክሓልፉዎ እንከለው፤ ካብ 25 ደቂ ኣንስትዮ ከኣ 13 ተዓዊተናሉ" ኢላ።
ብ1999፡ ናብ ናሳ ክትኸይድ ኣብ ዝነበራ ቃለ መጠይቕ ክትሓልፎ ዝግባእ ስልጠናታት ኩሉ ንምሕላፍ ቖራጽነት ከም ዘለዋ ተዛሪባ ነይራ።
"ምስ ገሊኦም ፈተናታት ብዝተሓሓዝ ዘጋጥም ብዙሕ ስቓይ ኣሎ። ግን ድማ ናብ ህዋ ክቐርብ ዝገብረኒ ዝነበረ ንሱ'ዩ፤ ክኸዶ ዝደሊ ቦታ ኸኣ ንሱ'ዩ" ትብል።
ዘሕርቕ ኣጋጣሚ
እንተኾነ ግና ናሳ፡ እቶም ናብ ህዋ ክበሩ ዝፍቀደሎም፡ ኣብ ፈተነ በረራ ልዑል ፍጥነት ዘመዝገቡ ፓይሎታትን ብምህንድስና ዲግሪ ዘለዎምን ክኾኑ ኣለዎም ብምባሉ: ፋንክ ተመራማሪት ህዋ ንምዃን ዝነበራ ሕልሚ በርዒኑ።
ኣብቲ ግዜ'ቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብረርቲ ነፈርቲ ውግእ ክኾና ኣይፍቀደለንን ነይሩ። ፋንክ ግን በቲ ዝወጽአ መመዘኒ ረቛሒ ተስፋ ኣይቖረጸትን።
"ኣርባዕተ ግዜ ናብ ናሳ ኣመልኪተ፤ ግን ድማ ብኢንጅነሪንግ ዲግሪ ስለ ዘይብለይ ኣርባዕተ ግዜ ነጺጉኒ። ድሓር እዚ ዲግሪ ንምርካብ ትሸዓተ ወርሒ ሂቦምኒ፤ ክኸውን ግን ኣይክእልን ነይሩ" ክትብል ብ1999 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ቃለ መጠይቕ ተዛሪባ።
ንዓመታት ዝገበረቶ ጻዕሪ ግን ንበለል ኣይተረፈን።
"ኣብ 1983፡ ኣመሪካዊት ሳሊ ራይድ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ጠፈርተኛ ምስ ኮነት ብጣዕሚ ተሓጒሰ። ቴሌፎን ደዊላ እዚ ኹሉ ፈተናታት ብምሕላፍኪ ክትምስገኒ ይግባእ ኢላ ኣመስጊናትኒ" ትብል።
ፋንክ ምስ ናሳ ብዘይምብራራ ከም ዝሓረቐት ትዛረብ፤ እንተኾነ እዚ ናይ ነዊሕ እዋን ሕልማ ካብ ምግሃድ ኣየሰናኸላን።
ኣብ መወዳእታ 1990ታት ኣብ ኣመሪካ ፈላመይቲ ኣብ ህዋ እትጉዓዝ በጻሒት ዓዲ ክተከውን ከም እትደልይ ፋንክ ተዛሪባ፥ እዚ ብ2005 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ክካየድ ተሓሲቡ'ኳ እንተነበረ ኣይሰለጠን።
ኣብ 2010 ዓ.ም 200,000 ዶላር ብምኽፋል ኣብቲ ሪቻርድ ብራንሰን ዝወጠኖ ናይ ህዋ መገሻ ቨርጂን ጋላክቲክ ንምብራር ትኬት ዓዲጋ።
እቲ በረራ ኣብዚ ወርሒ እኳ እንተተፈጸመ ፋንክ ግና ምስታ መንኮርኮር ኣይበረረትን።
ጽባሕ ግና ምስ ጀፍ ቤዞስ "ናይ ክብሪ ጋሻ" ብምዃን ከትበርር እያ።
ልክዕ ከም በረራ ቨርጅን ጋላክቲክ ሮኬት ብሉ ኦሪጅን'ውን ኣብ ህዋ ንኡስ ዑደታዊ ምብጻሕ እያ ክትገብር።
ተጉዓዝቲ እዚ በረራ ግን፡ ልክዕ ከምቲ ጠፈርተኛታት ዝገብሩዎ በረራ ዑደት ምህዋር መሬት ኣይኮነን ክህልዎም።
ኣብ ቴክሳስ ካብ ዘሎ መወንጨፊ ማእከል ምስ ተበገሱ እታ ኣርባዕተ ተጉዓዝቲ እትሕዝ ሮኬት ኣብ ሰዓት 3,000 ኪሎ ሜትር ክትውንጨፍ እያ።
ካብ መሬት ልዕሊ 100 ኪሎ ሜትሮ ርሒቐም ከኣ ስሕበት መሬት ዘይብሉ ኩነት ክሙከሩ እዮም። ኣብዚ እቶም ተጉዓዝቲ ንኣርባዕተ ደቓይቕ ዝኸውን ክብደት ናይ ዘይምህላው ስምዒት ክስምዖም'ዩ።
እዚ ጉዕዞ ን10 ደቓይቕ ዝጸንሕ ኮይኑ ብፓራሹት ክወርዱ'ዮም።
ድሕሪ ክንደይ ውጻእ ውረድ ከኣ ፋንክ ጠፈርተኛ ክትኸውን እያ።