ስነ-ጠፈር፡ ሓደ ካብቶም ንፈለማ እዋን ንወርሒ ዝተወንጨፉ ጠፈርተኛታት ዝኾነ ማይክ ኮሊንስ ሞይቱ

ሓደ ካብቶም ንፈለማ እዋን ኣብ 1969 ናብ ወርሒ ዝተወንጨፉ ሰለስተ ኣመሪካውያን ጠፈርተኛታት ዝኾነ፡ ማይክል ኮሊንስ ኣብ መበል 90 ዓመቱ ዓሪፉ።

ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ወርሒ እግሩ ዘንበረ ኒል ኣርምስትሮንግን ምስኡ ኣብ ገጽ ወርሒ ዝረገጸ ባዝ ኣልድሪንን፡ ከምኡ'ውን ማይክል ኮሊንስን ኣካል ናይታ ብኣፖሎ 11 ትጽዋዕ መንኮርኮር ትካል ጠፈር ኣመሪካ፡ ናሳ፡ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሑ ጠፈርተኛታት'ዮም።

ኮሊንስ፡ ክልቲኦም ብጾቱ ናብ ባይታ ወርሒ ኣብ ዝወረድሉ፡ ኣብታ ዝወሰደቶም ኣፖሎ 11 ተባሂላ እትፍለጥ መንኮርኮር ብምዃን ኣብ ዙርያ ወርሒ ዑደት እናካየደ ዝጽበዮም ዝነበረ'ዩ።

"ማይክ፡ ምስ ሕማም መንሽሮ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብረቡዕ ዓሪፉ'ሎ። እተን ዘሕለፈን፡ ናይ መወዳእታ መዓልታቱ ሰላም ዝዓሰለን እየን ነይረን። ቤተሰቡ ኣብ ጎኑ ነይሮም" ክብሉ ስድራቤቱ ኣፍሊጦም።

እቲ ስድራቤት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ማይክ፡ ንዘገጥሞ ብድሆታት ብጸጋን ትሕትናን'ዩ ዝገጥሞ ነይሩ። ነዚ ንመወዳእታ ግዜ ዝገጠሞ ብድሆ''ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ'ዩ ገጢምዎ" ኢሉ።

"ኣዚና ክናፍቖ ኢና። ሓደ ነገር ግን ይርዳኣና፡ ማይክ፡ ነቲ ዝነበሮ ሂወት ክነብር ምኽኣሉ ዕድለኛ ምዃኑ'ዩ ዝቖጽሮ ነይሩ።

"ንድሌቱ ብምኽባር፡ ክንዲ ነልቅሰሉ፡ ንዝነበሮ ሂወት ክንጽንብሎ ኢና" ይብል እቲ መግለጺ።

ካብቶም 3 ፍሉጣት ጠፈርተኛታት ወዲ 91 ባዝ ኣልድሪን ጥራይ ብሂወት ተሪፉ'ሎ። ኒል ኣርምስትሮን ኣብ ነሓሰ 2012 ኣብ መበል 82 ዓመቱ ምማቱ ይዝከር።

በረራ መንኮርኮር ኣፖሎ 11 ሓደ ካብ ዓበይቲ ፍጻሜታት ዓለም ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ ይርከብ።

ብ20 ሓምለ 1969 ኒል ኣርምስትሮግ ንፈለማ እዋን፡ እግሩ ኣብ ሓመድ ወርሒ ኣብ ዝተንከፈሉ ግዜ "ሓደ ስጉምቲ ንሓደ ሰብ፡ ዓቢ ዝላ ንወዲ ሰብ" ክብል ዘቃልሖ ቃላት ወትሩ ክዝንቶ ዝነብር ዛንታ ኮይኑ'ሎ።

ብድሕሪኦም ናብ ገጽ ወርሒ ዝበጽሑ ጠፈርተኛታት'ኳ እንተለዉ፡ ካብ 1972 ጀሚሩ ግን ናብታ ድምቕቲ ወርሒ ዝበጽሐ ሰብ የለን።