ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ 'ካብ ህወሓት ተልእኾ ዝተቐበሉ' እዮም ዝበሎም 325 ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታው ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Addis ababa police
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ "ካብ ህወሓት ተልእኾ ተቐቢሎም ኣብታ ከተማ ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም" ዝበሎም ልዕሊ 320 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወን ብርክት ዝበለ ኣጽዋር ከም ዝሓዘን ገሊጹ።
ንኮምሽነር ጌቱ ኣርጋው ብምጥቃስ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "ዕግርግርን ረብሻን ንምልዕዓል ተልእኾ ተዋሂቡዎም ክንቀሳቐሱ ዝተረኽቡ 325 ሰባት ብሕጋዊ መገዲ ተታሒዞም መርመራ ይግበረሎም ኣሎ" ኢሉ።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ሓደ ሓደ ናይ መዘናግዕን ናይ ተልሂትን ቦታትን ንባንዴራ እታ ሃገር "ብዘዋርድ መልክዑ ግቡእ ዘይኮነ ተግባራት እናፈጸሙ ክስዕስዑ ተታሒዞም መርመራ ይግበረሎም ዘለው" ውልቀሰባት ኣለው ኢሉ።
ዝተፈላለዩ ዕጥቕን ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ንዋትን ተታሒዙ ምህላው'ውን ኮምሽነር ጌትነት ሓቢሩ።
በቲ መስርሕ "ስግኣት እዮም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ 793 ግሮሰሪታት፣ ናይ ትልሂት ቦታታት፣ ሆቴላትን ካልእ ኣብያተ ንግድን ፖሊስ ተፍትሽ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ዝተፈላለዩ ኣጽዋርን ንዋትን ሒዙ'ዩ" ክብል እቲ ኮምሽን ገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ተፍትሽ ዝተፈላለዩ ሽጉጥን ጠበንጃታትን፣ ናይ ቀደም ደንቢ ክዳን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ደንቢ ክዳን ፖሊስ ፌደራልን ኣዲስ ኣበባን፣ መዓርጋት ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻልን ካልእን ተታሒዙ'ዩ ክብል ኮሚሽነር ጌቱ ተዛሪቡ።
ፖሊስ ነዚ መግለጺ ዝሃበ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን በብመገዶም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝበጽሕ ምንክልባት፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን መጥቃዕትን ብቕልጡፍ ደው ክብል ምሕታቶም ስዒቡ እዩ።
እቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ምንክልባት፣ ማእሰርትን ምዕጻው ንግዳዊ ትካላትን ይፍጸም ከም ዘሎ ጠቒሶም ኣብ ዝኾነ ከባቢ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተኣሰሩ ሰባት ክፍትሑን ዝተጠርጠሩ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከምኡ'ውን እቶም ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝፈጸሙ ኣካላት ተሓተትቲ ክኾኑ ሓቲቶም ነይሮም።
ኣፈኛ ፖሊስ ፌደራል ኣብዲ ጀላን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "ሰባት ብገበን ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ክኣትው ይኽእሉ እዮም፤ እንተዘይኮይኑ ንመንነቱ መሰረት ብምግባር ዝተኣሰረ የለን" ኢሉ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር፡ መንግስቲ ፌደራል ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ብዝብል ክሲ ናብ ኲናት ድሕሪ ምእታዎም ብዙሓት ወተሃደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ህወሓት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከም ዝወጽኣሎም ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ ገለ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይርአ ምህላው ይፍለጥ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ንዝነበሮ ሕጋውነት ክስርዝ እንከሎ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ 'ኣሸባሪ ጉጅለ' ክብል ሰዪምዎ እዩ።
መንግስቲ ፌደራል ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ትግራይ ከካይዶ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወፍሪ ንምግታእ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣዊጁ ካብቲ ክልል ሰራዊት ከም ዝሰሓበ ካብ ዝገልጽ ሰሙናት ተቖጺሮም ኣለው።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







