ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ 'መንግስቲ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ብዝግባእ ክፍጽም እዩ'

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ንከተማታት ኮረምን ኣላማጣን ምስተቖጻጸሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንፈለማ እዋን "መንግስቲ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ብዝግባእ ክፍጽም እዩ" ብምባል ቅዋም መንግስቱ ገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ኮረምን ኣላማጣን ድሕሪ ምሓዞም፡ ብተወሳኺ ወልቃይት ጸገዴን ሰቲት ሑመራን ንምቁጽጻር ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ሰብአዊ ሓገዝ ክባጻሕን ሓረስታይ ስራሕቲ ማሕረስ ከሳልጥን ብምሕሳብ ተኹሲ ደው ምባል እኳ እንተኣወጀ፡ ሓይልታት ትግራይ ኲናት ደው ስለዘየበሉ " ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ብግቡእ መገዲ ክፍጸም እዩ" ኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ"ረድኤት መእተዊ መተሓላለፊ መገዲታት ማእከላት ጎንጺ ክገብርዎ፡ ትካላት ረድኤት ሐዚ እውን መንግስቲ ንምውቃስ ትንዕ ይብሉ ኣለዉ'' ክብል ከሲሱ።

ቅድሚ ሰሙናት መንግስቲ ፌደራል በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ከምዝኣወጀን፡ መንግስቲ ትግራይ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ሸውዓተ ነጥቢ ዝሓዘ ቅድመ ኹነት ከምዘቐመጠ ዝዝከር እዩ።

ካብቶም ቅድመ ኩነታት ሓደ "ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎ ግዝኣት ትግራይ ወጺኦም ቅድሚ እቲ ኩናት ናብ ዝነበርዎ ከባቢ ክምለሱ" ዝሓትት እዩ።

ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ብወገኑ "ህዝቢ ኣምሓራ ናይ ወሰንን መንነትን ሕቶ ኣልዒሉ ክቃለሰሎም ዝጸንሑ" ዝብሎም ናይ ራያ ኣላማጣን ኮረምን፣ ከባቢታት ወልቃይ ጸገዴን ሰቲት ሑመራን ከምዝሕልዎም ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብቲ ሎሚ ዝጸሓፎ መልእኽቲ "ንህዝቢ ትግራይ ዘለና ሓሳብ፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘለና ቦታ ንመወዳእታ ግዘ ኣርኢና ኢና። ጎንጺ ንዘይምግዳድ፣ እቲ ህዝቢ ክሓርስ ዕረፍቲ ንምሃብን ቀረብ ሓገዝ ብዘይ ምትእጉጓል ካከየድን ምእንቲ ኣብ ሰብኣውነት ዝተመስረተ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ጌርና ኢና" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ "ሰላም ዝተወሰነ ዋጋ ከምዘኽፍለና እኳ እንተፈለጥና እዚ ግን ናይ መወዳእታ ዕድል እዩ" ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚነስተር ኣተሓሒዙ ድማ "ብሓደ ገጽ ሰብአዊ ሓገዝ ክሳለጥ እናሰራሕና ብኻልእ ገጽ ናይ ውሽጥን ወጻእን ጸላእቲ ተናቢቦም ዝኸፈቱልና መጥቃዕቲ መኪትና ክንቅይሮ ኢና" ብምባል ቅዋም መንግስቲ ፌደራል ገሊጹ።

"ንህዝብና ክንብል ዝኸፈልናዮ ዋጋ፡ ድኹማት ስለዘይተረድእዎ ውጽኢት ኣየምጸአን። እቲ ጁንታ ቀንዲ ጸላኢ ህልውና ኢትዮጵያ ከምዝኾነ እውን የመስክር ኣሎ። እዚ ድማ ኩሉ ህዝብና ኣተሓባቢርና ክንቅይሮ ኢና።"

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ምውጽኡ ስዒቡ ኣገልግሎታት መብራህቲ፣ቴሌኮሙኒኬሽን፥ መጓዓዝያን ባንክን ምቁራጾም ስዒቡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዱ ስጉእመቲ ምቁራጽ ተኹሲ ዘይኮነስ "ከበባ" እዩ ዝብል ወቐሳታት ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ። ገለ ሃገራት ድማ ነቲ ተበግሶ ምቁራጽ ተኹሲ ንኢደንኦ እየን።

መንግስቲ ፌደራል ሓይልታት ህወሓት ኣብ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ብምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ስጉምቲ ክውሰድ ድሕሪ ምእዛዙ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ብዝተኻየደ ኲናት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

እቲ ኩናት ምስተጀመረ ሓይሊታት ክልል ኣምሓራ ተወሲዱና ነይሩ ዝብልዎ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ክልላት ዝርከቡ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ጸኒሖም።

ወልቃይት ጸገዴ፥ ሰቲት ሑመራ፥ ጸለምትን ራያን ክልቲኦም ክልላት ካብ ዝሰሓሓቡሎም ከባቢታት ዝጥቀሱ እዮም።