እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ መወዓውዒ ክታበት ኮቪድ-19 ቁጥዐ ፈጢሩ
መንግስቲ ኣውስትራልያ ንክታበት ኮቪድ-19 ንምውዕዋዕ ብዝብል ሓንቲ ሰበይቲ ብኮቪድ እናተሳቐየት ዘርእይ ቪድዮ ተቓውሞ ገጢምዎ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ሓንቲ መተንፈሲ ቬንቲሌተር ዝተገጠመላ ጎርዞ ኣብ ሆስፒታል ብሕጽረት ኣየር እናተሳቐየት ትርአ።
"ኮቪድ-19 ንኹሉ ከጥቅዕ ይኽእል እዩ . . . ንኽታበት ተመዝገቡ" ዝብል ጽሑፍ ድማ ይንበብ።
ነቐፍቲ ግና፡ እቲ መወዓውዒ ንመንእሰያት ዝዓለመ ምዃኑን ትሕቲ 40 ዝዕድሚኦም ሰባት ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክታበት ዝረኽቡሉ ተኽእሎ ከምዘየሎን ብምሕባር ተቓውሞኦም ይገልጹ።
ብዘይካ'ዚ ክፍሊ ጥዕና እታ ሃገር፡ መንእሰያት ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሎ ክታበት ኣስትራዜነካ ዝወስዱ ንክታበት ፒፋይዘር ክጽበዩ እዩ ዝመክር።
እንተኾነ ኣውስትራልያ እኹል ቀረብ ክታበት ፒፋይዘር የብላን።
እቲ መወዓውዒ ኣብታ በቲ ዴልታ ዝተባህለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ተሸጊራ ንሳልሳይ ሰሙን ኣብ ዕጽዋ እትርከብ ከተማ ሲድኒ እዩ ተዘርጊሑ።
ሰብ መዚ ብሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ 112 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ክገልጹ እንከለው፤ እቲ ዓሌት ካብ ዝተራእየሉ መፋርቕ ሰነ ክሳዕ ሕጂ ዝተለኽፉ ሰባት 700 በጺሑ ኣሎ።
ጋዜጠኛ ሃግ ሪሚንተን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "እቶም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ኣውስትራልያውያን ክታበት ንምርካብ ጌና ኣብ ምጽባይ ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ከምዚ ዝኣመሰለ መወዓውዒ ምዝርጋሕ ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን" ኢሉ።
ካልእ ተጠቃሚ ትዊተር ብወገኑ፡ "ስለምንታይ ኢና ንናኣሽቱ ሰባት ዒላማ ንገብር ዘሎና? ነቲ ኣብ ልዕሊ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ዝርአ ዘሎ ምጥርጣር ናይ ክታበታት ክነተኩር ዶ ኣይምተገብአን?" ኢሉ።
ሰብ ሞያ ጥዕና ዝርከብዎም ብዙሓት እቲ መወዓውዒ ክቋረጽ ይሓቱ ኣለው።
መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና፡ ሰባት ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ፡ መርመራ ክገብሩን ንኽታበት ክምዝገቡን "እቲ መልእኽቲ ምእንቲ ክመሓላለፍ፡ ኮነ ኢልካ ኣሰቃቒ ክኸውን" ከም ዝተገብረ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ጥዕና እታ ሃገር ፖል ኬሊ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ "ብሰንኪ እቲ ኣብ ሲድኒ ዘሎ ኩነታት ኢና ነዚ ገይርና" ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ሲድኒ ተኸሲቱ ዘሎ ማዕበል ለበዳ ብዙሓት ሰባት፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ንክታበት ዝዘርግሓሉ መገዲ ይነቕፉ ኣለው።
እቲ መንግስቲ ክታበታት ምዝርጋሕ ኣብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ ክታበት ፒፋይዘር፡ እቲ ህዝቢ ቅሩብ ዘይምዃኑን ትካላት ጥዕና ብዛዕባ ሓደጋታት ኣስትራዜነካ ብዝህብኦ ሓበሬታታት ዛሕቲሉ እዩ ጸኒሑ።
ዛጊት 10% ህዝቢ እታ ሃገር እዩ ምሉእ ክታበት ዝወሰደ።