እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጓል 106 ዓመት ኣውስትራልያዊት ሳዕሳዒት ኣይለን ክራመር
ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተቐመጠት ወይዘሮ አይለን ክራመር ኣብ 99 ዓመት ናብ ሲድኒ ዝርከብ ቤታ ተመሊሳ።
ጓል 106 ዓመት ኣውስትራልያዊት ሳዕስዒት ኣይለን ክራመር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ መናበዪ ኣረጋውያን ዝነበረትሉ እዋን መጽሓፍ ብምጽሓፋ ከኣ ኣብቲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ብሉጽ ዝዀነ ውድድር ቅብኣ ኣትያ።
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዛ ከኣ ምስ ስነ-ጥበባውያን ብምትሕብባር ነቲ ቀንዲ ክእለታን ንምሉእ ህይወታ ዝፈተወቶ ሳዕስዒት ዘርኢ እተፈላለየ ቪድዮታት ተዳሉ ኣላ።
ወይዘሮ ክራመር ክሳዕ ሕጂ እያ እትስዕስዕ - መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ፍርቂ ኣካላታ ንላዕሊ ኣዝዩ ባህ ዘብልን ዘደንቕን ምንቅስቓሳት ትጥቀም። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እውን እናሳዕሰዐት ተሳኢላ ኔራ።
"ናብ ሲድኒ ካብ ዝምለስ ኣትሒዘ፡ ኣብ NIDA [ሃገራዊ ትካል ድራማዊ ኣርት] ሰለስተ ዓበይቲ ትልሂታት ኣርእየ።
"ኣብ ኣደላይን ብሪዝቤንን ኣብ ዝግበር ክልተ ዓበይቲ ናይ ሳዕስዒት በዓላት ተሳቲፈ እየ። ኣብ ብዙሕ ሓጺር ፊልምታት ተዋሲአ፡ ሰለስተ መጻሕፍቲ ጽሒፈ፡ ሎሚ ከኣ ካብ ቤተይ እዛረብ ኣለኹ" ኢላ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እትስዕስዓሉ እዋን እቲ ኩሉ ሓይሊ ካበይ ከም ዝመጽእን ክሳብ እትኣርግ ክትስዕስዕ ዝሕግዛ ሚስጢር እንታይ እዩ ተባሂላ ምስ ተሓተተት፡ "ኣረጊት" ን "እርጋን" ን ዝብላ ቃላት ካብቲ መዝገበ ቃላት ከም ዝሓኸኸተን እያ ትዛረብ።
ዳሕራይ ኣብ ዕላልና ስለ እተጠቕምናለን ከኣ ገሲጻትኒ።
"ኣረጊት ኣይኮንኩን። ነዊሕ ግዜ ነቢረ ኣለኹ፤ ግን ኣብ ጉዕዞይ ሒደት ነገራት እየ ተማሂረ። ሰባት፡ ምስ ኣረግካ እንታይ ክስምዓካ ከም ዝኽእል ክነግሩኒ ኣይደልን እየ። ብኣረኣእያይ ንነገራት ከምቲ ቈልዓ ዝነበርኩሉ እዋን እየ ዘመሳስሎም - [ንዓይ እቲ ናይ ቀደምን ሕጅን] ሓደ እዩ" ትብል ።
ካብ ቤት ዝብገስ ድራኸ
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ክራመር ንብዙሕ ህዝቢ ብሳዕሳዒታ ኣገሪማ፡ ተሳኢላን ካብ ንእስነታ ዝምንጩ ብዙሕ ምርኢት ሳዕስዒት ኣቕሪባ'ያ።
ኣብ ሲድኒ ናይ ሳዕስዒት ቪድዮ እናዳለወት፡ ናይ ኮቪድ ምንቅስቓስ ዕጽዋ ንግዜኡ ንመደባታ ኣሰናኺሉዎ ነይሩ፤ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን ተፈቲሑ።
"ናብቲ ቪደዮ ዝቕረጸሉ ዝርከበሉ ቦታ ክኸይድ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ኣብ ክንዳኡ ከመይ ገይርና ቪድዮ ንሰርሕ ከም ዘለና መጽሓፍ ጽሒፈ" ትብል።
እቲ ፊልሚ ዝሰኣለሉ ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ዓርሞሸሽ ኦም ሞሬቶን ዘለዎ ቦታ ብምዃኑ ንሚስ ክራመር ፍሉይ ቦታ እዩ።
እቲ ማራኺ ጨና ኣእዋም ብዕሪር፡ እቲ ብዝተፈላለየ ኣግራብን ዕምበባን ዝማዕረገ ሰፊሕ ቦታን ድምጺ እቶም ዝስሕቁን ዝፋጽዩን ኣዕዋፍ ንሚስ ክራመር ናብ ሲድኒ ክትምለስ ካብ ዝደረኹዋ ነገራት እዮም።
"እቲ አእዋም ናይ ምስዕሳዕ ሰምዒተይ የለዓዕሎ። ቀሪብኩም ርኢኹም'ዶ ትፈልጡ? ኣብ ሓደ ስሙይ ቤተ መንግስቲ ከም ዘለኻ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ። እቲ ዝኽሪ ናብ ግዜ ቝልዕነተይ ይመስለኒ" ትብል።
ሚስ ክራመር ንፊልም ዝኸውን ሒደት ኣሳእል ተሳኢላ፡ ብድሕሪኡ ተወሃሂዱ መሰነይታ ሙዚቃኣ ክኸውን እዩ።
ሓላፊት ናይቲ "መሰረታዊ ቅርጻ" ዝበሃል ናይ ገዛእ ርእሳ ቤት ሕትመት ብምዃና ኣብዚ ዓመት እዚ መጽሓፋ ተሕትም ኣላ።
ሚእቲ ዓመት ዕድመ ካብ እትኣቱ ንደሓር፡ ሓራምዝ እትብልን ካልእ ሓጺር እኩብ ዛንታታት እውን ኣሕቲማ እያ።
"ኮቪድ ንአእምሮይ ኣይኣሰሮን። "ክጽሕፍ እንከለኹ ጽምዋ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን" ትብል ።
ሚስ ክራመር ኣብታ እትነብረላ ኤልሳቤጥ በይ ዝተባህለት ከተማን ኣከባብን ውርይቲ ሰብ እያ።
ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ፈተውታ ብኣፍደገ መስኮት መበል 106 ዓመት ልደታ ድግስ ገይሮሙላ።
"ኣዝየ ተገሪመን ተሓጒሰን፡ ልበይ እውን ተተንኪፉ። ኣብ ኣፍ ደገ መስኮተይ ኮፍ መበሊ ሰድያ ገይሮም ናይ ልደተይ ባሎን ሂቦሙኒ" ብማለት ሓጎሳ ትገልጽ።
ሕጉስ ውቁብ ህይወት
ኣብ ሲድኒ ሞስማን በይ ዝተወልደት ሚስ ክራርነር ሳዕሳዒት ተዓሊማ ምስ ቦደንዋይዘር ባለት ኣብ ኣውስትራልያ ንዓሰርተ ዓመት ዑደት ገይራ።
ካብኡ ና ናብ ህንዲ ግዒዛ። ዳሕራይ ኣብ ፓሪስን ኒው ዮርክን ተቐሚጣ። ክሳዕ ጓል 99 ዓመት እትኸውን ድማ ኣብኡ ጸኒሓ።
ናይ ሳዕስዒት ሞያኣ፡ ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ ዓለማት ኣብጺሑዋ፤ ንሓደ ክፍለ-ዘመን ከኣ ተዋሲኣትሉ፡ ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣዝያ እያ ተፍቅሮ።
"መብዛሕትኡ ህይወተይ ምስ ሳዕሳዕቲ ስለ እተራኸብኩ፡ ጸምዩኒ ኣይፈልጥን እዩ። ዘይከምከማይ ገሊኦም ንዓይ ተመርዕዮም ዝወለዱ ወይ ናብ ኤውሮጳ ዝተመልሱ እዮም ። ኣነ ግን ነቲ ኣብ ሞያ ሳዕሳዒት ዘጋጥም ዘይምቹእ ኵነታት ተጻዊረዮ እየ "ትብል።
ኤለን ክራመር፡ ኣብ ፓሪስ ክትነብር እንከላ ንክራይ ገዝኣ ብስነ-ጥበባዊ ሞዴላ እያ ትኸፍሎ ኔራ። ከምኡ ዓይነት ናብራ ሓደገኛ እዩ ነይሩ።
"ግን ኣነ ንዓማዊለይን ንስነ ምግባራቶምን ኣጽኒዐዮ ነይረ" ትብል።
ዘፍርሕ እኳ እንተኾነ እቲ ህይወት ከምኡ እዩ ነይሩ።
ምስ ህቡባት ደቂ ፓሪስ ስነ-ጥበባውያን ተላልያን ትምህርታ ቀጺላን ኣብ ዱፐ ኣብ ዝርከብ ካዚኖ ኣርምስትሮንግ ሰሪሓ ናብ ኒው ዮርክ ገዓዘት።
ናብ ኣውስትራልያ ምስ ተመልሰት፡ ሰባት ነቲ ልሙድ ኣመጋግባ ዓሳን ድንሽን ( (ፊሽን ቺፕስን) ክበልዑ ምርኣይ፡ ከምኡ እውን ባህሊ ኣቦርጅናውያን ዝያዳ ተፈላጥነት ረኺቡ ምርኣያ ከምዝተሓጎሰት ትዛረብ።
እቲ ዝበለጸ ምኽሪ ካብ መስራቲት ቦደንዊሰር ባለት ዝዀነት ማዳመ ቦደንዊሰር ዝተባህለት ዝረኸበታ ኰይና፡ ንክንስዕስዕ ዑደት ክንገብር እንከሎና ብዛዕባ ግዜያዊ ጕዳያት ፍቕሪ እትገልጽ እያ።
"እታ ኣብ መድረኽ እትረአ ሰበይቲ እምበር እቶም ሰብኡን ኣይኮኑን ነታ ሰበይቲ ዝረኽቡዋ" ትብል ። "ክንደይ ብፍቕሪ ዝጎሃየ ልቢ ሓዲግና ኢና" ዑደትና ንቕጽል ከኣ ትብል።
ሎሚ እቲ ተሓባባሪኣ ኮይኑ ዘሎ ሱ- ሄለይ ምስ ወይዘሮ ክራመር ምዕያይ "ህያው ታሪኽ ከም ምምስካር'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
ኣብቲ ኣብ መልበርን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲስነ-ጥበብ ናይ ክብሪ መዓርግ ዘለዋ ሚስ ሄለይ ብወገና፡ "ምስቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝካየድ ዘሎ ዘመናዊ ሳዕስዒት ጽቡቕ ምትእስሳር ኣለዋ። ንዓይ ከኣ ከም ኣዳላዊ ናይቲ ሳዕስዒት፡ እዚ ወርቂ እዩ" ትብል።
"ንህይወት ምስ ጽባቐን ፈጠራዊ ላዛን እያ እተመሳስሎ። ንዕዮታታ ምሉእ ብምሉእ እያ እትቈጻጸሮ፡ ብቐጻሊ ከኣ ሓድሽ ነገር ትፈጥርን ትምህዝን" ክትብል ከኣ ትንእዳ።
ኤለን ክራመር "ከም ብዙሓት ሰባት ዝሓሙዎ ሓሚመ ኣይፈልጥን እየ። ብዘይካ እቲ ብሓኪም እተኣዘዘ ቪታሚናት ካልእ ከኒና ኣይወስድን እየ" ብምባል ዕድለኛ ምዃና ትገልጽ።
ኣብ መንጎ ዕላልና ማዕጾ ስለ ዝተዃሕኵሐ ዕላልና ኣቋሪጽና - ናይ ኮቪድ ክታበት ዝኸትቡ ሰባት እዮም።
"[እዚ ክታበት] የርዕደኒ ኣሎ!" ትብልንሳ፡ ቀጺላ ከኣ ብብሩህ ተስፋ "ግናኸ ንከይሓምም ክከላኸለለይ እዩ" ኢላ።